ኮሮናቫይረስ፡ ወጥሪ ቁጠባን ጥዕናን ኣብ ሕብረተሰብ ዓለም

ንኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ዕጽዋ ዝጸንሐ ሕብረተሰብ ምዕራብ፡ ሰሜን ኣመሪካን ኤውሮጳን በብቑሩብ ዕለታዊ ንጥፈታቱ ከካይድ ተፈቒዱሉስ፡ ካብ ገዝኡ ወጺኡ፡ ኣብ ኣብያተ መስተን ገማግም ባሕርን ሓርነት ኮቪድ ይጽምብል ኣሎ።
ይኹን እምበር ኮቪድ፡ ዋላ'ኳ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ዝነበሮ ናህሪ እንተነከየ እቲ ስግኣት ግን ፈጺሙ ኣይጠፍአን። እኳ ደኣ በንጻሩ ምስ ምኽፋት ዕጽዋ፡ እቲ ኣኣብ ቤቱ ተወሺቡ ዝጸንሐ ህዝቢ ንግዳም ምስ ወጽአን ምስተሓዋወሰን እቲ ቫይረስ መሊሱ ክላባዕን ሰባት ክቐዝፍን ይረአ ኣሎ።
ስለዝኾነ፡ እቶም ብሰንኪ ቁጠባዊ ጸገማት ዕጽዋ ክፍኩሱ ዝተገደዱ መራሕቲ ሃገራት፡ ሰባት መምርሒ ሞያውያን ከተግብሩ፡ ኣብ ዝኾነ ንጥፈታት ክሳብ ክልተ ሜትሮ ክፈናተቱን፡ ኣብ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ባቡራትን ኣውቶቡሳትን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ማስክ ክጥቀሙ ብተደጋጋሚ ይመኽሩ ኣለው።
ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን፡ ብሰለስተ ሓምለ ንኮቪድ ዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዝርገሐ ኮቪድ ካብቲ ዝነበሮ ነክዩ ኣሎ።
ስለዝኾነ ከኣ ኢና በብቑሩብ ናብ ንቡር ክንምለስ ምንቅስቓስ ሰብን ንጥፈታት ንግድን ንፈቅድ ዘሎና። ይኹን እምበር ስግኣት እቲ ቫይረስ ኣብ ቦትኡ እዩ ዘሎ። ኣብዚ እዋን መዓልታዊ ሓደ ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ይልከፉ ኣለው።
ካብ 14-27 ሰነ ኣብ ዝነበረ ግዜ 25ሽሕ ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብቫይረስ ተለኺፎም ኣለው። ንኣብነት ኣብ ሌስተር እቲ ለበዳ ስለዝወሰኸ እቲ ምምሕዳር ምሉእ ዕጽኣ ኣዊጁ ኣሎ። ስለዚ ስግኣት ኣብ ዝተሰመዓና ከባቢ ምቁጽጻር እናጽናዕና ክንቅጽል ኢና። ግን ኩሉ ሰብ ዝከኣሎ ክገብር ይምሕጸን ብምባል ብዛዕባ እቲ ዝኽፈት ትካላት ዝርዝር መምርሒ ኣመሓላሊፉ።
ኣይደንጎዩን ግን ብሰንኪ ዕጽዋ ንኣዋርሕ ተፈላልዮም ዝጸንሑ መንእሰያት ጸሓዯም በሪቑሎም ንኣብያተ መስተን ገማግም ባሕርን መሊኦሞ። ኣብቲ ገማግም ሓርነት ኮቪድ ኣዊጆም ቀዳመ ሰናብቲ ክሰትዩን ክዘናግዑን አሕሊፎሙዎ።
እቲ ሓርነት ኮቪድ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ጥራሕ ኣይነበረን። ኣመሪካውያን እውን ምስ መበል 244 ዓመት ናጽነቶም ዝተጋጠመ ሓርነት ኮቪድ ኣብ ፈቐዶ ገማግም ባሕርን ማእከላት መዘናግዕን ተኣኻኾቦም ጸምቢሎምዎ።
ገለ ካብቶም ኣብ መዘናግዒ ማእከላትን ፓርክን ዝተኣኻኸቡ መንእሰያት "ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮቪድ ከይመጽአ ነዛ ግዜ ተሓቛቚፍና ክንሕጎሰላ ኣሎና። ምትሕቑቛፍ ፍቕሪ እዩ" ክብሉ ንቢቢሲ ሓቢሮም። ኣብ ብዙሓት ኣብያተ መግቢ እውን ሰባት ተፈናቲቶም ክምገቡን ኣፎም ብማስኬራ ብዝሸፈኑ ኣሳሰይቲ ይሳሰዩን ነይሮም።

ኤርትራዊ ወናን ቤት መግቢ ኣስመራ ቴድሮስ ተኽለ ድሕሪ ናይ ኣስታት ኣርባዕተ ወርሒ ዕጽዋ ትማሊ 04 ሓምለ ኣገልግሎት ክህቡ እኳ እንተተፈቕደሎም፡ መንእሰያት ካብ እንዳ ኣብያተ ብልዒ ብዝያዳ ኣብ ኣብያተ መስተ ተኣኻኺቦም ምውዓሎም ሓቢሩ።
ትማሊ ሰንበት ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ እውን መበል 72 ዓመት ልደቱ ኣኽቢሩ። ህዝቢ ዓባይ ብሪጣንያ ከኣ ነቶም ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሊፎም ንህዝቢ ዘገልግሉ ዘለው ሞያውያን ሰራሕተኛታት ኤንኤችኤስ ኣብ ግዳም ወጺኡ ኣድናቖቱን ኣኽብሮቱን ገሊጹሎም።
ክሳብ ሕጂ ኣስታት 300 ሰራሕተኛታት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሊፎም ንህዝቢ ኣገልግሎት ክህቡ ህይወቶም ሓሊፉ ኣሎ።
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ድሕሪ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብራዚልን ብኮቪድ-19 ብዝሞቱዋ ልዕሊ 44ሽሕ ሰባት ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ። ዝርገሐ እቲ ለበዳ ካብ ሓሙሽተ ሽሕ ንመዓልቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ሕጂ መዓልታዊ ናብ ሓደ ሽሕ እኳ እንተወረደ እቲ ስግኣት ግን ገና ኣብ ቦትኡ ስለዘሎ፡ ደበና ፍርሕን ሻቕሎትን ኣይተኣልየን።
እቶም መስተ ሰትዮም፡ ብምሒር ታሕጓስ ነንሓድሕዶም ተሓቓቚፎም "ሰብ ምስ ሰብ ክራኸብ ኣለዎ። ክንተሓቓቖፍ ኣሎና። ክንተሓቛቖፍ ኢና ተፈጢርና" ዝብሉ ዝነበሩ መንእሰያት ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣርባዕተ ወርሒ ከቢድ ናይ ተነጽሎ ግዜ ከምዘሕለፉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ኣብያተ መስተ ዓባይ ብሪጣንያ ብመንእሰያት አዕለቕሊቑ ውዒሉ። ዋላ'ኳ መንግሰቲ ማሕበራዊ ምፍንታት ክግበርን ሰባት ክረሓሓቑን እንተመኸረን እንተጠንቀቐን መንእሰያት ግን " ዝተዓጸናዮን ዝተረሓሓቕናዮን ኣይወሓደን!" ብምባል ብናፍቖት ተሓቛቚፎም እዮም አሕሊፎምዎ።
ሊቃውንቲ እዚ ቫይረስ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮቮድ ዘይተርፍ ምዃኑን ነቲ ክስዕብ ዝኽእል ህልቂት ንምጉዳሉ ኣገዳሲ ዝበሃል ጥንቃቐን ምክልኻልን ክግበር ብቐጻሊ ክመኽሩን ክምዕዱን ጸኒሖም ኣለው።
ንኣብነት፡ ሽወደን፡ ሓንቲ ካብተን ጽኑዕ ኣገባብ ዕጽዋ ዘይተኸተለት ሃገር ብምዃና ብዝሰዓበ ሞትን ዕንወትን ኣብ ፖለቲከኛታት ዓቢ ክትዕ ተፈጢሩን ምህላው፡ ቢቢሲ ትግርኛ ምስ ዶክተር ብእምነት ኣብርሃን ሙሴ ኤፍረምን ኣብ ዝገብሮ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ብዝርዝር ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
እቶም ሊቃውንቲ ንኮሮና ቫይረስ ዝገትእ ክታበት ተረኺቡ ግቡእ መስርሕ ቁጽጽር ሓሊፉ ግብራውነቱ ተረጋጊጹ ኣብ መዓላ ክሳብ ዝውዕል ቅሳነት ከምዘይህሉ ብቐጻሊ የጠንቅቑ ኣለው።
እዚ ሕጂ መንግስታት ዝወስዱዎ ዘለዎ ዕጽዋ ናይ ምዝላቕ ስጉምቲ ከኣ ምስ ቁጠባዊ ውድቀት ዝተኣሳሰረ ፖለቲካዊ ውሳነ እምበር ብሊቃውንቲ ቫይረስ ዝተደገፈ ውሳነ ኣይኮነን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







