ጉግል፡ ንግዳያት ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ዕረፍቲ ንክወፅኡ ይገብር

ኣርማ ጉግል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጉግል፡ ኣብ ኣሜሪካ ግዳያት ዓሌታዊ ጥቕዓት ንዝኾኑ ሰራሕተኛታቱ፡ ናይ ሕክምና ዕረፍቲ ንክወስዱን ንሓኪም ኣእሙሮ ከማኽሩን ከምዝገብር፡ ማዕኸን ዜና ኤንቢሲ ፀብፂቡ።

ሓደ ሰራሕተኛ ጉግል ብዝበፅሖ ጥቕዓት፡ ክፍሊ ሓይሊ ሰብ ጉግል፡ ናይ ሕክምና ዕረፍቲ ንክወስድ ምግዳድ ልምዲ ከምዝገበሮ ሓቢሩ።

ኣብዚ ቀረባ ግዘ ክልተ ተመራመርቲ ‘ኤቲክስ ኣርተፊሻል ኢንተጀለንስ’፡ ስለ ብዝሃነት ብምልዓለን፡ ካብቲ ትካል ከምዝተባረራ ምግላፀን ይዝከር።

እንተኾነ፡ ጉግል ነዚ ተግባር ከምዘይወዓሎን፡ ኣብቲ ዝተልዓለ ክሲ ምርመራ ከምዝገብርን እዩ ኣፍሊጡ።

ጉግል ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ “ሰራሕተኛታት ዘልዕልዎ ቅረታ ዝረኣየሉ ስርዓት ኣለና። ግልፂ ብዝኾነ መንገዲ ንምስራሕ ኢና ንፍትን። ፖሊሲታትና ንዝጥሕሱ ሰራሕተኛታት ከቢድ ስጉምቲ ኢና ንወስድ” ኢሉ።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ጉግል ይሰርሕ ዝነበረ ቤንጃሚን ክሩዝ፡ ሓደ ሰራሕተኛ ጉግል፡ ኣብ ሕብሪ ቆርበቱ ዝምልከት ርኢቶ ከምዝሃቦን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ንሰብ ሓይሊ እቲ ትካል ቅረታ ከምዘቕረበን፡ ንኤንቢሲ ተዛሪቡ።

“እዚ ቅረታ ምስ ኣቕረብኩ፡ ስራሕተይ ካባይ ክምንጠሉ ጀሚሮም። እንተኾነ ኣባላት ጉጅለይ ኣባይ ዝኾነ ዓይነት ነገር ከምዘይተፈጠረ እዮም ዘምስሉ” ይብል፡ ነቲ ማዕኸን ዜና ኣብ ዝሃቦ ቃል።

“ናይ ሕክምና ዕረፍቲ ንክወስድ ምስመዓዱኒ፡ ኩሉ ነገር ብቅልጡፍ እዮም ኣሳሊጠሞ” ኢሉ።

ካልእ ሰራሕተኛ ነበር ጉግል ድማ፡ “ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ልዕሊኦም ብዝተፈፀመ ኣድልዎ (ጥቕዓት) ዕረፍቲ ንክወስዱ ዝተገደዱ 10 ሰባት ክፀርሕ ይኽእል እየ” ይብል።

ኤንቢሲ ኣብ ዘካየዶ ምርመራ፡ ኣስታት ደርዘን ግዳያት እዩ ዕላዊ ጌሩ።

ካብ ሞንጎ እዚኦም፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 2020፡ ስረሐን ዝሰኣና ተመራመርቲ ‘ኤቲክስ ኣርተፊሻል ኢንተጀለንስ’ ትምኒት ገብሩ (ዶ/ር) ከምኡ ድማ ማርጋሬት ሚቼልን (ዶ/ር) ተፀሪሐን ይርከባ።

ትምኒት ገብሩ (ዶ/ር) ካብ ጉጉል ምስጓጓ ምስተሰምዐ፡ ኣብ ልዕሊ ጉግል ዓለም ለኻዊ ነቐፌታት ንክውሕዙን፡ ካብ መሳርሕታ ድማ ድጋፍ ክትረክብን ኣኽኢሉ እዩ።

ትምኒት ቅድሚ ካብ ጉግል ምስጓጓ፡ ብበዓል ሞያ ስነልቦና ንክትርአ፡ ማዕዳ ከምዝተውሃባ እያ ትገልፅ።

ካብ ስራሕ ቅድሚ ምብራራ ብወግዒ ንትምኒት (ዶ/ር) ዝደገፈት ማርጋሬት ሚቼል (ዶ/ር) እውን፡ ምርመራዊ ምድላው ኤንቢሲ፡ ነቲ ናታ ከይዲ ከምዘንፀባርቕ ብመገዲ ትዊተር ሓቢራ።

ዋላ’ኳ እቲ ፀብፃብ ከቢድ እንተኾነ፡ “ዝተሓብአ ሓቂ ምቅልዑ” ግና ኣድላይ እዩ ኢላ።

ጉግል፡ ዝተሓናፈፀ (ምዕሩይ) ሓይሊ ሰብ ዘይብሉ ብሕታዊ ኩባንያ ቴክኖሎጂ ኣይኮነን።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ኣሜሪካዊ ኤጀንሲ፡ ትካል ፌስቡክ ሰራሕተኛታት እንክቖፅር፡ ብሕቡእ መገዲ ዓሌታውነት ከምዘለዎን ይምርምሮ ከምዘሎን፡ ማዕኸን ዜና ሮይተርስ ፀብፂቡ እዩ።

ንምልክታ ስራሕ ሰነዶም ዘቕረቡ ኣርባዕተ ሰባት እዮም፡ ነዚ ቅረታ ኣቕሪቦም።

ወሃቢ ቃል ፌስቡክ ኣንዲ ስቶን፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ርኢቶ ንምሃብ ፍቓደኛ ኣይኮነን።