ብዘይ ደም ንዓሶ ዝምርምር መሳርሒ ዝመሃዘ ኡጋንዳዊ ተሸሊሙ

ምንጪ ስእሊ, Africa Proof
ኡጋንዳዊ ሳይንቲስት ኮምፒዩተር ብዘይ ደም ንዓሶ ዝምርምር መሳርሒ ብምምሃዙ ተሸላሚ ኾይኑ።
ወዲ 24 ዓመት ብሪያን ጊታ ሽልማት ሮያል ኣካዳሚ ኢንጅነሪንግ ኣፍሪቃ ዝተዓወተ ፈላማይ ኣፍሪቃዊ ኾይኑ ኣሎ።
እዚ "ማይቲባቡ" ዝተብሃለ መሳርሒ ምርመራ ዓሶ ኣብ ዉሽጢ ሓደ ደቒቕ ኣለልዩ፡ እቲ ዉጽኢት ናብ ተንቀሳቓሲ ስልኪ ሞባይል ይልእኽ።
እዚ መንእሰይ ኣብ ሓደ እዋን ዘካየዶ ምርመራ ዓሶ ዉጽኢቱ ኣብ ምፍላጥ ከይተሳኽዐ ምስተረፈ'ዩ ነዚ መሳርሒ ክምህዝ ዝተበገሰ።
መቐይሮ ነጥቢ
ማይቲባቡ ናይ ስዋሂሊ ቃል እንትኾን "ማእኸል ሕክምና" ዝብል ትርጉም ኣለዎ። እዚ ምርመራ ዘካይድ በዓል ሞያ ከየድለዮ፡ ኣጻብዕቲ ተሓካሚ ምጥቋም ጥራሕ'ዩ ዘድልዮ።
እዚ መሳርሒ ናብ ኣጻብዕቲ እቲ ተሓካሚ ቀይሕ መብራህቲ ብምብራህ፡ ናይ ሕብሪ፣ ቅርጽን ናይ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ምልዉዋጥን እንተድኣ ተራእዩ ብዓሶ ተጠቂዕኻ ኣለኻ ማለት'ዩ።
መሳርሒ ማይቲባቡ ኣብ ምምሃዝ ዝነበረ ጉጅለ ብዛዕባ ዝረኸቦ ዉጽኢት ወረቐት እናዳለወ ክኸውን ከሎ፡ "ማይቲባቡ ብቐሊሉ ነገራት ዝልዉጥ'ዩ" ክብል ሙሁር ቴክኖሎጂ ካሜሮንን ዳኛ ምህዞ ኢንጅነሪንግ ሽልማት ኣፍሪቃን ረቤከካ ኢኖንቾንግ ተዛሪቡ።
"እዚ ምህዞ ኣገልግሎት ጥዕና ብምዕባይ፡ ምህንድስና ቴክኖሎጂ ከመይ ንምዕባለ መገዲ ክኸውን ከምዝኽእል ዘርኢ ኣብነት'ዩ" እዉን ኢሉ።
ብሪያን ጊታ 25 ሽሕ ፓዉንድ ሽልማት ዝተዉሃቦ ኮይኑ፡ "እዚ ኣፍልጦ ዕድላት ሽርክና ክንፈጥር ዝሕግዘና'ዩ። ኣብዚ እዋን ዘድልየና'ዉን እዚ'ዩ" ኢሉ።
ዓሶ ኣብ ኡጋንዳ እቲ ቐዳማይ ምኽንያት ሞት'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







