ፑቲን፡ ስልጣኑ ንዝፍተን ዘሎ ፕረዚደንት ቤላሩስ ከምዝሕግዞ ቃል ኣትይሉ

ፑቲን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ምስ ሃገራዊ መረጻ ብዝተኣሳሰር፡ ስልጣኑ ኣብ ፈተና ኣትዩ ዘሎ ፕረዚደንት ቤላሩስ ፕረዚደንት ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ፡ ገለ ናይ ደገ ሓይልታት ኢድ ከእትዋ እንተሃቂነን ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ክሕግዞ ቃል ከምዝኣተወሉ ተዛሪቡ።

ሚስተር ሉካሼንኮ፡ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ኣብ ከም ፖላንድ ዝኣመሰላ ጎረባብቲ ሃገራት ዝገብሮ ዘሎ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ከምዘስገኦ’ውን ገሊጹ እዩ።

እዚ ዜና ተሰሚዑ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ነሓሰ 9 ዝተኻየደ ኣካታዓይ መረጻ ስዒቡ ሓያል ተቓውሞ ድሕሪ ምግጣሙ እዩ።

ትማሊ ቀዳም፡ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ሙሉእ ናይ ሚድያ ሽፋን ክረኽቡ ንምሕታት ኣብ ኣፍ ደገ ሃገራዊ ኣገልግሎት ቴሌቪዥን እታ ሃገር ዓሲሎም ተራእዮም።

ሎሚ መዓልቲ ድማ፡ ‘ማርች ፎር ፍሪዶም’ ማለት’ውን ‘ጉዕዞ ንናጽነት’ ብዝብል መሪሕ ቃል፡ ድሕሪ ቀትሪ እቲ ሰልፊ ክቕጽልሉ ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ነዚ ዝጻረርን ነቲ መንግስቲ ዝድግፍን ሰላማዊ ሰልፊ ድማ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ተጸዊዑ ኣሎ።

ኣብዝሓ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ምስቶም ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኮይኖም ድምጾም ዘስምዑ ኾይኖም፡ ሎሚ መዓልቲ ድማ ኣብቲ ነቲ መንግስቲ ድጋፍ ዝተጸወዐ ሰልፊ ንክወጽኡ ጽዕንቶ ይግበረሎም ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እዚ ተቓውሞን ምክፍፋልን፡ ፕረዚደንት ሉካሼንኮ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ መረጻ፡ ብዓብዪ ኣፈላላይ ከምዝተዓወተ ምስ ኣፈለጠ እዩ ጎሊሁ ወጺኡ።

እቲ መረጻ፡ ምትላል ዝነበሮ እዩ ዝብል ተቓውሞታት ኣሎ።

ሃገራዊ ቦርድ መረጻ፡ እቲ ፕረዚደንት 80 ሚኢታዊ ከምዝሰዓረ እዩ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ፡ እታ ቀንዲ ተነሓናሒት ናይ'ቲ ፕረዚደንት ዝነበረት ቲካኖቪሽያ፡ ድምጺ ብትኽክል ኣብ ዝተቖጸረሉ ቦታ፡ ካብ 60 ክሳብ 70 ከምዝሰዓረት ብምግላጽ፡ ነቲ በቲ ኮሚሽን ዝተውሃበ መግለጺ ኣይተቐበለቶን።