ቅልውላው የመን፡ ተቓለስቲ ሃውቲ ረድኤት ድኻታት ሰሪቖም ክብል ከሲሱ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ምግቢ ዓለም፤ የመናውያን ዕጡቓት ምሊሻ ሖቲ ናይ ፅጉማት ድኻተታን ረድኤት ምስራቕ ጠጠው ከብሉ ሓቲቱ።
እቲ ትካል ምግቢ ዝሰርሖ ዳህሳስ ኣብ ርእሰ ከተማ የመን፡ ሰንዓ መዓልታዊ ቀለቦም ካብ ረድኤት ዝፅበዩ ስኡናት፡ በብወርሑ ዝረኽቡዎ ራሸን ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ የርኢ።
ውድብ ምግቢ ዓለም ወሲኹ ከም ዝበሎ፡ ዓበይቲ መካይን ብሓይሊ ካብቲ መኻዚን ረድኤት ኣውፂአን ንዘይምልከቶም ከከፋፍላን ኣብ ማእኸል ዕዳጋ ብቕሉዕ ክሽወጥን ተራእዩ።
ሖቲ ነዚ ዝቐረበሎም ክሲ ዛጊት ምላሽ እንተዘይሃቡ'ኳ፡ ከምዚ ዓይነት ክሲ ብተደጋገሚ ውድቂ እዮም ዝገብርዎ።
ወድብ ሕቡራት መንግስታት ከም ዝብሎ፡ ኣብታ ሃገር በቲ ዘሎ ቅልውላው ምኽንያት ካብ 20 ሚልዮን ንላዕሊ ብምግቢ ዓርሶም ዘይከኣሉ እንትኾኑ፡ ብፍላይ ፍርቆም ማለት፤ 10 ሚልዮን የመናውያን ቀፃሊ ምስሖም ኣበይ ከም ዝረኽቡ ኣፈልጡን ይብል።
የመን እቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ብ2015 ዓ/ም/ፈ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኣብዱራብህ ማንሱር ሃዲን ዕጡቓት ሖቲን ዝተጀመረ ውግእ ስዒቡ ዝተፈጥረ ቅልውላው ተቓሊዓ ትርከብ።
መብዛሕትኡ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሖቲ ዝወደቐ እንትኸውን፡ ፕረዚደንት ሃዲ ሃገር ራሐዕሪሖም ከም ዝወጹ ይፈልጥ።
ነዚ ጎንጺ ስዒቡ፡ ኣስታት 7 ሺሕ ሰባት ህይወቶም እንትስእኑ፡ ኣስታት 11 ሺሕ ድማ ከም ዝቖሰሉ ካብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተረኸበ መረዳእታ ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ከምኡ ድማ ኣሸሓት ብሰንከኪ ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ስእነት ምግብን ንሞት ከም ዝተቓልዑ እቲ መረዳእታ ወሲኹ ይሕብር።
ሕዚ ኣብ ዕዳጋታት ርእሰ ከተማ ሰንዓ፡ ብቕሉዕ ኣብ ዕዳጋታት ክሽየጥ ምርኣይ ልሙድ እዩ።
መብዛሕትኡ እቲ ስርቂ ምስ ሖቲ ቅርበት ዘለዎ ሓደ መቦቀላዊ ትካል ትምህርቲ ኣቢሉ እዩ ዝፍፀም ዘሎ ተባሂሉ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







