ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤላዊ ቢልዮነር መሊሳ እገዳ ኣንቢራ

ዕደና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣመሪካ፡ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ኣብ ዕደና ንዝተዋፈረ እስራኤላዊ ቢልየነር ዳን ገርትለር ኣንቢራትሉ ንዝጸንሐት እገዳ ንግዚኡ ንምፍኳስ ንዝወሰነቶ ውሳነ መሊሳ ቀዪራቶ፡፡

እቲ ቢልየነ፡ር ምስ ውዕሊ ዕደና ብዝተሓሓዝ ብብልሽውና እዩ ተኸሲሱ፡፡

ቅድም ክብል ነቲ በዓል ሃፍቲ ዝተውሃበ ፍቓድ ምስቲ ኣመሪካ ኣብ መላእ ዓለም ብልሽውና ንምክልኻል ዘለዋ ጽኑዕ ፖሊሲ ወጻኢ ዘይሳነ ከምዝኾነ ካብ ስቴት ዲፓርትመንት ዝወጸ መግለጺ ሓቢሩ፡፡

ኣመሪካ ኣብዚ እዋን ዘሕለፈቶ ውሳነ፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ መዓልታት ስልጣን ናይ ዶናልድ ትራምፕ ንዝተውሃበ ውሳነ ዝቕይር እዩ፡፡

ሚኒስትሪ ገንዘብ ኣመሪካ፡ ኣብ 2017ን 2018ን ንዳን ገርትለር ምስ ዜጋታትን ትካላትን ኣመሪካ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ከይገብርን ኣብ ዓለም ለኻዊ ባንኪታት ከይግልገልን ከልኪልዎ ነይሩ፡፡

እቲ ትካል ብብልሽውና፣ ግህሰት መሰላት ዝሓወሰ ዕደናን ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ነበር ጆሴፍ ካቢላ ብምምሽጣር ውዕሊ ስራሕ ብምውሳድን እዩ ከሲስዎ፡፡

ንሱ ግን ዝኾነ ገበን ከምዘይፈጸመ እዩ ዝገልጽ፡፡

ምምሕዳር ትራምፕ ክሳብ ጥሪ 2022 ምስ ትካላት ኣመሪካ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ክገብር ንሓደ ዓመት ፈቒዱሉ ነይሩ፡፡ ኮይኑ ግና ኣንጻር ብልሽውና ዝቃለሱ ትካላት ነቲ ውሳነ ብምቅዋም ሓድሽ ምምሕዳር ጆ ባይደን ክቕይሮ ክጽውዑ ጸኒሖም፡፡

ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎ ካብተን ብሃፍቲ ተፈጥሮ ዝሃብተማ ሃገራት ዓለም ሓንቲ እንትትኮን፡ መብዛሕቲኡ ህዝባ ግና ኣብ ድኽነት እዩ ዝነብር፡፡