ብዛዕባ ዓለማዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ክንፈልጠን ዝግብኣና 5 ነገራት

ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ወይ ከኣ ብመንገዲ የዕሩኽትኹም ብዛዕባ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ በዓል ደቂ-ኣንስትዮ ሰሚዕኩም ትኾኑ።

እንታይ ምዃኑ'ኸ ትፈልጥዎ'ዶ? መዓስ እዩ ዝውዕል? በዓል ድዩ ወላስ ተቓውሞ? ማዕረ ማዕሪኡ ዝኾነ ዓለም ለኻዊ በዓል ደቂ-ተባዕትዮ'ኸ ኣሎ'ዶ?

ህዝቢ ዓለም ንልዕሊ ሓደ ዘመን ን8 መጋቢት [ማርች 8] ሓንቲ ፍልይቲ በዓል ደቂ ኣንስትዮ ገይሩ የብዕላ ጸኒሑ። ንምንታይ?

1. መዓስ ተጀሚሩ

ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ካብ ምንቅስቃስ ሰራሕተኛታት ዝጀመረ ኮይኑ ብውድብ ሕቡራት ዓመታዊ ክበዓል ተገይሩ።

እዚ ክምዕብል ዝጀመረሉ ከኣ ብ1908 ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ኣስታት 1500 ደቂ ኣንስትዮ፡ ንሓጸረ ሰዓታት ናይ ምስራሕ ዕድል፡ ዝሓሸ ክፍሊትን፡ ናይ ምምራጽ መሰል ክህልወን ኣብ ዝገበራኦ ጉዕዞ እዩ።

ሓደ ዓመት ጸኒሑ ከኣ፡ እቲ ናይ ማሕበርነት ሰልፊ ኣሜሪካ፡ ናይ መጀመርያ ሃገራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣዊጁ።

ነዚ፡ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ምግባር ዝብል ሓሳብ ከኣ ሓንቲ ክላራ ዘትኪን ዝተባህለት ሰበይቲ ኣበጊሳቶ። ንሳ ነዚ ሓሳብ እዚ ብ 1910 ኣብ ኮፐንሃገን ኣብ ዝተገብረ ጉባኤ ናይ ሰራሕተኛታት ደቂ ኣንስትዮ እያ ኣቕሪባቶ።

ኣብዚ ዋዕላ እዚ፡ ካብ 17 ሃገራት ዝመጻ 100 ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋ ኮይነን፡ ብሓደ ድምጺ ከኣ ተሰማሚዐን።

ንመጀመርታኡ ብ1911 ኣብ ኣውስትርያ፡ ደንማርክ፡ ጀርመንን ስዊዘርላንድን ተጸንቢሉ። መበል ምኢቲ ዓመቱ ብ 2011 ዝተጸንበለ ክኸውን ከሎ፡ ኣብዚ ዓመት ከኣ ንመበል 109 ግዜኡ እዩ ዝጽንበል ዘሎ።

ኣብ 1975፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከብዕሎ ምስ ጀመረ፡ ወግዓዊ ኮይኑ ዓመታዊ ቴማ ክግበረሉ ጀሚሩ። እቲ ፈላማይ ግን ብ1996 "ንዝሓለፈ እናኣብዓልካ፡ ንመጻኢ እናተለምካ" ብዝብል ጀሚሩ።

ኣብዚ ዓመት ከኣ፡ ጾታዊ ማዕርነት እተረጋግጽ ዓለም ክትፍጠር ጻውዒት የቕርብ።

ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብቲ ፈለማታት ዘይማዕርነት ንምቅላስ ብዝግበሩ ተቓውሞታት ዝልለ ነይሩ። ሎሚ ሎሚ ድማ እቲ ዕለት፡ ደቂኣንስትዮ ኣብ ሕብረተሰብ፣ ፖለቲካን ቁጠባን ንዘመዝገበኦ ዓወታት ዝጽምብል መዓልቲ ኮይኑ'ሎ።

Presentational grey line
Presentational grey line
ክላራ ዝተኪን፡ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ዝጀመረት 1910

ምንጪ ስእሊ, Topical Press Agency

2. መዓስ እዩ ዝበዓል

8 መጋቢት እዩ። ናይ ካላራ ሓሳብ ንዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ውሱን ዕለት ኣይነበሮን። ብ 1917፡ ደቂ ኣንስትዮ ሩስያ ንኣርባዕተ መዓልቲ ዝጸንሐ ኣንጻር መንግስቲ ዛር (Tsar) ናዕቢ ገይረን፡ እቲ መንግስቲ ድማ ካብ ስልጣኑ ከወርድድ ተገዲዱ፡ ድሕሪኡ ዝመጸ ናይ ስግግር መንግስቲ ከኣ ንደቂ ኣንስትዮ ናይ ምምራጽ ዕድል ክህልወን ገይሩ።

እቲ ናዕቢ ዝተጀመረሉ ዕለት፤ ብግሪጎርያዊ ዓውደ ኣዋርሕ ኣብ 8 መጋቢት እዩ ዝውዕል። ዓለማዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ ድማ፡ ኣብዚ ዕለት ይበዓል ኣሎ።

3. ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ተባዕትዮ'ኸ ኣሎ'ዶ?

ብርግጽ ኣብ 19 ሕዳር ኣሎ። ካብ 1990 ኣቢሉ እዩ ክበዓል ጀሚሩ። እንተኾነ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ኣይረኸበን። ኣብ ልዕሊ 60 ሃገራት ይጽንበል።

ዕላማ ናይዛ መዓልቲ ከኣ፤ ኣብ ጥዕና ደቂ ተባዕትዮ ግንዛበ ምፍጣር፣ ጾታዊ ዝምድናታት ምምሕያሽ፡ ጾታዊ ማዕርነት ምትብባዕን፡ ኣብነታውያን ደቂ-ተባዕትዮ ምልላይን እዩ።

4. መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ ይበዓል

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ 8 መጋቢት ከም ሃገራዊ በዓል ይበዓል።

ኣብ ቻይና፡ ብመሰረት ሃገራዊ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር፡ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ 8 መጋቢት ናይ ፍርቂ መዓልቲ ዕረፍቲ ይወሃበን።

ኣብ ዓዲ ጣልያን፡ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ወይ ከኣ 'ላ ፈስታ ደላ ዶና (la Festa della Donna)' ዕንባባ ብምሃብ እዩ ዝጽንበል። መበቖል ናይዚ ልማድ ፍሉጥ ኣይኮነን። ይኹን ደኣ እምበር፡ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ሮማ ከምዝጀመረ ይእመን።

ኣብ ኣሜሪካ ድማ፤ መጋቢት 'ወርሒ ታሪክ ደቂ ኣንስትዮ' ኮይኑ ይበዓል።

ህንዳውያን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ስራሕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

5. ኣብዚ ዓመት እንታይ ኣሎ

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝበሎ፡ ናይ'ዚ ዓመት ጭርሖ እቲ በዓል፡ "ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መሪሕነት፡ ዓላማታት ቃልሲ ኮቪድ-19 ኣብ ማዕርነት ተመስሪትካ ምዕዋት" ዝብል እዩ።

ኣብ ው.ሕ.ሃ ሓላፊት ፈጻሚት ስራሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝኾነት፡ "ተሳተእፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ባህላውን መሓውራት ኣድላይ እዩ። ድሌተንን ዓቕመንን ኣብ ግምት ብዘእተወ መልክዑ ክውከላ ኣለወን። ብዚ መገዲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓበይቲ ናይ ውሳነ ቦታታት ብምስታፍ ማሕበራዊ ለውጢ ምምጽእ ዝከኣል" ኢላ።

ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጭርሖ ዓለማዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ #EachForEqual ዝብል እዩ ነይሩ።

"ነብሲ ወከፍና ኣካል ናይ ኩላትና ኢና" ዝብል መልእኽቲ ዘሕልፍ እቲ ጎስጓስ፡ "ግላዊ ተግባራትና፡ ዝርርባትና፡ ባህርናን ኣተሓሳስባናን ኣብ ሕብረተሰብ ጽልዋ ከሕድር ይኽእል እዩ" ዝብል ዓላማ ዝተሓንገጠ ነይሩ።

"ብሓባር ለውጢ ከነምጽእ ንኽእል። ብሓባር ማዕርነት ጾታ ዝተረጋገጸላ ዓለም ንምፍጣር ክንተሓጋገዝ ንኽእል"

ኣብ 2018 ኣለክዛንድርያ ዝነኣስት ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ኮይና ተመሪጻ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዝሓለፋ ቅሩብ ዓመታት ምንቅስቃስ ደቂ ኣንስትዮ ብዓቢ ደረጃ ዓብዩ እዩ። ኣብ ጥቅምቲ 2017 ሚልዮናት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት #MeToo ዘብል ጎስጓስ ጀሚሮም። እቲ ጎስጓስ ኣንጻር ጾታዊ ዓመጽን መጥቀዕትታትን፡ ከምኡ'ውን ነቲ ሱር ዝሰደደ ወጽዓ ደቂ-ኣንስትዮ ንምኹናን እዩ።

ኣብ 2018 ድማ፤ እቲ ናይ #MeToo ጎስጓስ፡ ብዓለም ደረጃ ክዓብይ ክኢሉ። ናብ ከም በዓል ህንዲ፡ ፈረንሳ፡ ቻይና፡ ከምኡ'ውን ደቡብ ኮርያ ብሰፊሑ ዓብዩ።