ኣመሪካ ሙሉእ ብሙሉእ ዝተኸተቡ ሰባት ብዘይ መሸፈኒ ክራኸቡ ፈቒዳ

ክታበት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሙሉእ ክታበት ዝወሰዱ ኣመሪካውያን፡ ብውሱን ናብ ንቡር ምንቅስቓስ ክምለሱ ከምዝኽእሉ ማእከል ምቁጽጻር ሕማማት ኣመሪካ (ሲዲሲ) ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ሓድሽ መምርሒ ከምዝብሎ፡ ኣድላዪ ክታበት ዝወሰዱ ሰባት ምስ ዝተኸተቡን ገለ ዘይተኸተቡን ሰባት ክራኸቡ ይኽእሉ እዮም፡፡

ሰባት፡ ነታ ናይ መወዳእታ ብልቃጥ ክታበት ምስወሰዱ ድሕሪ ክልተ ሰሙን፡ ካብ'ቲ ሕማም ውሑሳት ከምዝኾኑ እዩ ሲዲሲ ዝገለጽ፡፡

ዛጊድ ልዕሊ 30 ሚልዮን ኣመሪካውያን ሙሉእ ክታበት ወሲዶም ኣለዉ፡፡

ሙሉእ ብሙሉእ ዝተኸተቡ ኣመሪካውያን

  • ምስ ከምኦም ሙሉእ ብሙሉእ ዝተኸተቡ ሰባት፡ ብዘይ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ርሕቐት ምሕላውን ኣብ ውሽጢ ገዛ ክረኸቡ ይኽእሉ
  • በቲ ሕማም አዐርዮም ክጥቅዑ ተኽእሎ ምስዘይብሎም ዘይተኸተቡ ሰባት፡ ኣብ ውሽጢ ገዛ ክራኸቡ ይኽእሉ
  • ምልክታት እንተድኣ ዘይብሎም፡ ምስ ኮቪድ-19 ዘለዎ ሰብ ብምርኻቦም፡ ክምርመሩ ወይ ንባዕሎም ክፈልዩ ኣይግበሩን፡፡

ድሕሪ እዚ ለበዳ፡ ዓለም ከመይ ከምእትመስል ከመላኽቱ ጀሚሮም ከምዘለዉ ዝገልጽ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣንዲ ስላቪት ‘‘ብዝሒ ዝኽተቡ ሰባት ብዝወሰኸ ቁጽሪ፡ እቶም ዝፍቀዱ ምንቅስቓሳት እውን እናወሰኹ ክኸዱ እዮም’’ ኢሉ፡፡

ኮይኑ ግና ዝተኸተቡ ሰባት ሕዚ እውን ኣብ ሰብ ዝበዝሐሉ ከባቢታት ከም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር፣ ርሕቀት ምሕላው፣ ህዝቢ ናብ ዝበዝሐሎም ከባቢታት ዘይምኽያድን ጉዕዞ ዘይምግርን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ መምርሒታት ከኽብሩ ኣለዎም፡፡

ብተወሳኺ ምስዘይተኸተቡን ብኮቪድ ክህሰዩ ተኽእሎ ዘለዎምን ሰባት እንትራኸቡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩን ርሕቶም ክሕልዉን እቲ መምርሒ ይእዝዝ፡፡

ኣብታ ሃገር በዝሒ መዓልታዊ ዝኽተቡ ሰባት ወሲኹ ዘሎ ኮይኑ፡ ልዕሊ 90 ሚልዮን ክታበት ከምዝተውሃበ እዩ ዝግለጽ፡፡ እንተኾነ እቲ ለበዳ ሕዚ እውን ኣስጋኢ ከምዝኾነ ሰብ ሞያ ጥዕና የጠንቅቑ፡፡

ልዕሊ 90 ምኢታዊት ህዝቢ ኣመሪካ፡ ገና ከምዘይተኸተበ ድማ ሲዲሲ ገሊጹ ኣሎ፡፡

ኣመሪካ ልዕሊ 29 ሚልዮን ረኽሲታት ኮሮረናቫይረስ ዘመዝገበት ኮይና ልዕሊ 525 ሽሕ ዜጋታት ሞይቶምዋ እዮም፡፡