መንግስቲ ካዛኪስታን ኣብታ ሃገር ንዝተልዓለ ተቓውሞ ‘ንምህዳእ’ ሓገዝ ሩስያ ሓቲቱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ነቲ ኣብ ካዛኪስታን ተላዒሉ ንዘሎ ጸረ-መንግስቲ ሰልፍታት ተቓውሞ "ንምህዳእ" ብሩስያ ዝምራሕ ሰራዊት ክዋፈር ምዃኑ ተገሊጹ።
እቲ ተቓውሞታት ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝጓሃሃረሉ ዘሎ ኩነታት ፕረዚደንት ካሲም-ጆማርት ቶካየቭ ካብ ትካል ሓባራዊ ኪዳን ጸጥታ (ሲኤስቲኦ) ድጋፍ ሓቲቱ ኣሎ።
እቲ ተቓውሞታት ፈለማ ብወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ዝተበገሰ እኳ እንተኾነ ናብ ፖለቲካዊ ቅርታታ ሰፊሑ ኣሎ።
ፕረዚደንት ቶካየቭ፡ እቲ ዕግርግር ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዝሰልጠኑ "ጉጅለታት ሽበራ" ዝተወደበ ምዃኑ ይኸስስ።
ተንታኒ ፖለቲካ ማእከላይ እስያ ካቴ ማሊንሰን ግና እቶም ሰልፍታት "መንግስቲ ካዛክ ነታ ሃገር ከማዕብልን ንህይወት ኣብ ኩሉ ደረጃታት ዝርከቡ ሰባት ዝጸሉ ጽገናታት ከተኣታቱን ብዘይምኽኣሉ ዓሚቝን ዝነድድን ሕርቃን ምርረትን" ከምዘንጸባርቑ ይገልጽ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ መላእ እታ ሃገር ህጹጽ እዋን ሓደጋ ክእውጅ እንከሎ ኣብ ሰዓታት ለይቲ ምንቅስቓስን ብብዝሒ ምእካብን ኣጊዱ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ተሪር ስጉምቲ ከምዝወስድ'ውን ኣጠንቂቑ።
ሓሙስ ንጉሆ ብቴለቪዥን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ነታ ሃገር ንምህዳእ፡ ካብቲ ብሩስያን ሓሙሽተ ኣባላት ሕብረት ሶቭየት ነበርን ዝቖመ ወተሃደራዊ ኪዳን ማለት ሲኤስቲኦ ሓገዝ ከምዝሓተተ ኣፍሊጡ።
ብረቡዕ ኣቦመንበር ሲኤስቲኦ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣርመንያ ኒኮል ፓሺንያን ብፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ እቲ ኪዳን "ንዝተወሰነ እዋን" ጸጥታ ዘኽብር ሓይሊ ክልእኽ ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ።
ቤትጽሕፈት ጉዳያት ኣሜሪካ ነቲ ኣብ ካዛኪስታን ዘሎ ምዕባለታት "ብቕርበት ይከታተሎ" ከምዘሎ ብምግላጽ ሰብመዚ ኮኑ ሰልፈኛታት ክሃድኡ ጸዊዑ።
ካዛኪስታን ኣብ 1991 ነጻነታ ካብ ትእውጅ ንደሓር ፕረዚደንት ቶካየቭ ነታ ሃገር ዝመርሐ ካልኣይ ፕረዚደንት እዩ። እቲ ኣብ 2019 ዝተኻየደ ምርጫ ንደሞክራስያዊ ደረጃታት ክብሪ ዘየርኣየ ብዝብል ብትካል ንጸጥታን ምትሕብባርን ኣውሮጳ ተኾኒኑ እዩ።
ዝበዝሐ እቲ ኣብ ጎደናታት ዝርአ ቁጥዐ ግና ናብቲ ቅድሚኡ ዝጸንሐን ኣብዚ እዋን ኣዛዚ ጸጥታ እታ ሃገር ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐን ፕረዚደንት ነበር ኑርሱልጣን ናዛርባየቭ ዝቐንዐ እዩ። ብረቡዕ ነቲ ናዕቢ ንምህዳእ ብዝብል ካብ ስልጣኑ ተባሪሩ እዩ።
ሰልፈኛታት ንስም ናዛርባየቭ ክጭርሑን ክስምዑ እንከለው፤ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ሰባት ንዓቢይ ሓወልቲ መራሒ እታ ሃገር ነበር ንምፍራስ ክፍትኑ እንከለው የርእይ። ድሒሩ እቲ ሓወልቲ ኣብ ትውልዲ ዞባ ሚስተር ናዛርባየቭ ዝኾነት ታልዲኮርጃን ከም ዘተተኽለ ጸብጻባት ሓቢሮም።
እቶም ሰልፈኛታት ንመንግስታዊ ህንጻታት ዕላማ ብምግባሮም ሰራሕተኛታት ዋና መዕርፎ ነፈርቲ ካዛኪስታን ክሃድሙ ተገዲዶም እዮም።
ኣብ ከባቢ ቤትጽሕፈት ከንቲባ ከተማ ኣልማቲ ዝተኣከቡ ሰልፈኛታት ነቲ ቤትጽሕፈት ከዕንውዎ እንከለው፡ ካብቲ ህንጻ ትኪ ክወጽእ ዘርእይን ድምጺ ተኹስን ዘለዎ ተንቀሳቓሲ ምስልታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ።
ኣዛዚ ፖሊስ እታ ከተማ ካናት ታይመርደኖቭ፡ "ሕሉፋት" ሰባት ኣብ ልዕሊ ኣስታት 500 ሲቪላውያን ከምዘጥቅዑን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ትካላት ከምዝዘመቱን ተዛሪቡ።
ኣብ ከተማ ኣክቶቤ ነቶም ሰልፈኛታት ንምብታን ማይ ክግጨብ እንከሎ፤ ኣብ ገለ ከባቢታት እቶም ሓይልታት ጸጥታ ምስቶም ሰልፈኛታት ከምዝወገኑ ዝገልጽ ጸብጻባት ኣሎ።
እንተኾነ ግና ንጹር ስእሊ ናይቲ ኣብታ ኣብ ማእከላይ እስያ እትርከብ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይርከብ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ውሽጢ'ታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ ንዝበጽሐ መጥቃዕቲ ዘርእይ ስእልታት እኳ እንተዘርግሐ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣገልግሎት ኢንተርነት ተቋሪጹ ከም ዘሎ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝበጽሐ ጉድኣት ዝገልጽ ሓበሬታ የሎን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







