ልዕሊ 2000 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ስታድየም የመን ተቐይዶም፡ ኣይ ኦ ኤም

ኣብ የመን ከተማ ኤደን ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ስታድየም ረድኤት ንምቕባል እንትዳፍኡ

ምንጪ ስእሊ, -

የመን፡ ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 2000 ስደተኛታት ኣፍሪቃ ከም ዝሓዘትን ኣብ ሜዳ ኩዕሶ ከም ዝቐየደት ትካል ስደተኛታት ዓለም ኣይ ኦ ኤም ኣፍሊጡ።

ካብቶም ኣብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ዝተኣሰሩ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት፡ ዝበዝሑ ኢትዮጵያውያን፣ ሶማሊያውያንን ዜጋታት ጂቡትን ይርከብዎም።

ወሃቢት ቃል ትካል ስደተኛታት ዓለም ኣይ ኦ ኤም ኦሊቪያ ሔዶን፡ እዞም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ደቡባዊ የመን ኣብ ዝርከቡ ከተማታት ዓደን፣ ላዥን ኣቢያን ከምዝተኣሰሩ ንቢቢሲ ተዛሪበን።

ካብቶም እሱራት መብዛሕቲኦም፡ ናብ ስዑድዓረብን ካልኦት ሃገራት ዓረብን ንምስጋር ናብ የመን ዝኣተዉ ኢትዮጵያውያን ከምዝኾኑ ድማ ኣብሪሀን።

እዞም ኢትዮጵያውያን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝተተኸሉ ጣብያታት ተፍትሽ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ እንትኾኑ፡ ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተዉ ድማ፡ ናብ መደብር ኩናትን ኣብ ከተማ ኤደን ናብ ዝርከብ ስታድየም ከምዝተወሰዱን ተገሊፁ።

እተን ወሃቢት ቃል እቶም ስደተኛታት ኣብ ዝተተሓዝሉ ከባቢ ብምርካብ ከምዘረጋገፅኦ፡ እቲ ከባቢ ብኩናት ዝዓነወ እንትኸውን ስደተኛታት ንምፅናሕ ኣይበቕዑን።

ኣብ ከተማ ኤደን ኣብ ቤትማእሰርቲ ካብ ሞንጎ ዝርከቡ ደቂተባዕትዮን ደቂ ኣንሰትዮን ስደተኛታት፡ ኢሉ እውን ሰገናትን 800 ህፃናት ከምዝርከብኦም ዝገለፃ እተን ወሃቢት ቃል፡ ዝተፈላለዩ ማህሰይቲ ከምዝበፅሖም ሓቢረን።

እተን ወሃቢት ቃል ዘዘራረብኦም መብዛሕትኦም ስደተኛታት ድማ፡ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዝደልዩ ዝገለፁ እንትኾኑ፡ ኣይ ኦ ኤም እቶም ስደተኛታት ንምምላስ ዝኸኣሎ ከምዝገብር ሓቢሩ።

ኣብ የመን ካብ 2015 ጀሚሩ ብዝተተጓሃሃረ ጎንፂ ከቢድ ዕንወት ዘጋጠመ ኮይኑ፡ መበገሲኡ ድማ ዓመፅቲ ሖቲ ንዝበዝሕ ሰሜናዊ ክፋል ምቁፅፃሮም'ዩ።

በቲ ኲናት ዓሰርተታት ኣሽሓት የመናውያን ክሞቱ ከለዉ፡ እታ ሃገር ድማ ከቢድ ጥምየት ኣጋጢምዋ።

ኩናት የመን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ንየመናውያን ጥራሕ ዘይኮነስ ንብዙሓት ስደተኛታት እውን ምኽንያት ሞትን ኣካላዊ መጉዳእትን ኮይኑ እዩ።

ትካል ስደተኛታት ዓለም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር 400 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ካብታ ሃገር ናብ ኢትዮጵያ ከም ዘውፀአ ኣፍሊጡ ነይሩ።