ዩክረይን-ሩስያ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ‘ዩክረይን ኣብ ዞባ ዶንባስ ምጽናት ዓሌት ተካይድ ኣላ’ ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላዳሚር ፑቲን፡ ነቲ ኣብ ምብራቃዊ ክፋል ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣመልኪቱ መግለጺ ኣብ ዝሃበሉ፡ ተሪር ቃላት ብምጥቃም “ምጽናጥ ዓሌት’ዩ” ዝመስል ኢልዎ።
ብሩስያ ዝድገፉ ዕጡቓት ካብ 2014 ጀሚሮም ኣንጻር መንግስቲ ዩክረይን ይቃለሱ ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሩስያ ናብ ምብራቃዊ ዶባት ዩክረይን ወተሃደራታ ከተጸግዕ ካብ ትጅምር እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ወጥሪ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናኸረረ ይኸይድ ኣሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ፕረዚደንት ሩስያ ቭላዳሚር ፑቱንን ብዛዕባ እቲ ኣብ ዶባት ዩክሬንን ሩስያን ዘሎ ወጥሪ ኣመልኪቶም ብሰሉስ ብማንዛ [ብኦንላይን ቪድዮ] ምምይያጦም ይዝከር።
ዋላ እኳ ሩስያ ‘ኣይፋል’ እንተበለት፡ ንዩክረይን ከይትወራ ዓቢ ስግኣት’ዩ ኣንጠጥዩ ዘሎ።
እቲ ፕረዚደንታት ኣመሪካን ሩስያን ብማንዛ ዝገበርዎ ዘተ’ውን ነዚ ወጥሪ ንምህዳእ ከምዝኾነ’ዩ ዝግለጽ።
ኣመሪካን መሻርኽታን፡ ሩስያ ንጎረቤታ ዩክረይን ክትወራ እንተፈቲና፡ ተሪር ዝኾነ እገዳ ከንብራላ ምዃንን ብኣግኡ የጠንቅቓ ኣለዋ።
ሩስያ፡ ንዩክረይን ቶኵታዅ ስጉምትታት ካብ ምውሳድ ክትቁጠብ፡ ኣብ ምብራቃዊ ክፋላ ሰራዊት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ንክሰፋሕፍሕ ከይተፍቅድን ናብ ዶባት ሩስያ ኣጽዋራት ከይተጽግዕን እያ ተጠንቅቕ ዘላ።
ሰብ መዚ ዩክረይን፡ ሩስያ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 2022 ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ንኽትገብር ምድላዋታ ኣጻፊፋ ከምዘላ እዮም ዝኸሱ። ሰብ መዚ ኣመሪካ ብወገኖም፡ ፕረዚደንት ቭላዳሚር ፑቲን ኸምዚ ዓይነት ውሳነ ክወስድ ከምዝኽእል ክሳብ ሕጂ ዘረጋግጽ ንጹር ሓበሬታ ከምዘይረኸቡ’ዮም ዝገልጹ።

ፍርሃተ ሩስያ [Russophobia]
ቫላዳሚር ፑቲን ኣብቲ ትማሊ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ ሩስያ ወጻኢ ኣብ ምብራቃዊ ክፋል ዩክረይን ዞባ ዶንባስ ዝርከቡ ተዛረብቲ ቋንቋ ሩስያ ኣድልዎታት ይበጽሖም ከምዘሎ እዩ ሓቢሩ።
እቲ ፕረዚደንት ብምስዓብ፡ እቲ ኣብ ዩክረይን ሰፊኑ ዘሎ ‘ፍርሃተ ሩስያ’ ናብ ምጽናት ዓሌት ዘምርሕ ቀዳማይ ስጉምቲ ምዃኑ ገሊጹ።
“ኣብ ዞባ ዶናባስ እንታይን ብኸምይን ይፍጸም ኣሎ ንርኢ ኣለና” ድሕሪ ብምባል “እዚ ምጽናት ዓሌት እዩ ዝመስል” ኢሉ።
ጆ ባይደን ብዛዕባ እቲ ምስ ፑቲን ዝገበሮ ዘተ ኣመልኪቱ ንፕረዚደንት ዩክረይ ቮሎደሚር ዘለንሰኪ ስዓትን ፈረቃን ዝወሰደት ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ብምክያድ ኣብርሂሉ።
እቶም ክልተ መራሕቲ “ብዛዕባ ጸጥታዊ ጉዳያት ዩክረይንን እቲ ዘሎ ወጥሪ ብሰላም ዝዓርፈሉ ኣገባብን” ከምዝተዘራረቡ ፕረዚደንት ዩክረይን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ጠቂሱ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ምስ መራሕቲ ምስ ሩስያ ዝዳወባ ኣባላት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ከምዝተዘራረበ’ውን ተገሊጹ ኣሎ።
ልዕሊ 90 ሽሕ ሰራዊት ሩስያ ናብ ዶብ ዩክረይን ተጸጊዑ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ።
ሰራዊት ሩስያ ናብ ዶባት ዩክይን ምጽግዑ ኣብ ሞንጎ ኣመሪካን ሩስያን ዝነበረ ምትፍናን ዝያዳ ንኽኸርር ምኽንያት ኮይኑ ይርከብ።
ኣብ ወሽመጥ ጸሊም ባሕሪ ትርከብ ክረምያ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ሩስያ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2014 ናብ ዩክረይን ተጸንቢራ።
ብሩስያ ዝድገፉ ዕጡቓት ካብ 2014 ጀሚሮም ብረታዊ ቃልሲ ብምክያድ ኣብ ምብራቃዊ ክፋል ዩክረይን ሰፊሕ ቦታ ሒዞም ኣለዉ።
ኣብዚ ሸውዓተ ዓመት ኣቁጺሩ ዘሎ ኵናት ልዕሊ 14 ሽሕ ሰብ ከምዝሞተ’ዩ ዝግለጽ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







