ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብ እዋን ውድቀት ሶቭየት ሕብረት መራሒ መኪና ኮይኑ ከም ዝሰርሐ ተዛሪቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕሬዝደንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ 1991 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] እዋን ውድቀት ሕብረት ሶቭየት ዝረኽቦ ዝነበረ እቶት ንምድንፋዕ መራሒ ታክሲ ኮይኑ ምስርሑ ተዛሪቡ።
ብሰንኪ ምፍራስ ሕብረት ሶቭየት ዝስዓበ ቑጠባዊ ዝሕታለ ብዙሓት ሩሲያውያን ገንዘብ ንምርካብ ሓደሽቲ ምንጪታት እቶት ክእልሹ ተገዲዶም'ዮም።
ፑቲን፡ ምብትታን ሶቭየት ሕብረት ውድቀት ታሪኻዊት ሩሲያ ክብል ገሊጹዎ።
እቲ ፕሬዝደንት ምፍራስ ሕብረት ሶቭየት ከም ዘሕዝኖ ክገልጽ እንከሎ፡ እዚ ርኢይትኡ ኣባል እቲ ሪፐብሊክ ዝነበረት ዩክሬን ዝምልከት ዘለዎ መርገጽን ድልየትን ኣፋፍኖት ዝህብ ክኸውን ይኽእል'ዩ ዝብሉ ግምታት ኣማዕቢሉ ኣሎ።
ኣብ ጥቓ ዶብ ዩክሬይን ልዕሊ 90 ሽሕ ወተሃደራት ዘውፈረት ሩሲያ፡ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ወራር ክትፍጽም ትኸውን እያ ዝብል ስግኣት ኣሕዲሩ ይርከብ።
ሩሲያ ነዚ ክትነጽጎ እንከላ፡ ዩክሬን ነገር ትጽሕትር ኣላ ክትብል ትኸሳ።
ፑቲን ኣብ ዙርያ ምፍራስ ሶቭየት ዘለዎ ካብ ምግላጽ ብተወሳኺ ገንዘብ ምርካብ ግድን ከም ዝነበረ ብምግላጽ "ሓቂ ንምዝራብ ናይ ውልቂ መራሒ መኪና ኮይንኻ ገንዘብ ምርካብ ባህ ዘይብል ነገር ኣለዎ። ግን ብዘሕዝን መልክዑ እቲ ኹነታት ከምኡ ነይሩ" ኢሉ።
ኣብቲ እዋን ኣብ ሩሲያ ብዙሓት ታክሲ ኣይነበራን።
ኣብ ክንድኡ መኪና ዘለዎም ሰባት ንኻልኦት ንምሕጋዝ ንዝፈልጡዎም ሰባት የሳፍሩ ነይሮም።
ገሊኦም ድማ ከም ኣንቡላንስ ዝበላ ተሽከርከርቲ ከም ታክሲ ይጥቀሙለን ነይሮም።
ፕሬዝደንት ፑቲን ኣብ እዋን ሶቭየት ወኪል ኣገልግሎት ድሕነት ኬጂቢ ነይሩ።
ኣብ መጀመርታ 1990ታት ኣብ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ሴንት ፒተርስበርግ ኣናቶሊ ሶብቻክ ሰሪሑ'ዩ።
ብነሓሰ 1991፡ ኣብ ልዕሊ ፕሬዝደንት ሶቭየት ሕብረት ሚካኤል ጎርቫቾቭ ወይ ድማ ንምፍራስ ሶቭየት ምኽንያት ዝኾነ ዕልዋ መንግስቲ ምስ ተኻየደ ናብ ኬጂቢ ከም ዝተጸንበረ ይፍለጥ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







