የመን: ኣብ ሰንዓ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝነብርሉ መዓስከር ስደተኛታት ዘጋጠመ ባርዕ ብዙሓት ቀቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ርእሰ ከተማ የመን፡ ኣብ ሰንዓ ኣብ ዝርከብ፡ መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ዝነብርሉ መዓስከር ስደተኛታት ብዘጋጠመ ባርዕ ብዙሓት ከምዝሞቱ ተገሊጹ።
ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (IOM) ኣብቲ ባርዕ 8 ሰባት ከምዝሞቱ'ኳ እንተ ኣረጋገጸ፡ ኣስታት 30 ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ሰብመዚ ናይቲ ትካል ተዛሪቦም።
እቲ ማእከል፡ መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ዝኾኑ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ዘዕቁብሉ ምዃኑ ተፈሊጡ።
ጠንቂ ናይቲ ባርዕ ዛጊት'ኳ እንተ ዘይተፈልጠ፡ እቲ ኣንጻር ምንቅስቓስ ሑቲ ዝቖመ ብሱዕዲ ዝምራሕ ወታሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ጥቓ እቲ መዕቆቢ ዝርከብ ህንጻታት ብደብዳብ ነፈርቲ ከምዘዕነወ ተገሊጹ።
እቲ ብሓይልታት ልፍንቲ ኣብ ርእሰከተማ ሰንዓ ዝተኻየደ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ፡ ግብረመልሲ ናይቲ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ዝገበርዎ ናይ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲን (ድሮን) ባሊስቲካዊ ሚሳይላትን መጥቃዕቲ እዩ።
ኣብታ ንነዊሕ እዋን ብኲናት ክትሕመስ ዝጸንሐት የመን፡ ኣብ 2015፡ ምስ ኢራን ርክብ ኣለዎም ተባሂሎ ዝግለጹ ዕጡቓት ሑቲ፡ ንርእሰከተማ ሰንዓን ሰፋሕቲ ከባቢታት እታ ሃገርን ድሕሪ ምቁጽጻሮም እቲ ግጭት ከምዝገደደ ይፍለጥ።
እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ወታሃደራዊ ልፍንቲ ብወገኑ፡ ነቶም ዕጡቓት ንምስዓርን፡ ነቲ ናብ ከተማ ዓደን ዝሰሓበ መንግስቲ ናብ ስልጣኑ ንምምላስን ወታሃደራዊ ስርሒታት ኣዊጁ።
እቲ ኲናት ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ፈጢሩ ምህላዉ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። እቲ ግጭት ሞት 233, 000 ሰባት ከምዘስዓበን፡ ልዕሊ 131 000 ካብኦም ብስእነት መግብን ኣገልግሎት ጥዕናን ዝሞቱ ምዃኖምን ጸብጻብ ናይቲ ውድብ ይጠቅስ።
ኣብ ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ዳይረክተር ናይቲ ዞባ ዝኾነት፡ ካርሜላ ጎዱ፡ ኣብቲ ብሰንበት ዘጋጠመ ባርዕ ስደተኛታትን ሓለውትን ግዳያት ከምዝኾኑ ብትዊተር ሓቢራ።
ኣባላት ናይቲ ትካል፡ ንልዕሊ 170 ኣብቲ ባርዕ ዝቖሰሉ ግዳያት ህጹጽ ሕክምናዊ ረዲኤት ከምዝሃቡን፡ ብውሕዱ 90 ካብኦም ብኸቢድ ዝቖሰሉ ምዃኖም ተፈሊጡ'ሎ።
"ጠንቂ ናይቲ ኣብቲ መጽንሒ ማእከል ዘጋጠመ ሓደጋ ንጹር ኣይኮነን" ዝበለት እታ ዳይረክተር፡ "ይኹን እምበር፡ እዚ ሓደ ካብቶም ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት ንስደተኛታት ከጋጥምዎም ዝጸንሑ ሓደጋታት ቅልውላዉ የመን'ዩ" ኢላ።
ሰብመዚ ጉጅለ ሑቲ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ናይቲ ሓደጋ ባርዕ ተሓተቲ 'ኣይ-ኦ-ኤም'ን ሕቡራት ሃገራትን'ዮም ብምባል፡ ኣብ ክንዲ ክጥረዙ ምስራሕ ዝግባእ መጽለሊ ክህብዎም ነይሩዎም ክብሉ ነቒፎም። ይኹን እምበር፡ ክልቲኡ ሓላፍነታት ናይቲ ትካል ኣይኮነን።
ዋላ'ኳ የመን ኣብ ኵናት ተሸሚማ እንተላ፡ ናብ ስዑዲ ክኣትዉ ዝፍትኑ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃ በታ ሃገር ከምዝሓልፉ ይፍለጥ። ኣብዚ እዋን'ዚ ግን፡ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ብምዕጻዉ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ የመን ሓዲግ ተሪፎም ይርከቡ።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብቶም ንቀይሕ ባሕሪ ተሳጊሮም ናብ የመን ዝኣትዉ ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ምዃኖምን፡ ቅድሚ ሕጂ ግዳያት ምጥሓልን ግጭት የመንን ይኾኑ ምንባሮም ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ናብ የመን ክሰግሩ ዝፈተኑ ስደተኛታት ኣብ ማያት ጂቡቲ ከምዝጠሓሉ፡ ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ገሊጹ ነይሩ።
ኣሰጋገርቲ፡ ንኣስታት 80 ናብ የመን ዝሰግሩ ዝነበሩ ስደተኛታት ካብታ ተሰቒሎማ ዝነበሩ ጃልባ ናብ ባሕሪ ደፊኦም ድሕሪ ምውራዶም 20 ከምዝጠሓሉ ሓደ ብዓልመዚ ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት (IOM)








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







