ኣብ ዙሪክ፡ ነብሪ ንሓላዊኡ ኣብ ቅድሚ በጻሕቲ ቀቲሉዎ

ነብሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ መካነ እንስሳታት ዙሪክ - ስዊዘርላንድ፡ ሓደ ሳይበርያዊ ነብሪ፡ ንሓላዊ እቲ መካነ እንስሳታት ኣብ ቅድሚ በጻሕቲ ቀቲሉዎ።

እቶም ሰራሕተኛታት ተሓጋጊዞም ነቲ ግዳይ ካብቲ ጋቢያ ብምውጻእ ከድሕኑዎ እኳ እንተፈተኑ፡ እቲ ወዲ 55 ዓመት ሓላዊ መካነ እንስሳ ግን ሽዑ ንሽዑ ምሟቱ ተረጋጊጹ።

እቶም በጻሕቲ መካነ እንስሳታት ቀዳም 04 ሓምለ ሰዓት 11፡20 እዮም እቲ ጸገም ከምዘጋጠመ ሓቢሮም። እቲ ሓላው መካነ እንስሳታት ስለምንታይ ምስቲ ነብሪ ናብቲ ጋቢያ ከምዝኣተወ መርመራ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ሓደጋ ምስኣጋጠመ እቶም ሰራሕተኛታት ሓለዋ፡ ነቲ ነብሪ ሒዞም ክዓጽውዎ እኳ እንተጸዓሩ ነቲ ግዳይ ግን ካብ ሞት ከድሕኑዎ ኣይከኣሉን። ወሃቢት ቃል ፖሊስ ከተማ ዙሪክ ወይዘሮ ጁዲይ ሆይደል፡ እቶም ወሃብቲ ረድኤት "ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ነቲ ግዳይ ቀልጢፎም ክረድኡዎ ኣይከኣሉን" ኢላ።

እቲ ኢሪና ዝተሰምየ ነብሪ ኣብ 2015 ኣብ መካነ እንስሳታት ዴንማርክ ተወሊዱ ዳሕራይ ናብ መካነ እንስሳታት ዙሪክ ዝኸደ እዩ።

ማዕከን ዜና ኤፒ፡ እቲ ዝሞተ ሓላው እንስሳታት ኣብቲ ትካል ንሓያሎ እዋን ከምዝሰርሐ ሓቢሩ። ዳይረክተር እቲ መካነ እንስሳ፡ ንስድራ ቤት መዋቲ ኣኻእሎን ጽንዓትን ክህቦም ተመንዩ።

ነቶም ነቲ ዘስካሕክሕ ቅትለት ዝተዓዘቡ ዘበሉ ከኣ፡ ሞያዊ ምኽርን ምዕዶን ክወሃቦም ከምዝኽእል ተሓቢሩ።

ድሕሪ እቲ ሓደጋ መካነ እንስሳታት ዙሪክ ሎሚ ሰንበት ንበጻሕቲ ተዓጽዩ ውዒሉ ኣሎ።

ኣብ ዝተፈለላየ መካነ እንስሳታት፡ ሓሓሊፉ ኣብ ልዕሊ ሰባት መጥቃዕቲ ዘጋጥም እኳ እንተኾነ፡ ኣብ መካነ እንስሳታት ዙሩክ ግን ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ከጋጥም ንፈለማ ግዜ እዩ።

ኣብ ታሕሳስ 2019 ሓደ ሰራሕተኛ እቲ ማእከል ንመንበሪ ቤት ሓራግጽ እናጽረየ እንከሎ ብሓደ ሓርገጽ ኢዱ ተነኺሱ ነይሩ። እቲ ሓርገጽ ኢድ ናይቲ ሰብ ምግዳፍ ምስ ኣበየ ከኣ ንእለቱ ተቐቲሉ።