ሩስያ ብክሕደት ሃገር ዝጠርጠረቶ ወናኒ ትካል ሳይበር ግሩፕ-ኣይቢ ኣሲራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሩስያ ነቲ ካብ ፍሉጣት ትካላት ድሕነት ሳይበር ሩስያ ዝኾነ ግሩፕ-ኣይቢ ሓላፊ ብክሕደት ሃገር ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወት ተገሊጹ፡፡
ቤት ፍርዲ ሞስኮ እቲ ወዲ 35 ዓመት ኢልያ ሳችኮቭ ንኽልተ ኣዋርሕ ኣብ ቀይዲ ክጸንሕ ዝኣዘዘ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዝቐረበሉ ክሲ ግን ዝርዝር መረዳእታ ኣይሃበን፡፡
ኢልያ ሳችኮቭ ግና ዝኾነ ምስጢራዊ መረዳእታ ንትካላት ድሕነት ወጻኢ ኣሕሊፉ ከምዘይሃበ ምግላጹ ምንጭታት ንወኪል ዜና ታስ ገሊጾም።
ንሱ ዝመርሖ ትካል ግሩፕ-ኣይቢ ኣብ ምምርማርን ምክልኸልን መጥቃዕቲታት ሳይበር ዝሰርሕ ኮይኑ ከም ኢንተርፖል ዝበሉ ዓበይቲ ዓለም ለኻዊ ትካላት ዓማዊሉ እዮም፡፡
እቲ ትካል ብሰሉስ ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ ኣብ ሞስኮ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ከምዝተፈተሸ ዝለጸ ኮይኑ፡ ኣብ ሰንት ፒተርስበርግ ዝርከብ ቤት ጽሐፈቱ እውን ብረቡዕ ከምዝተፈተሸ ወኪል ዜና ኣርኣይኤ ገሊጹ፡፡
ሓላፊ እቲ ትካል ምንም ዓይነት ገበን ከምዘይፈጸመ ዝሕብር መግለጺ እውን ኣውጺኡ ኣሎ፡፡
ክሲ ክሕደት ሃገር ኣብ ሩስያ ብፍሉይ ዝረኣይ ኮይኑ ክሳብ 20 ዓመት ማእሰርቲ ዘፍርድ እዩ፡፡
ሳችኮቭ ኣብ 17 ዓመቱ ምስ ካልኦት ሰባት ብምዃን ግሩፕ-ኣይቢ ዝመስረተ ኮይኑ፡ መጽሄት ፎርብስ ኣብ 2016 ‘‘ትሕቲ 30 ዕድመ ካብ ዝርከቡ 30’’ ፈጠርቲ ስራሕ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ሓደ ገይሩ መሪጽዎ ፡፡
ንሱ ኣብቲ እዋን ገበነኛታት ሳይበር ንምቅላዕ ምስ ባንኪታት፣ ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ ሩስያን ኢሮፖልን ሓቢሩ ይሰርሕ ከምዝነበረ እቲ መጽሄት ገሊጹ ነይሩ፡፡
ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ድማ ንሓደጋታት ስርዓት ኮምፒዩተር ኣብ ምልላይን ምክልኻልን ንዝሰረሖ ስራሕ ካብ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ሽልማት ረኺቡ፡፡
ወሃቢ ቃል ቭላድሚር ፑቲን ዝኾነ ዲመትሪ ፐስኮቭ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ቤተ መንግስቲ ክረምሊን ብዛዕባ እቲ ክሲ ዝርዝር ከምዘይበጸሖ ገለጹ፡፡
ሳችኮቭ፡ ካብቶም ተመራመርቲ፣ ሰብሞያ ድሕነት ሳይበርን ነበር ጋዜጠኛታትን ዝርከቡዎም ኣብ ቀረባ እዋን ብክሕደት ሃገር ተኸሲሶም ዝተኣሰሩ ፍሉጣት ሩስያውያን ሰባት ሓደ ኮይኑ ኣሎ፡፡
ብካልእ ገጽ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ምዕራብ መጥቃዕቲ ሳይበር ፈጺማ ዝብል ክሲ ዝቐርበላ ዘሎ ሩስያ፡ ነቶም ክሲታት ትነጽጎም ፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







