ብውሕዱ 20 ስደተኛታት ኣብ ማያት ጂቡቲ ከምዝጠሓሉ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ

31 ጥሪ 2019 ዝጠሓለት ጀልባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጃልባ ብውሕዱ 20 ስደተኛታት ከምዝጠሓሉ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ኣሰጋገርቲ፡ ንኣስታት 80 ናብ የመን ዝሰግሩ ዝነበሩ ስደተኛታት ካብታ ተሰቒሎማ ዝነበሩ ጃልባ ናብ ባሕሪ ደፊኦም ድሕሪ ምውራዶም 20 ከምዝጠሓሉ ሓደ ብዓልመዚ ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት (IOM) ብትዊተር ሓቢሩ።

እቲ ፍጻመ ኣብ ጂቡቲ: ገማግም ኦቦክ ከምዘጋጠመ እቲ ትካል ጠቒሱ።

እቶም ኣሰጋገርቲ ስለምንታይ ነቶም ስደተኛታት ናብ ባሕሪ ክድርብይዎም ከምዝወሰኑ ዝተፈልጠ የለን።

መንነት ናይቶ ስደተኛታት ዛጊት ኣይተፈልጠን።

ቅድሚ ሕጂ'ውን ብዙሓት ስደተኛታት ናብ የመን ክሰግሩ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጥሒሎም ነይሮም'ዮም።

እቲ ሓደጋ ኣብ ዝሓለፈ 6 ወርሒ ንሳልሳይ ግዜ ዘጋጥም ዘሎ ምዃኑ፡ ዳይረክተር ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት፡ ጨንፈር ምብራቕን ቀርኒን ኣፍሪቃ መሓመድ ዓብዲኬር ጠቒሱ። ቁጽሪ ኣብ ሰለስቲኦም ሓደጋታት ዝሞቱ 70 ምብጽሑ'ውን ገሊጹ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት በቲ መስመር ብምስጋር፡ ናብታ ብኲናት ሓድሕድ ትሕመስ ዘላ የመን ከምዝሰግሩ ይፍለጥ።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ኣብቲ ኩነታት ናይ የመን ተዓጊቶም ኣብ ጸገም ኣትዮም ምንባሮም ይዝከር።

እቶም ስደተኛታት ናብ ስዑዲ ዓረብ እትርከበን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ንምእታው'ዮም ንየመን ከም መሰጋገሪ ዝጥቀሙላ።

መግለጺ ቪድዮ, ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ የመን ከምዝተረስዑ ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ገሊጹ