ሻቕሎት: ካብ ሩስያን ዩክረይንን ክጥረዙ ዝተበየነሎም ኤርትራውያን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ካብ ኤርትራ ዝወጽኡ ኤርትራውያን፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ምጽናሕ ድሕነት ኣይህብን'ዩ ስለ ዝብሉ ናብ ሃገራት ኣውሮጳን ኣሜሪካን ንምእታው ብዝተፈላለየ መንገድታተ'ዮም ፈተነ ዘካይዱ።

"ኣብ ዩክረይን ኢና ዘለና ናብ ኤርትራ ክንጥረዝ ተበይንልና ኣሎ"
" ኣብ ሩስያ ንርከብ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሌና ንኽንጥረዝ ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ"
" ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተበጽሐ ሰላም'ዩ እቲ ከም ምኽንያት ዝቐርብ"
"ካብ ሊብያ'ውን እኮ ሓሙሽተ ናብ ኤርትራ ተጠሪዞም'ዮም"
"እዚ ኣብ ወርሒ ክልተ ናይ 2018 ካብ ኣመሪካ ተጠሪዙ ናብ ኤርትራ እናኸደ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካይሮ ነብሱ ዝቐተለ ሓደ ኣብነት'ዩ"
"ኣብ ምያንማር'ውን ዝተኣሰሩ ኣለዉ"

እዚ ካብን ናብን ሃገራት ዝግበር ምጉዑዓዝ ከኣ ብመንገዲ ዘይሕጋውያን አሰጋገርቲ (ሰምሰርቲ) ዝግበር ኮይኑ፡ ንኣደዳ ፖሊስ ተበለጽትን ማእሰርትን ኣቃሊዕዎም ይርከብ።
ኣብ ወርሒ ሰነ 2018 ኣብ ሩስያ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ከም ዕድል ብምጥቃም ብዙሓት ኤርትራውያን ብመንገዲ እዞም ሰምሰርቲ ( ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ) ንሓደ ሰብ ብሕሳብ 4 ሽሕ ዶላር ብሕጋዊ ቪዛ ናብ ሩስያ ክኣትዉ ክኢሎም'ዮም።
በዚ ኣገባብ'ዚ ዝኣትዉ ሰባት፡ ንሩስያ ከም መሰጋገሪ'ምበር ከም መንበሪ ኣይጥቀሙላን'ዮም።
ካብ ሩስያ ንምዕራብ ዝርከባ ሃገራት ዩክረይን፡ ቤላሩስ፡ ኢስቶንያ፡ ላቲቭያን ካልኦትን ብምቕጻል ናብ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ምእታው ከኣ ቀንዲ ዕላም እዞም ስደተኛታት'ዩ።
እንተኾነ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ዶባት ሩስያን ዩክረይንን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዶባት ዩክረይንን ፖላንድን ተታሒዞም፡ ቤት ፍርዲ እዘን ሃገራት ናብ ኤርትራ ንክጥረዙ በይንሎም ይርከብ።
ሩስያ
ካብ ሩስያ ናብ ኤርትራ ንክጥረዙ ተበይንሎም ዘሎ 12 ኤርትራውያን፡ ኣብ ሃገራት ሱዳንን ግብጽን ድሕሪ ምጽናሕ ንዋንጫ ዓለም ከም ምኽንያት ተጠቂሞም ብመንገዲ ደላሎ ናብ ሩስያ ዝኣተዉ እዮም።
"ናብ ሩስያ ክንከይድ እንከለና ዋንጫ ዓለም ንምዕዛብ ኣይነበረን" ይብል ሓደ ካብዞም ኣብ ቤት-ማሕቡስ (ቤት-ማእሰርቲ) ተዳጒኖም ናብ ኤርትራ ንክጥረዙ ዝተበየነሎም ኤርትራውያን ስደተኛታት።
ካብ ከተማ ሰይንት ፒተርስበርግ ናብ ሃገረ ኢስቶንያ ንከአትዎም ሰብ ዝሓታትቱ ዝነበሩ ኤርትራውያን ፡ ሓሳቦም ዘስምር ሓደ ሩስያዊ ከስግሮም ከም ዝኽእል ተመባጻዓሎምን፡ ካብ ኩሎም ከክልተ ሽሕ ዶላር ከኽፍሎም ምዃኑ ከኣ ከም ቅድመ ኩነት ኣቐመጠሎም።
እዞም ምስዚ ሩስያዊ ኣስጋራይ ዝተሰማምዑ 12 ኤርትራውያን፡ ኩሎም ብሓደ ክወስዶም ከም ዘይዘይኽእል ስለ ዝነገሮም ኣብ ክልተ ጉጅለ ተመቓቐሉ፡ ኣብ ቀዳማይ እብረ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ትርከቦም ሓሙሽተ ሰባት ተበገሱ።
ሩስያዊ ደለላይ ኣብጺሐዮም መጽየ ኢሉ፡ ነቶም ዝተረፉ'ውን ናብ ኢስቶንያ ኣበገሶም።
ኣብ ጥቓ ዶብ ኢስቶንያ ምስ በጽሑ ግን እቶም ኣቀዲሞም ኢስቶንያ ኣትዮም ዝተብሃሉ ብጾቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዮም ጸኒሖሞም፡ ንሶም'ውን ምስኦም ክሕወሱ ተነገሮም፡ ገንዘቡ ኣቀዲሙ ዝተረከበ ሩስያዊ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣረኪብዎም፡ ምስቶም ሓለውቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ ብቛንቋ ዓዲ ተዘራሪቡ ሕቅኡ ሂብዎም ናብ ዝመጾ ገጹ ተዓዝረ።
"ብመደብ እዩ ኣትሒዙና" ዝበለ እዚ ኤርትራዊ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ልዕሊኦም ብዙሕ ማህረምተን ምግፋዕን ከም ዝበጽሖም ይዛረብ።
ኣብዚ ስዓት'ዚ መንግስቲ ሩስያ ናብ ኤርትራ ንክጥርዞም ውሳነ ከም ዘሕለፈን፡ ናብ ኤርትራ ንኸይጥረዙ ኣውያቶም የስምዑ ከምዘለዉ ክኣ ይሕብር።
ካልእ ካብዞም ኣብ ሩስያ ንኽጥረዙ ዝተበየንሎም ኤርትራዊ፡ ምስ ካልኣዩ ሕጋዊ ቪዛ እንከለዎም ኣብ ከተማ እናተዛወሩ እንከለዉ ፖሊስ ሩስያ ጸለምቲ ስለዝኾኑ ጥራይ ሒዞም ካብ ነብሲ ወከፎም 600 ዶላር ክኸፈሉ ከም ዘገደድዎም ይዛረብ፡ እንተኾነ እዚ'ውን ካብ ምእሳር ነጻ ኣይወጽኦምን፡ ናብ ማእሰርቲ ተወሲዶም ብውሳነ ቤት-ፍርዲ ካብ ሩስያ ናብ ኤርትራ ክጥረዙ ተበይንዎም ኣሎ።
"ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪብካ፡ ዳኛ ጉዳይካ የንብበልካ፡ ትኣምነሉ ዲኻ ኣይትኣምነሉን ምስ ተሓተትካ'ዩ ናብ ውሳነ ክስገር ዝግብኦ፡ ኣብዚ ግን ቃልና ከይተሰምዐ'ዩ ንኽንጥረዝ ውሳነ ተመሓላሊፉ" ይብል።
"እቲ ጸገም እዞም ነዞም ውሳነ ዝህቡ ዘለዉ ብዛዕባና ኣይኮነን ብዛዕባ ኤርትራ'ውን ዝፈልጥዎ የብሎምን" ክብል'ውን ይውስኽ።
ዩክረይን
ኣብ ሩስያ ዝካየድ ዝነበረ ዋንጫ ዓለም ከም ዕድል ብምጥቃም ናብ ሩስያ ድሕሪ ምእታው ናብ ዩክረይን ዝሰገሩ ካልእ ጉጅለ ኤርትራውያን፡ እቶም ሓንቲ ጓልን ሓደ ወድን ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ክኾኑ እንከለዉ እቶም ዝተረፉ ኣርባዕተ ደቂ ኣንስተዮ ዝርከበኦም ልዕሊ ዕስራ ክኣ ኣብ ሊቮቭ ትብሃል ከተማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጻኢ ግን ምክትታል ዝግበረሎም እዮም።
ካብ ከተማ ሊቮቭ 300 ኪሎሜትር ርሒቁ ኣብ ዝርከብ ግራቪቺ ኣብ ዝብሃል ቦታ ተኣሲሮም ዝርከቡ ሳምራዊትን ቢንያምን ናብ ኤርትራ ንኽጠረዙ ቤት ፍርዲ ዩክረይን ወሲንሎም ንኽጥረዙ ምዓልታት ኣብ ምቁጻር ይረከቡ።

ምንጪ ስእሊ, B.G
እዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ሳምራዊትን ቢንያምን ጥርዓኖም ክስማዕ'ዃ ደጋጊሞም እንተሓበሩ ሰማዒ እዝኒ ግን ኣይረኸብናን ይብሉ።
ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝርከቡ ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎም እሱራት ንሶም ጥራይ ኤርትራውያን ምኳኖም ብምሕባር፡ ደቂ ካልእ ሃገር ኢምባሲታቶም መጽዮም ከውጽእዎምን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኖም ፖስፖርት ክውጽኡን ንዓና ግን ቁሊሕ ዝብለና የለን ይብል።
"ካብ ንእሰር ሽዱሽተ ወርሒ ገይርና ኣለና፡ ሕጂ ክኣ ክንጥረዝ ተበይንልና ኣሎ" ትብል ብዓልቲ ሓዳርን ብዓል ቤታ ኣብ ኤርትራ ተኣሲሩ ዘሎን ሳምራዊት።
"ይግባይ ኢልና ን10 ጥሪ ካልኣይ ቆጸራ ኣለና" ዝበለ ቢንያም " እንታይ ኣሚንና ኢና ናብ ኤርትራ ክንምለስ?" ክብል ብሕቶ ይምልስ።
ኣብ ዩክረይን ኣብ ግራቪቺ ዘሎ መጽንሒ ስደተኛታት፡ ነዞም ስደተኛታት ኣብ ምቱርጓም ትተሓባበሮም ስማ ክግለጽ ዘይደለየት ዩክሬናዊት ብወገና
"ኩሎም ኣብዚ ክጸንሑ ዝግበሩ ሰባት፡ ሕጋዊ ብዘይኮነ መገዲ ዶብ ክሰግሩ ብምፍታኖም ጥራሕ እዩ፡ ኩሎም ድማ ኣብ ዶብ ዩክሬይን ዝተረኸቡ እዮም" ድሕሪ ምባላ ምምሕዳራዊ መቅጻዕቲ ዝተበየነሎም ኣብቲ ቦታ ከም ዝርከቡ ድሕሪ ምሕባር፡ ኣብቲ ቦታ ክሳብ 18 ኣዋርሕ ጥራይ ክጸንሑ ከም ዝፍቀድ ትሕብር።
"ቤት ፍርዲ ብዝሃቦ ብይን'ዮም ኣብዚ ዘለዉ። ውሳነ ናይቲ ቤት ፍርዲ ናብ ሃገሮም ክጥረዙ ዝብል ኮይኑ፡ ናይ ጉዕዞ ሰነዳት ክሳብ ዝዳለወሎም ከኣ ኣብዚ ማእከል ከም ዝጸንሑ ይግበር" ትብል።
" ንሕና ንውሳነ ቤት ፍርዲ ክንቕይርን ጽልዋ ከነሕድርን ኣይንኽእልን ኢና። ጠበቕኦም ቅድሚ እተን 18 ኣወርሕ ነጻ ንኽወጹ ክሕግዞም ይኽእል'ዩ። ፍቓድ ሕጋዊ መንበሪ ስደተኛታት ንምርካብ ከመልክቱ'ውን ይኽእሉ እዮም። ይኹን ደኣ'ምበር ክሳብ ሓደ ዓመት ክወስድ ይኽእል'ዩ፡ ነቲ ፍቓድ ክረኽቡን ዘይክረኽቡን ድማ ርግጸኛ ምዃን ኣይከኣልን" ድሕሪ ምባል እዚ ዝኸውን ካብ ምጥራዝ ምስ ዝድሕኑ'ዩ ትብል።
ሊብያ
ሊብያ ኣፈደገ ኣውሮጳን ኣፍደገ ኩሉ ሕሰም ስደተኛታትን ኮይና፡ ኩሉ ክፋእ ደቂ ሰባት ዝርከበላ ሃገር'ያ።
ልዕሊ ሰለስተ ርብዒ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ክኣ ነዛ ሃገር ኣቋሪጾም ማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቖም'ዮም ናብቲ 'ሩፍ ክንብለለን ኢና' ዝብልወን ሃገራት ኣውሮጳ ዝኣትዉ።
ጋዜጤኛን ተጣባቂት ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነት ሜሮን እስቲፋኖስ ካብ ሊብያ ሓሙሽተ ኤርትራውን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ከም ዝተጠረዙን እቶም ክልተ ምስ ስድርኦም ከም ዝተራኸቡ ክንፈልጥ እንከለና እቶም ሰለስተ ግን ኣበይ ኣትዮም ኣይተፈልጠን ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Mieron Estifanos
" እዞም ሓሙሽተ ጭንቀት ዝገበሩን ዝመረሮምን፡ ልዕሊ ሕሙሽተ ሽዱሽተ ግዜ ዝተሸጡ'ዮም" ዘረባኣ ትውስኽ ሜሮን።
ምርጫ ስኢኖም ነቲ ብፍቃዶም ናብ ኤርትራ ይምለሱ ከም ዘለዉ ዘምስል ስምምዕ ከም ዝገበሩ ብምሕባር
"ከምዚ ናይ እስራኤል ወይ ኣብ ማእሰርቲ ብለዩ ወይ ናብ ዓድኹም ኩዱ" ዝብል ሓደ ካብ ሓደ ዘይሓይሽ ሕርያ ከም ዝተውሃቦም ትሕብር።
"ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ናይ ምስጋር መሰል እናሃለዎም'ዩ እዚ ኣጋጢምዎም" ዘረባኣ ትውስኽ።
ጋዜጤኛን ተጣባቂት ሰብኣዊ መሰላት ሜሮን እስቲፋኖስ፡ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዋላ'ኳ ኣብ ባይታ ጭቡጥ ለውጢ ኣየምጽእ፡ ብዙሓት ሃገራት ነዚ ከም ምስምስ ብምጥቓም ንኤርትራውያን ዝህበኦ ዝነበራ ናይ ዑቕባ መሰል ከውሕደኦ ይርኣያ ኣለዋ ትብል።
ተሓለቕቲኸ እንታይ ይብሉ?
ኣባል ጋንታ ኣሜሪካ ንዝተማዘበሉ ኤርትራውያን ዝኾነ ኣቶ ጆርጅ ገብረስላሰ፡ እዚ ናይዞም ኣብ ሩስያ ናብ ኤርትራ ንኽጥረዙ ዝተበየነሎም 12 ኤርትራውያን ኣመልኪቱ፡ ብላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ዉድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ጉጅለታትተ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መስላትን ክትትል እናተገበረሉ፡ ጠበቓ ተገይርሎም ጉዳዮም ኣብ መስርሕ ከም ዘሎ'ዩ ዝገልጽ።
ናብ ኤርትራ ምጥራዝ ኣብ ስደተኛታት ዝፈጥሮ ጸቕጢ ንምብራህ ከኣ ኣብ ወርሒ ክልተ 2018 ካብ ኣምሪካ ናብ ኤርትራ ክጥረዝ ዝተበየነሉ ሓደ ኤርትራዊ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ካይሮ ምስ በጽሐ ነብሰ ቅትለት ምፍጻሙ መርኣያ ሓደገኝነት ናብ ኤርትራ ምጥራዝ ምኳኑ ይዛረብ።
"ኤርትራውያን ተጠሪዞም ናብ ኤርትራ ካብ ዝምለሱ፡ ሂወቶም ከሕልፉ ዝመርጽሉ ኣጋጣሚታት'ዩ ዝረአ ዘሎ" ድሕሪ ምባል
ነዞም ኣብ ሩስያ ንኽጥረዙ ዝተበየነሎም ኤርትራውያን ኣመልኪቱ ናብ ኩሉ ኤርትራዊ መልእኽቲ ኣለኒ ብምባል
"ኣውያቶም ነስምዓሎም፡ ዓቕምና ነበርክት ንጣበቐሎም" ይብል።
ጋዜጤኛን ተጣባቂት ሰብኣዊ መሰላት ሜሮን እስቲፋኖስ፡ ቅድሚ ሕጂ ንምጥራዝ ዝተበየነሎም ኤርትራውያን ብምጉያይ ነቲ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ደው ኣቢልናዮ ኢና ብምባል
"ነዚ ደው ከብሉ ዝኽእሉ ማሕበራትን፡ ድምጾም ዝስማዕን ጥርዓንን ምቕራብ ምጥራዝ ኤርትራውያን ደው ዝብለሉ መንገዲ ኢና ንሰርሕ" ትብል።
ሜሮን እስቲፋኖስ ምእሳር ኤርትራውያን ሰማዒ'ዩ ስኢኑ'ምበር ኣብ ማልዥያ፡ ኣብ ምያንማርን ካልኦት ሃገራትን ተመሳሳሊ ተርእዮታት ከም ዘሎ'ውን ትሕብር።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







