ባይደንን ፑቲንን ወጥሪ ዩክሬይን ንምህዳእ ‘ዲፕሎማስያዊ መገዲ’ ንምንዳይ ክዘራረቡ እዮም

ፕረዚደንት ፑቲንን ባይደንን

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ፑቲንን ባይደንን

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብ ዩክሬይን ተፈጢሩ ንዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ኣብዚ ወርሒ ንኻልኣይ ግዜ ምስ ሩስያዊ መዘንኡ ቭላድሚር ፑቲን ክዘራረብ ምዃኑ ተገሊጹ።

እቶም ክልተ መራሕቲ ሓሙስ ብቴለፎን ክራኸቡ እዮም።

ብመሰረት ካብ ዋይት ሃውስ ዝተወሃበ መግለጺ፡ እቶም መራሕቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ሃገራቶም ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ጸጥታዊ ዘተን ኣብ ኣውሮጳ ዘሎ ኩነታትን ክዘራረቡ እዮም።

ኣብ ዶብ ዩክረይን ሰራዊታ ኣ ጸጊዓ ዘላ ሩስያ ንዩክረይን ንምውራር ውጥን ከምዘይብላ እያ ትገልጽ።

ሰራዊታ ንልምምድ ናብቲ ከባቢ ከም ዝተንቀሳቐሰ እትገልጽ ሩስያ ኣብ መሬታ ከምድላያ ናይ ምንቅስቓስ መሰል ከምዘለዋ ሓቢራ።

ኣሜሪካ ቅድሚ እቲ ናይ ቴለፎን ርክብ ኣብቲ ጉዳይ ሓባራዊ መርገጺ ንምሓዝ ምስ መራሕቲ ኣውሮጳ ከምእተላዘበት ዋይት ሃውስ ኣፍሊጡ።

ሩስያ ኣስታት 100,000 ወተሃደራት ናብቲ ከባቢ ዶባት ኣጸጊዓ ከም ዘላ ሰብ መዚ ጸጥታ ዩክሬይን ክዛረቡ እንከለው፤ ኣሜሪካ ብወገና ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን መጥቃዕቲ እንተተፈጺሙ ኣብ ልዕሊ ሩስያ "ተራእዩ ዘይፈልጥ" እገዳ ክተንብር ምዃና ኣጠንቂቓ ኣላ።

ሓደ ኣሜሪካዊ በዓልስልጣን ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ባይደን ንሩስያዊ መዘንኡ ኣማራጺ "ዲፕሎማስያዊ መገዲ" እኳ እንተኣቕረበሉ፡ ሰራዊት ሩስያ ናብቲ ዶባት ይተኣኻኸብ ምህላው ኣዝዩ ኣሻቒልዎ ከምዘሎ ተዛሪቡ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብረቡዕ ምስ ፕረዚደንት ዩክሬይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ተዘራሪቡ ኣሎ።

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብሊንከን "ኣሜሪካ ንነጻነት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ዩክሬን ዘይልወጥ ደገፍ ከምዘለዋ" ከምዘረጋገጸሉ ሓቢሩ።

ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ክልቲኦም መራሕቲ ብማንዛ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ ፕረዚደንት ፑቲን ንልኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ዩክሬይን ዘለዎ ድጋፍ ኣረጋጊጹ ነይሩ።

ዩክሬይን ኣባል ኔቶ እኳ እንተዘይኮነት ምስቲ ኪዳን ጥቡቕ ምትእስሳር ኣለዋ።

ሩስያ፡ ኔቶ ናብ ምብራቕ ገጹ ከምዘይሰፍሕን ኣጽዋር ናብ ዩክሬይን ኮነ ናብ ዝኾነት ጎረቤት ሃገር ከምዘይለኣኽን ዘረጋግጽ ሕጋዊ ቀያዲ ውሕስነት ከምእትደልይ ትዛረብ።

ዋና ጸሓፊ ኔቶ ጀንስ ስቶልተንበርግ ብወገኑ ዩክሬይን ኣባል እቲ ኪዳን ናይ ምዃናን ዘይምዃናን ጉዳይ ንኔቶን ነታ ሃገርን ዝምልከት እዩ ዝብል ተሪር መርገጺ እዩ ዘለዎ።

ፕረዚደንት ሊቱዌንያ ጊታናስ ናውሰዳ ነቲ ህልው ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት እቲ ዝኸበደ" ኢሉዎ።

ሰብ መዚ ሩስያን ኣሜሪካውያን መዘናታቶምን 10 ጥሪ ኣብ ጀነቫ ክራኸቡ እዮም።

ኣብቲ ዕለት ምስ ፑቲን ዝራኸብ እንተኾይኑ ዝተሓተተ ባይደን፡ "ክንርእዮ ኢና" ዝብል ምላሽ እዩ ሂቡ።

እንተኾነ ግና ንሱ ኣብቲ ናይ ጀነቫ ርክብ ክሳተፍ ትጽቢት ኣይግበርን።