ኣብ ዲ/ሪ/ኮንጎ ዝተገበረ መጽናዕቲ፡ መድሃኒት ኤችኣይቪ ንምርካብ ተስፋ ተረኺብዎ ተባሂሉ

ኤችኣይቪ ዘለዎ ደም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብዘይ መቆጻጸሪ መድሓኒት ኤችኣይቪ ኤድስ፡ ሰብነቶም ብተፈጥሮኣዊ መገዲ ነቲ ቫይረስ ክቆጻጸር ዝኽእሉ ሰባት ምርካቦም፡ መድሓኒት እቲ ቫይረስ ንምርካብ ተስፋ ከምዝሃቦም ተመራመርቲ ገሊጾም፡፡

እቲ መጽናዕቲ ከምዝሓበሮ፡ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ኣስታት 4 ምኢታዊት ኤችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ሰብነቶም ነቲ ቫይረስ ክገትኦ ክኢሉ እዩ፡፡

ብሓፈሻ ትሕቲ ሓደ ምኢታዊት ካብ ተሰከምቲ እቲ ቫይረስ ጥራሕ እዮም እዚ ተፈጥሮኣዊ ዓቕሚ ዘለዎም፡፡

እቲ ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት ክታበት ወይ መድሓኒት ኤችኣይቪ ኤድስ ንምርካብ ኣብ ዝካየድ መጽናዕቲ ከም መበገሲ ክኸውን ከምዝኽእል ተመራመርቲ ገሊጾም፡፡

መራሒት እቲ መጽናዕቲ ዝኾነት ተመራማራት ሜሪ ሮጀርስ ‘‘ንፈለማ እዋን መረዳእታታት እቲ መጽናዕቲ ምስ ረኸብና ተገሪምና ኔርና፤ ተሓጒስና እውን’’ ብምባል ንቢቢሲ ተዛሪባ፡፡

ወሲኻ ድማ ‘‘እዚ ማለት ድማ መድሓኒት ክንረኽበሉ ንኽእል ኢና ማለት እዩ’’ ኢላ፡፡

እቲ ካብ ዝተፈላዩ ዩኒቨርሲቲታትን ትካላት መድሓኒትን ብዝተወጻጽኡ ተመራመርቲ ተጸኒዑ ኣብ ኢባዮመዲስን ዝተባህለ መጽሄት ዝተሓተመ መጽናዕቲ፡ ካብ 1987 ክሳብ 2019 ዝተወሰዱ ቅምሶታት ምስቲ ቫይረስ ዝነብሩ ሰባት መርሚሩ እዩ፡፡

ኣብ ካሜሩን ብመሳሳሊ ሰብነቶም ነቲ ቫይረስ ብዘይ መድሃኒት ክቆጻጸር ዝኽእል ሓደ ምኢታዊት እቲ ቫይረስ ዘለዎም ሰባት ተረኺቦም እዮም፡፡

‘‘እዚ ቅድሚ ሕዚ ተራእዩ ኣይፈልጥን፤ ብሓፈሻ ካብቶም ኤችኣይቪ ዘለዎም ሰባት ኩሎም ትሕቲ ሓደ ምኢታዊት ጥራሕ እዮም ሰብነቶም ባዕሉ ነቲ ቫይረስ ክገትእ ዝኽእል ነይሩ’’ ትብል ዶ/ር ሮጀርስ፡፡

ኣብዚ እዋን መብዛሕተኦም እቲ ቫይረስ ዘለዎም ሰባት፡ መዓልታዊ ነቲ ቫይረስ ንምግታእን መጠን ቫይረስ ንምቕናስን መድሓኒት ይወስዱ፡፡

እቶም ተስፋ ዝህብ ውጽኢት ዝተረኸቦም ሰባት፡ ሰብነቶም ብኸመይ ነቲ ቫይረስ ክቆጻጸር ከምዝኸኣለኳ እንተዘይተፈለጠ ነቲ መስርሕ ምርዳእ ግን ወሳኒ ከምዝኾነ እታ ተመራማሪት ገሊጻ፡፡

ኣብ 1980ታት ዓለማዊ ትኹረት ዝረኸበ ሕማም፡ ኣስታት 76 ሚልዮን ሰባት ዘጥቀዐ ኮይኑ ኣብዚ እዋን እውን 38 ሚልዮን ምስቲ ቫይረስ ሓቢሮም ይነብሩ፡፡

ሕማም ኤችኣይቪ/ኤድስ ንፈለማ እዋን ቅድሚ ሓደ ምኢቲ ዓመት ኣቢሉ ኣብ ናይ ሎሚ ዲሞክራቲክ ኮንጎ ከምዝተኸሰተ ዝእመን ኮይኑ፡ ኣብ ትሕቲ ሳህራ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ብበዝሒ ከምዘጥቅዕ ይግለጽ፡፡