ቅልውላው የመን፡ ተቓለስቲ ሃውቲ ረድኤት ድኻታት ሰሪቖም ክብል ከሲሱ።

ካብ ውድብ ምግቢ ዓለም ስርናይ ተሸኪሙ ዝኸየድ ስብኣይ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, 10 ሚልዮን የመናውያን ምግቦም ካበይ ከምዝረኽቡ ኣየዕፈልጡን።

ምግቢ ዓለም፤ የመናውያን ዕጡቓት ምሊሻ ሖቲ ናይ ፅጉማት ድኻተታን ረድኤት ምስራቕ ጠጠው ከብሉ ሓቲቱ።

እቲ ትካል ምግቢ ዝሰርሖ ዳህሳስ ኣብ ርእሰ ከተማ የመን፡ ሰንዓ መዓልታዊ ቀለቦም ካብ ረድኤት ዝፅበዩ ስኡናት፡ በብወርሑ ዝረኽቡዎ ራሸን ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ የርኢ።

ውድብ ምግቢ ዓለም ወሲኹ ከም ዝበሎ፡ ዓበይቲ መካይን ብሓይሊ ካብቲ መኻዚን ረድኤት ኣውፂአን ንዘይምልከቶም ከከፋፍላን ኣብ ማእኸል ዕዳጋ ብቕሉዕ ክሽወጥን ተራእዩ።

ሖቲ ነዚ ዝቐረበሎም ክሲ ዛጊት ምላሽ እንተዘይሃቡ'ኳ፡ ከምዚ ዓይነት ክሲ ብተደጋገሚ ውድቂ እዮም ዝገብርዎ።

ወድብ ሕቡራት መንግስታት ከም ዝብሎ፡ ኣብታ ሃገር በቲ ዘሎ ቅልውላው ምኽንያት ካብ 20 ሚልዮን ንላዕሊ ብምግቢ ዓርሶም ዘይከኣሉ እንትኾኑ፡ ብፍላይ ፍርቆም ማለት፤ 10 ሚልዮን የመናውያን ቀፃሊ ምስሖም ኣበይ ከም ዝረኽቡ ኣፈልጡን ይብል።

መግለጺ ቪድዮ, ዘይዛሪ ቅልውላው የመን

የመን እቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ብ2015 ዓ/ም/ፈ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኣብዱራብህ ማንሱር ሃዲን ዕጡቓት ሖቲን ዝተጀመረ ውግእ ስዒቡ ዝተፈጥረ ቅልውላው ተቓሊዓ ትርከብ።

መብዛሕትኡ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሖቲ ዝወደቐ እንትኸውን፡ ፕረዚደንት ሃዲ ሃገር ራሐዕሪሖም ከም ዝወጹ ይፈልጥ።

ነዚ ጎንጺ ስዒቡ፡ ኣስታት 7 ሺሕ ሰባት ህይወቶም እንትስእኑ፡ ኣስታት 11 ሺሕ ድማ ከም ዝቖሰሉ ካብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተረኸበ መረዳእታ ይሕብር።

ተቓለስቲ ሁቲ ደቡባዊ ክፋል የመን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዒሎማ።

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ተቓለስቲ ሁቲ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ብ2015 እዮም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዒሎማ።

ከምኡ ድማ ኣሸሓት ብሰንከኪ ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ስእነት ምግብን ንሞት ከም ዝተቓልዑ እቲ መረዳእታ ወሲኹ ይሕብር።

ሕዚ ኣብ ዕዳጋታት ርእሰ ከተማ ሰንዓ፡ ብቕሉዕ ኣብ ዕዳጋታት ክሽየጥ ምርኣይ ልሙድ እዩ።

መብዛሕትኡ እቲ ስርቂ ምስ ሖቲ ቅርበት ዘለዎ ሓደ መቦቀላዊ ትካል ትምህርቲ ኣቢሉ እዩ ዝፍፀም ዘሎ ተባሂሉ።