ዝኽሪ '8 መጋቢት' ኣብ ቅልውላው ኵናት

ለበዳ ኮቪድ፡ ንዓለምና፡ ህዝባውን ማሕበራውን ንጥፈታታ በቲ ዝለመደቶ ንቡር ኣገባብ ከይተካይድ ደሪቱዋ ይርከብ።
ይኹን'ምበር ምዕባለን ቴክኖሎጂ ካልእ መገዲ ስለዘርሓወ፡ ንጡፋት ማሕበራት ውድባት ደቀንስትዮን፡ መሰል ማዕርነት ክኽበርን ደቀንስትዮ ኣብ ሕብረተሰብ ግቡእ ተረአን ንክጻወታን ዝዕድምን ዘተባብዕን ጎስጓስን የካይዳ ኣለዋ።
ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ውድበታት ዝተጠርነፋ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ከኣ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም፡ ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን፡ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን፡ ከምኡ እውን ኣብ ሃገርን ጎደቦታትናን ነቲ ገና ነዊሕ ጉዕዞ ዝተርፎ መገዲ ማዕርነት ንኪሰላሰል ሓያልን ውህዱን ቃልሲ መሰል ክልቲኡ ጾታታት ከምዘድሊ ዘዘኻኽርን ዝጽውን ኣኼባታት ከካይዳ ቀንየን ኣለዋ።
ዘምዘም አሕመድ ካብ ሆላንድ፡ ዘቢብ ነጋሲ ካብ ኖርወይ፡ ብዙ ቡቲንጋሊ ካብ ስዊዘርላንድ፡ ከምኡ እውን ኣሚራ ሲራጅ ካብ ጀርመን ከኣ ካብተን ኣብ ዝተፈላለያ ጥርናፈታት ተወዲበን ንመሰል ደቀንስትዮን ማሕበራዊ ፍትሕን ዝቃለሳ ዘለዋ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ እየን።
ምናልባት፡ ብሰነድ ዝድገፍ ዝተመዝገበን፡ ብኣፈ ታሪኽ ዝንገር ዕላላትን ተባሂሉ ይፈላለ ይኸውን እምበር፡ ደቀንስትዮ ዓለም ንመሰለንን ክብረተንን ካብ ዝቃለሳ ነዊሕ መዋእል እዩ ኮይኑ።
ይኹን እምበር፡ ይትረፍ ኣብ ከም ኤርትራን ኢትዮጵያን ጎደቦታተንን ሃገራት ሳልሳይ ዓለም፡ ኣብተን ማዕቢለን ዝበሃላ ሃገራት ምዕራብ እውን እንተኾነ ገና ነዊሕ ቃልሲ ከምዘድሊ ንኣስታት 30 ዓመታት ኣብ ሃገረ ጥልያንን ስዊዘርላንድን እትነብር ዘላ ወይዘሮ ብዙ ቡታንጋሊ ትዛረብ።
“ኣብተን እንነብረን ዘለና ዝበሃላ ምዕቡላት ሃገራት ምዕራብ፡ መሰል ደቀንስትዮ ብዝለዓለ ደረጃ ከምዝኽበር እዩ ዝነገር፡ እንተኾነ ግን፡ ደቀንስትዮ ሕጂ እውን እንተኾነ ኣብ ዕቤት ስራሕ ኮነ ደሞዝ ገና ምስ ወዲ ተባዕታይ ኣይተመዓራረያን ኣለዋ።
ነዚ መሰል ንምርግጋጽ ከኣ፡ ገና ብሕጂ እውን “ሀ” ኢልካ ቓልሲ ክጅመር ኣለዎ” ትብል፡ ደቀንስትዮ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወትን ዕብየትን ማዕረ ደቀንስትዮ ንኽረኣያን ንከኽበራን ገና ሓያል ጻዕሪ ከምዘድሊ ብምዝኽኻር።
“መሰል ይምንዛዕ እምበር ኣይትኮብን እዩ” ንዝብል ምስላ አዕራብ እትጠቅስ ዘምዘም አሕመድ፡ሕጂ እውን ደቀንስትዮ ዓለምና ኮነ፡ ኣብ ውሽጥን ግዳምን ኣብ ሃገርን ስደትን ዝነብራ ደቀንስትዮ ኤርትራ፡ ከምቲ ኣብ ቃልሲ ናጽነት ዘርኣየኦ ተወፋይነትን ተሳታፍነትን ምዕሩይ መሰል ንክጎናጸፋ ኣብ ኩሉ መዳያት ቃልሰን ከነጣጥፋ ይግባእ ትብል።
ሕብረተሰብ ዓለምና ብኽልቲኡ ጾታ፡ ተባዕታይን ኣንስታይን፤ ካብ ሓንቲ ማህጸን ብዝውለዱ ተደጋገፍቲ ጾታ፡ አሕዋትን ኣሕትን ዝቖመ እዩ።
እዞም ክልተ ፍጥረት፡ ከም ሰብኣይን ሰበይትን ሓዳር መስሪቶም ውሉዳት ኣፍርዮም እናተደጋገፉ ቀጻልነት ህላዌኦም የውሕሱ።
ከምኡ ኮይኖም ከብቅዑ ግን፡ ኣብቲ ዝነብርሉ ሕብረተሰብ ዘለዎም ተራ ዝተፈለላየ እዩ።
ደቀንስትዮ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለም፡ ኣብ ትምህርቲ፡ ኣብ ፍልጠት፡ ኣብ ስራሕ ኣብ ዕቤት ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ አሕዋተን ከምዘይተሰርዓ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ብፍላይ ኣብቲ ገና ዘይማዕበለ ኣባታዊ ሕብረተሰብ፡ ጓለንስተይቲ ኣብ መፍረ ሕጻናትን ሓዳርን ንወዲ ተባዕታይ እትደጋገፍ ኣገልጋሊት እምበር ማዕረ በዓል ቤታን ሓዋን ስለዘይትረአ ከቢድ ስነ-አእሙራዊ ሃስያ ከምዘጋጥማ ሰነዳት ታሪኽ መዝጊቡዎ ኣሎ።
ስለዝኾና ከኣ እየን ከም ሮዛ ላክዘምበርግ ክላራ ዘትኪን፡ ካስቲ ዱንከር: ፓውላ ትየን ዝኣመሰላ ውፉያት ደቀንስትዮኀ ተባዕትዮ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት፡ “ምዕሩይ መሰል ይግበኣና’ዩ” ዝበላ ደቀንስትዮ ዓለምና ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ከቢድ ብደሆን ቃልስን ኣካይደን።

ምንጪ ስእሊ, Amira Siraj
እቲ ምዕሩይ መሰል ዘየፍቅድን ዘየኽብርን ኣባታዊ ሕብረተሰብ ቅድሚ ምስልጣኑን ብሓያል ቃልሲ ደቀንስትዮ ምርትዑን፡ ደቀንስትዮ ከቢድ ብደሆ እየን አሕሊፈን - ሕጂ እውን ንጡፍ ቃልሲ የካይዳ ኣለዋ።
ዝኽሪ ሸሞንተ መጋቢት ብሓበን ዘምዘም አሕመድ፡ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ፡ ኣብ ፖለቲካውን ብረታውን ቃልሲ ዘካየደኦን ዘርኣየኦን ጀግንነት ብሓበን ትዝክሮ እያ።
ዘቢብ፡ ኣሚራ ኮነ ቡዙ እውን ርእይቶአን ተመሳሳሊ እዩ። እንተኾነ መግዛእቲ ተኣልዩ መንግስቲ አሕዋት ምስተተኽለ፡ ኣብ ሃገር እቲ ግፍዕን ጭኮናን ስለዝቐጸለ “ ፍትሒ ንምርግጋጽ ኩላትና ኣብ ቃልሲ ንርከብ ኣሎና” ትብል ዘቢብ።
ምኽንያቱ ትብል ነባሪት ጀርመን ኣሚራ ስራጅ ማሕሙድ፡ “እተን ምእንቲ ናጽነትን ክብረትን ተቓሊሰን ከብቅዓ “ናጽነትና ብሰብኣዊ ክብርን መሰልን ብሓርነት ይጸምበል” ስለዝበላ ኣብ ማእሰርትን መከራን ዘለዋ ደቀንስትዮ በዛ ዕለት ክትዝክረን ከምእትደሊ ትገልጽ።
ብዙ እውን ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ነዊሕ መሪር ብረታዊ ተጋድሎ ከቢድ ዋጋ ከፊሉ ክነሱ ክርህዎን ክሓልፈሉን ብሰላምን ቅሳነትን ክነብር እናተመነየ፡ እናሰርሐን እናደኸም ሰኣን “ ብቑዕ ምሕደራን ኣልያን ብምልኪ ይግፋዕ ኣሎ።
ብፍላይ ከኣ ደቀንስትዮ ድርብ ወጽዓ ስለዘጋጥመን እሓዝን ግን ከኣ ዓቕመይ ብዘፍቅዶ ምእንቲ መሰልን ፍትሕን ድምጸይ አስምዕ” ክትብል ርእይቶኣ ትህብ።
ኣብ እትነብረሉ ሃገረ ጀርመን ዘሎ መሰልን ማዕርነትን ደቀንስትዮ ምስ ሃለዋት ኤርትራ ብምንጽጻር ናይ ሰማይ ምድርን ፍልልይ ከምዝኾነ እትዛረብ ኣሚራ፡ ብፍላይ ከኣ ሕጂ ብሰንኪ ኮቪድን ኣብ ኵናት ጎረቤት ምእትታውን ደቀንስትዮ ኣዴታት ኣሓትን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከባ ትዛረብ።
ዘምዘም ኣሕመድ እውን፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኤርትራዊት ኣደ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ዘሎ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታት ኩሳ ሳዕ ኣብ ጸገም ከምእትነብር ተረድእ።
ወጽዓን ዓመጽን ደቀንስትዮ ትግራይ ኣብ ቅልውላው ኵናት
ደቀንስትዮ ትግራይ ኣዴታትን ኣሓትን ብሰንኪ ኣብ ክልለን ተወሊዑ ዘሎ ቅልውላው ብዝኾነ ይኹን ዕጡቕ ይግፍዓን ጾታዊ ዓመጽን በደልን የጋጥመን ከምዘሎ ጸብጻባት ይገልጹ ኣለው።
ኣብ እዋን ኵናት እቶም ተቐናቐንቲ ሓይልታት ነንረብሐኦም ዝጥዕምን ዝድግፍን ጸብጻባት ስለዘቕርቡ፡ ንኹሉ እቲ ዝቐርብ ክስታት ብናጻን ገለልተኛን ኣካል ተጻርዩ ዝቐርብ ጥንቃቐ ዘድሊ እኳ እንተኾነ፡ ደቀንስትዮ ትግራይ ዓመጽ የጋጥመን ከምዘሎ ኣየጠራጥርን እዩ እትብል ዘቢባ ነጋሲ፡ ኩሉ ሕልና ዘለዎ ኣካል ነቲ ዘይሰብኣዊ ተግባር ክኹንኖን ንፈጸምቱን ገበነኛታትን ኣብ ሕጊ ንክቐርቡ እጃሙ ከበርክትን ይግባእ ትብል።
ዘምዘም አሕመድ ብወገና፡ እቶም ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ዝፍጽሙ ደቂ ተባዕትዮ፡ እቲ ዝገብርዎ እኩይ ተግባር፡ ኣብ ኣዲኦም፡ ሓፍቶም፡ ሰበይቶም፡ ኣሞኦም፡ ሓትነኦም ከምዝፍጸም እንተዝሓስቡ ምናልባት ኣይምፈጸምዎን።
እቲ ኣብተን ግዳያት ዝወርድ ግፍዒ ከኣ ከም ማንም ጓለንስተይቲ ክኹነን ዝግበኦ እዩ ትብል። ብዙ ብወገና ዘሕፍርን ዘነውርን ተግባር እዩ ክትብል ትኹንንኖ።
ደቀንስትዮ ኢትዮጵያ ይኹና ትግራይ፡ ደቂ ኤርትራ ይኹና ደቂ ሶማል፡ ደቂ ሊብያ ወይ የመን ብሰላም ክነብራን ዝወለደኦም ቖልዑ ሓቚፈን ክሞቓን ፍረ ደቀን ክርእያን ኩላትና ምእንቲ ሰላምን ፍትሕን ክንሰርሕ ይግባእ - እቲ ክብሪ ኣብ ሰላም እዩ ዘሎ ክትብል መልእኽታ ተመሓላልፍ ዘቢብ ነጋሲ።
ሕቡራት ሃገራት ንቴማ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ እዛ ዓመት፡ “ ንኹሉ ብማዕርነት ዘናብር መጻኢ ንፍጠር” ብዘስምዕ መልእኽቲ እዩ ክጽምብላ። ደቂ-ኣንስትዮ ዓለም፡ ማዕረ መሰላትን ዕድላትን ክረኽባ፡ ካብ ወጽዓን ምንእኣስን ድንቁርናን ድሕረትን ናጻ ኪኾናን፡ ማዕርነታዊ መጻኢ ክህልወን፡ ዘላቒ ሰላምን ቅሳነትን ንክረኽባ ከም ዝጽዕር ኣብ ሰነዳቱ ይገልጽ።
እዘን ኣሓት እውን ነቲ ሕቡራት ሃገራት ዝጉስጉሰሉ ዘሎ ቴማ ብምድጋፍ፡ ንኹለን እተን ኣብ ምግታእ ለበዳ ኮቪድ ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሊፈን ንሕብረተሰብ ኣገልግሎት ዝህባ ዘለዋ ብፍላይ ከኣ ነተን ብሕክምናዊ ሞየአን ህይወተን እናወፈያ ህይወት ሰባት ከድሕና ዋጋ ዝኸፍላ ዘለዋ ኣሓትን ኣዴታትን ዓለም ብኽብሪ ይዝክረአን።
ዋላ’ኳ ጭቡጥ ኣሃዝን ሓበሬታን እንተዘየሎ ኣብታ ናይ ሓበሬታ መሳለጥያን ሕጽረት ዘለዋ ኤርትራ ዝርከባ ደቀንስትዮ፡ ኣዴታትን ኣሓትን ኣብዚ ናይ ኮቪድ እዋን፡ ንምክልኻሉ ኣብ ዝግበር ዕጽዋ፡ ብፍላይ ከኣ እተን ድሩት ዝኣታዊአን መንግስታዊ ደገፍ እውን ስለዘይረኽባ ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዘለዋ ጸብጻባት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።
ዘቢባ እውን፡ “ ንዓዲ እንኽንድውል እናተቖንዘና እንሰምዖ ከቢድ ቁጠባዊ ጸገም ኣሎ” ትብል።
ኣሚራ እውን “ ብፍላይ እተን ሰብኡተንን ደቀንን ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሰራዊትን ዝርከቡ ንበይነን ደቀን ዝናብያ ዘለዋ ጽጉማት ኣዴታት ጸገመን ክንፈልጠለንን በብዝከኣለና ክንሕግዘንን ግዴታን ግቡእን ኣሎና” ብማለት ደቀንስትዮ ድርብ ወጽዓ ከምዝተሰከማ ትዛረብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







