ዶክተር ትምኒት ገብሩ-ንዓለም ዘዛረበት ስነ-ፍልጠተኛ

ትምኒት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ'ያ ተወሊዳን ዓብያን። ኣቦኣን ኣዲኣን ኤርትራውያን'ዮም። ብ1994 ትምህርቲ ምስተዓጽወ ንመጨረሻ ግዜ ንኣስመራ በጺሓ ከም ዝነበረት ትዝክር።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትነብር ኣብ 1983 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተወልደት ዶክተር ትምኒት ገብሩ፡ ብዘካየደቶ ምርምር፡ እቲ ብዕደና-ዳታ ወይ ከኣ ብሰብ-ሰርሖ ፍልጠት (Artificial Intelligence) ኣቢሉ ዝተኣታተዉ ኵትሞታት (ሞዴላት) ጸገማት ከም ዘሎዎ ድሕሪ ምቅልዓ ምስ እትሰርሓሉ ትካል ጉግል ዘጋጠመ ጸገማት ብኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና ምስ ተወዓወዐ ኣህጕራዊ ዝና ዝረኸበት ስነ ፍልጠተኛ'ያ።

እዛ ብሒደት ቃላት ዘይግለጽ ሰፊሕ ዓቕማን ፍልጠትን ዘለዋ ሞያዊት ንቢቢሲ ትግርኛ ዘካፈለቶ ዕለል እነሆ።

Short presentational grey line

"ብዛዕባ ተዘክሮታት ቍልዕነትኪ ንጀምር። እንታይ ዓይነት ስእሊ ክትህብና ትኽእሊ?" ንዝብል ፈላሚ ሕቶ ተሓጕሳ ተቐበለቶ።

ድሕሪ ናይ ቍሩብ ካልኢትታት ምሕሳብ ድማ "እቶም ተዘክሮታት እንድዮም በዚሖም" ብምባል ስሓቕ ሰዓራ።

ኣይጸንሐትን ግን፡ ብዛዕባ ኣተዓባብያኣን ተዘክሮታታን ብርክት ዝበሉ ኣብነታት ከተቕርብ ጀመረት።

"ኣቦይ ካብ ስርሑ መጺኡ ሰፍ ኣቢሉ ከልዕለኒ ይዝከረኒ" ብምባል ብዛዕባ'ቲ ብናፍቖት እትዝክሮ ኣቦኣ ትዛረብ።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ዀይኑ ግን ኣቦኣ ኣብ ሓሙሽተ ዓመታ መጥባሕቲ ድሕሪ ምግባር ኣብ ሰሙኑ ኣብ ሆስፒታል ከሎ ስለ ዝሞተ ነቲ ዘበገሰቶ ተዘክሮ ክትስዕቦ ዝደለየት ኣይትመስልን።

"ብዙሓት ሰባት ኣብ ገዛና ክመጽኡ፣ ኣደይ ከኣ ክትሓዝን" ይዝከረኒ ትብል ብኣስተንትኖ።

ኣቦኣ ናይ ኤለክትሪክ ኢንጅኔር'ዩ ነይሩ።

"ብዛዕባ ኣደኺ'ኸ እንታይ ተዕልልና?" ክንብል ሓቲትናያ።

"ኣደይ ብስነ-ቍጠባ ዝተማህረት፡ ብዝተዳቐቐ ኣገባብ እትርኢ፡ ንደቃ ብጽቡቕ እትኣሊ፡ ኣዝያ ዕግስቲ፡ ድሕሪ ሞት ኣቦይ ብህይወታ ከተዕዘምዝም ከቶ ሰሚዐያ ዘይፈልጥ ኣደ'ያ" ኢላ ክትብል ብኣድናቖት ትገልጻ።

ዋዛ ናብ ዘለዎ ዕላል ብምስጋር፡ "ብዙሕ ክደርፍ ከኣ ይዝከረኒ፣ ንእሽቶ ከበሮ ነይራትኒ ... እቲ ንጓይላ እንጥቀመሉ ኣብ ሞንኵብና ዝንጥልጠል ከበሮ ምዃኑ'ዩ ... ተሓጒሰ ከበሮ ክወቅዕን ክደርፍን ይዝከረኒ" ኢላ ደጊማ ትስሕቕ።

ናብ ቁም ነገር ዘሎዎ ዘረባ ብምምላስ "ሙዚቃ ምስማዕን ምጽዋትን እፈቱ ስለ ዝነበርኩ ኣደይ ኣብ ስድስት ኪሎ ዝርከብ ቤት-ትምህርቲ ሙዚቃ ያሬድ ኣመዝገበትኒ፣ ኣብኡ ኸኣ ፒያኖ ምጽዋት ተማሂረ" ክትብል ከም ተራ ዕላል ኣቕረበቶ።

"ሓብተይ እናደረፍኩ ዝቐድሓትኒ ደርፊ ነይሩኒ፣ ናይ ቀበሌ መዛሙር ኰኑ 'ሳባ-ሳቢና' ትብል ናይ ተኽለ 'ህውከት' ኣድሓኖም ደርፊ ክደርፍ እውዕል ነበረኩ" እናበለት ብንእስነታ ዘሕለፈቶ ጽቡቕ እዋን ትዝክር።

ብድሕሪኡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣጸደ-ቈልዑ (ኣዚሎ) ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ንዘሕለፈቶ ዘይርሳዕ ተዘክሮታት ብምልዓል ንፍዕቲ ጀማሪት ከም ዝነበረት ተዕልል።

"መምህር ዕዮ-ገዛ ኣይሃባንን ኢለ ዕላጅ ክገብር ይዝከረኒ፣ መምህር ድማ ብፍላይ ንዓይ ኢለን ተወሳኺ ዕዮ ገዛ - እንተ ዝሰኣል ድዩ ወይ ከኣ ፊደላት ደጋጊምካ ምጽሓፍ - ክህባኒ እዝከረኒ" ትብል።

ኣብ ጊዜ ንእስነታ፡ ቅድሚ ቤት-ትምህርቲ ምእታዋ፡ ኣብ ገዛ ብትግርኛ ጥራይ እናተዛረበት ስለ ዝዓበየት፡ እተን ክልተ ዓበይቲ ተማሃሮ ኣሓታ ምስጢረን ክዕቅባ ክብላ ንሓድሕደን ብኣምሓርኛ ብምዝራብ ይፈልያኣ ከም ዝነበራ ትዝክር።

ድሓር ግን ብኣምሓርኛ ቆርጠምጠም ክትብል ምስ ጀመረት መትሓዚ ዘይነበራ ዕላሉ ምንባራ ተዘንቱ።

"ተዛራቢት'የ ነይረ ... ኣደይ ከም እተዕልለኒ ኣብ 'ውይይት' ዝበሃላ ታክሲ ኣዲስ ኣበባ ተጻዒንና ክንጐዓዝ እንከለና ሱቕ በሊ ትብለኒ ነበረት፣ ምኽንያቱ ምስ'ቶም ተጓዓዝቲ ከም ዓባይ ጓል ኣፈይ መሊአ ብርእሰ-ተኣማንነት 'ዓሰርተ ዝረብሖ ዓሰርተ ክንደይ ይኸውን?' ... 'ክሳብ ሚእቲ'ዶ ክትቈጽሩ ትኽእሉ?' እናበልኩ ኣብ ሓንጐለይ ዘዝመጽኣኒ ሕቶታት እናሓተትኩ ትንፋሶም ክሳብ ትሞልቝ እፍትኖም ነበርኩ" ብማለት ክርትም ኢላ ትስሕቕ።

ካብ ቑልዕነታ ኣብ ሳይንስ ከተድህብ እያ ትደሊ ነይራ።

"ኵሉ ጊዜ ሰባት 'ምስ ዓበኺ እንታይ ክትኰኒ ኢኺ ትደልዪ ኢሎም?' ምስ ዝሓቱኒ 'ስነ ፍልጠተኛ' ኢለ እምልሰሎም ነበርኩ" ትብል።

እንሆ ኸኣ ትምኒት ብዶክቶርነት ተመሪቓ ዓባይ ናይ ኮምፕዩተር ሳይንቲስት ኰይና ህይወታ ኣብ ምምራሕ ትርከብ።

ትምኒት ምስ ዓበየት ...

ትምኒት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ'ያ ተወሊዳን ዓብያን። ኣቦኣን ኣዲኣን ኤርትራውያን'ዮም።

ብ1994 ትምህርቲ ምስ ተዓጽወ ንመጨረሻ ግዜ ንኣስመራ በጺሓ ከም ዝነበረት ትዝክር።

እቲ ሽዑ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኽሰት ዝነበረ ኵነታት እናኸፍአ ምስ ከደ ብ1998 ካብ ኢትዮጵያ ንኽትወጽእ ተገደደት።

ብ1999 ከኣ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብምጕዓዝ ከም ዕቝበኛ ሓድሽ ህይወት ጀመረት።

ኣብ ማሳችዩሰትስ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ምስ ወደኣት ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርታ ጀመረት።

ኣይሓመቐትን፡ ኣብ ስታንፈርድ ዝበሃል ዓቢ ዩኒቨርሲቲ ንኽትመሃር ዕድል ምስ ረኸበት ከኣ ነቲ ዕድል ብጽቡቕ ተጠቕመትሉ።

ህይወታ ዓንበበ፣ ዓለማ ኸኣ ተኸፍተላ።

ቀዳማይን ካልኣይን ዲግሪታታ ብኤለክትሪካል መሃንዲስነት ምስ ተመረቐት ኣብ ኣፕል (Apple Inc.) ስርሓ ጀመረት።

ምዕባለ መስርሕ ሲግናል ተጠቒማ ድማ ናይ ኣይ-ፓድ (iPAD) ግድላት ምፍታሕ ተዋስአት።

ብድሕሪኡ ናብ ስታንፈርድ ዩኒቨርሲቲ ተመሊሳ ናይ ዶክቶርነት መዓርግ ረኸበት።

መርኣያ ጉግል (Google Street View) ተጠቒማ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ከባቢታት ሕ.መ.ኣ. ብምብጻሕ ስነ-ህዝባዊ መጽናዕቲ ኣካየደት።

እቲ ውጽኢት መጽናዕታ ኸኣ ንዓለም ኣዘረበ። ማሕበረ-ቍጠባዊ ባህሪ ሰባት - ከም መረጻ፣ እቶት፣ ትምህርቲ ዝኣመሰሉ ባህርያት - ከተለሊ ብምኽኣላ።

እቲ ምርምራ ን15 ሚልዮን ኣሳእልን 200 ዓበይቲ ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ስለ ዘጠቓለለ ቆላሕታ ናይ ዓለም ክረክብ ከኣለ።

ነቲ ሓበሬታ ቢቢሲ፣ ኒውስዊክ፣ ኢኮኖሚስት፣ ኒውዮርክ-ታይምስ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ማዕከናት ሚድያ ተቐዳደምሉ።

ዝና ትምኒት ገብሩ ኸኣ ዓበየን ተዘርገሐን።

ኣብ ጉግል ዝተኸስተ ዘሕዝን ፍጻሜ ...

ብታሕሳስ 2020፡ ኣብ ጉግል ትሰርሓሉ ዝነበረት እዋን፡ ብሃንደበት ስርሓ ከተቋርጽ ተገደደት።

እቲ ጕዳይ ተኣፋፊ ብምንባሩ ንቅጽበት ናይ ዓለም ሚድያ ነቲ ጕዳይ ኣቕለበሉ።

ትምኒት "ጉግል ካብ ስርሐይ ኣሰናቢቶምኒ" ኢያ ትብል። ሓለፍቲ ጉግል ድማ ብገዛእ ፍቓዳ'ያ ተሰናቢታ ይብሉ።

ትምኒት ግን ነቲ ሓለፍቲ ጉግል ዝሃብዎ መግለጺ ኣይትቕበሎን።

ንምንታይ ኣብ ምስንባት ዝኣክል ጕዳይን ደረጃን ተበጽሐ? ትምኒት፡ ምስ ተመራመርቲ ብጾታ ኰይና፡ ሓደ ኣዝዩ ተኣፋፊ ጕዳይ ብጽሑፍ ኣቃልዐት።

ሓደ ግዙፍ ናይ ቋንቋ ሞዴል ብዘርኢ ፕሮጀክት ብኣከባብያዊ ዀነ ፊናንስያዊ ሸነኻቱ ዝኽፈል ዋጋ ብኣድልዎን ዘይቅኑዕ ሚዛንን ከም ዝተጸምደ፡ እቲ ዉጽኢት ናይቲ ምርምር ድማ ቅኑዕ ከም ዘይኰነን ንህዝቢ ከጋጊ ከም ዝኽእልን ሓበረት።

ኣርማ ጉግል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ትምኒት ከም ትብሎ፡ እቲ መስርሕ (ነቲ ዝተጻሕፈ ዉጽኢት) ብግቡእ መትርባት ከም ዝሓለፈ፡ ዝኣክል ኣቓልቦ ተዋሂቡዎ ክነሱ ኣብ መጠረስታ - ንክሕተም ምስ ተቐረበ - እቶም ሓለፍቲ ሰጋእ በሉ።

ንክትስሕቦን ኣስማት ብጾታ ኸኣ ንክእለን ጸቕጢ ገበሩላ።

ትምኒት ብሓለፍቲ ጉግል ነቲ ጽሑፍ ንኽትስሕቦ'ኳ እንተተኣዘዘት ኣብ መትከላ ብምርጋጽ ነቲ ዉሳኔ ገጠመቶ።

በዚ ዝተላዕለ ሰሓብዮ-ኣይስሕቦን ኰይኑ ካብ ስርሓ ከም ትእለ ተገብረት።

እቲ ጕዳይ ምስ ተወዓወዐ 2700 ሰራሕተኛታትን ካብ'ኦም ዝበዝሑ ምሁራንን ንጉግል ናይ ዓገብ መልእኽቲ ለኣኹ።

ክልተ ካብ'ቶም ኣብ ጉግል ዓቢ ሓላፍነት ዝነበሮም ሰባት ከኣ ነቲ ዉሳኔ ብምቅዋም ካብ ስርሖም ባዕላቶም ተሰናበቱ።

እቲ ጕዳይ ሕልኽልኽ ዝበለ ኰይኑ ናይ ዓለም ሚድያ ጸጸኒሑ ኣብ ትምኒት ብምቕላብ ብርክት ዝበሉ ሓተታታ የቕርብ'ዩ።

በቲ ዝተፈጸመ ጕዳይ ከኣ ኣብ ዉሽጢ ጉግል ሓዲስ ስርዓት ክተኣታቶ ከኣለ። ት

ምኒት ሓዲሽ ናይ ምርምር ድርጅት ኣብ ምብጋስን ንቅድሚት ኣብ ምምራሽን ትርከብ።

ተወሳኺ ሕቶ ንትምኒት ...

ኣብ ስደት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣብ ሽግር ኣትዮም ዘሎዉ ኤርትራውያን ኰኑ ኢትዮጵያውያን መንእሰያት ኣለዉ።

እዞም ሰባት'ዚኦም ብድድ ኢሎም ዋኒን ትምህርቶም ክገብሩን ህይወቶም ንከመሓይሹን እንታይ ዓይነት ምኽሪ ክትልግስሎም ትኽእሊ?" ንዝብል ሕቶ፡

"እቲ ዘሕዝነኒ እቲ ካብ ዓዲ ዝመጽእ ወረ ሕማቕ ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ሕማቕ ወረ ሰብ እናለመዶ ይኸይድ ብምህላዉ'ዩ ... ጥምየት፣ ዉግእ፣ ቅትለት፣ ማእሰርቲ ... ከክፍኡ ደጋጊምና ብምስማዕ ነቲ ወረ'ቲ ከም ንቡር ጌርና ንወስዶ ብምህላውና ኣዝዩ የሻቕለኒ ... ንቡር ኣይኰነን፣ ዋጋን ክብርን ሰብ ይሓስር ኣሎ" እናበለት ተጨኒቓ ትዛረብ።

ወሲኻ፤ "ናይ ሞራል ድጋፍ ከመይ ገይረ ከም ዘመሓላልፍ ቀሊል ከም ዘይኰነ ይርድኣኒ ... ኣብ ከባቢኻ ንዘለዉ ሰባት ብምዕዛብ፡ ነቶም ህይወቶም ንከመሓይሹ ዝኸኣሉ ሰባት ከም ኣብነት ብምውሳድ ንነብስና ክንድርኽን ክንቅስቅስን ኣገዳሲ ኰይኑ ይስምዓኒ።

"ከም ሕማቕ ቅንኢ ዘይኰነስ ከም ጽቡቕ ቅንኢ ክንጥቀመሉ ይግብኣና። ህይወትካ ንከተመሓይሽ ንኻልኦት ረጊጽካ ሓፍ ክትብል ዘይኰነስ ነቲ እተድንቖ ሰብ ኣሰሩ ምኽታል" እናበለት ጥዑማት ቃላት ኣብ ምንዳይ ትኣቱ።

"ሕነ-ፍዳ ብዝመልኦ ዝመስል ኣቀራርባ፡ ሕኒን እናበልና ካብ ነፍስና ዝሃሲ ዓንኬል ከውጽኣና ስለ ዘይክእል ካብቲ ርሱን ኵነታት ብዝከኣለና መጠን ከነልግስ ይግባእ ... ኣነ ኣብ 1998 ካብቲ ንዓይን ስድራ-ቤተይን ዘጓነፈና ግፍዒ ብሓሳበይ ንክርሕቕ ጊዜ ወሲዱለይ'ዩ፣ ካብ'ቲ ኵነታት ብምእላየይ ግን ጠቒሙኒ ኢለ እኣምን" ትብል።

"ይጽልምተና ይኸውን፡ ሽግርና ናይ ምፍታሕ ዕድል'ውን ከይህልወና ይኽእል፡ ግን ዘይክኣል ነገር የለን ... ዘገም ኢልና፡ ተስፋ ከይቈረጽና፡ ነቲ ዘትኰርናሉ ጕዳይ ብዝተኻእለ መጠን ዕንቅፋታት እናኣለና ምግጣሙ ነዊሕ መገዲ ንክንጐዓዝ የኽእለና ኢለ እኣምን" ብምባል ሓሳባ ዛዘመት።