ሜክሲኮ: ኣብ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ ሰልፈኛታት ምስ ፖሊስ ተጓኒፀን

ሰልፈኛታት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ሜክሲኮ ሲቲ፡ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ ንምዝካር ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝሕለቓ ነጠፍትን ፖሊስን ተጋጭዮም።

ኣካላት ፀጥታ፡ ነተን ኣብ ኣደባባይ ዝጸንሓ ሰልፈኛታት ንምብታን፡ ዘንብዕ ትክን ዋልታን ተጠቒሞም።

ሰልፈኛታት፡ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ንዝፍፀሙ ቅትለታትን ፆታ መሰረት ዝገበሩ ዓመፃትን ኣደብ ከትሕዞ ይፅውዓ ነይረን።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 2020፡ ኣብታ ሃገር ብውሑዱ 939 ደቂ ኣንስትዮ ግዳያት ፆታ መሰረት ዝገበረ ቅትለት ከምዝኾና፡ ፀብፃባት መንግስቲ የመልክቱ።

ኣብዚ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ርእሰ ከተማ ሜክሲኮ ሲቲ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ ድማ፡ ብኣሽሓት ዝቑፀራ ደቂኣንስትዮ፡ ገሊአን ምስ ኣዋልድ ደቀን ተሳተፍቲ ኮይነን።

ካብ ሞንጎ እተን ሰልፈኛታት ሓንቲ ጓል፡ “ኣይቐተሉንን፤ ግና ኣብ ፍርሒ እየ ዝነብር” ክትብል ተራእያ።

ገለ ናዕበኛታት ከኣ፡ ማርቴሎን ናይ ዕንፀይቲ በትርን ብምጥቃም፡ ሓፁር ‘ናሽናል ፕላዛ’ ኣፍሪሰን።

እቲ ሰልፊ እናተኻየደ ከሎ፡ ሰብመዚ መበገሲ እቲ ጎንፂ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ገለ መኮንናት፡ ሰልፈኛታት ናብ ከባቢ ናሽናል ፕላዛ ከይኣትዋ ብዋልትኦም ተኸላኺሎም እዮም።

ከም ፀብፃብ ጋዜጣ ኢል ዩኒቨርሳል፡ ሰልፈኛታት ንመከላኸሊ (ዋልታ) ፖሊስ ብሓዊ ከቃፅላ እኳ እንተፈተና፡ እቲ ሓዊ ክጠፍእ ክኢሉ እዩ።

ፖሊስ ንናዕበኛታት ንምብታን ዘንብዕ ትክን በትርን ተጠቒሙ።

ኣብቲ ሰልፊ ብዝተፈጠረ ናዕቢ፡ ብውሑዱ 15 ኣካላት ፀጥታን ኣርባዕተ ሰልፈኛታትን ከምዝተጎድኡ፡ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ፀብፂበን።

ካብ'ዚ ብተወሳኺ ፖሊስ፡ ንጋዜጠኛታትን ኣብቲ ሰልፊ ንዝነበሩን ይኣስር ምህላዉ ፀብፃባት ሓቢሮም።

እተን ሰልፈኛታት፡ ንፕረዝደንት ኣብድረስ ማኑኤል ሎፔዝ ኦብራዶር፡ ኣንፃር ደቂኣንስትዮ ንዝካየዱ መጥቃዕትታት ዕሽሽ ኢልዎ ክብላ ድማ ከሲሰን።