ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ሶቭየት ሕብረት ክትፈርስ ዝገበሩ ሓሙሽተ ምኽንያታት

መወዳእታ ሶቭየት ሕብረት፡ 26 ታሕሳስ 1991

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መወዳእታ ሶቭየት ሕብረት፡ 26 ታሕሳስ 1991

25 ታሕሳስ 1991፡ ፕረዚደንት ሕብረት ሶቭየት ሚካኤል ጎርባቸቭ ብወግዒ ካብ ስልጣኑ ከም ዝወረደ ገሊጹ። ኣብቲ ዝሰዓበ መዓልቲ ፓርላማ እታ ሃገር - 'ሱፕሪም ሶቭየት' ንነጻነት ናይ 15 ሓደስቲ ነጻ ሃገራት ወግዓዊ ኣፍልጦ ክህብ እንከሎ እዚ ከኣ መከተምታ ናይ ሕብረት ሶቭየት ኮነ።

እቲ ኣብ ሓደ እዋን መለለዪ ናይ ሓንቲ ካብተን ሓያላት ሃገራት ዓለም ዝነበረ፡ መዶሻን ማዕጺድን ዝነበሮ ቀይሕ ባንዴራ ኣብ ክረምሊን ወረደ።

ጎርባቸቭ ኣብ 1985 ወዲ 54 ዓመን እንከሎ እዩ ናብ ስልጣን ደዪቡ። ኣብታ ናብ ዝሕታለ ትኣቱ ዝነበረት ሃገር ብዙሕ ዕረያታት ብምትእትታው ሓድሽ ህይወት ክዘርኣላ ፈተነ።

ብዙሓት እቲ ብ 'ፐረስትሮይካ' ማለት ዳግመ ህንጸትን ምትዕርራይን ከምኡ'ውን ብ 'ግላስኖስት' ማለት ግሉጽነትን ነጻነት ሓሳብካ ምግላጽን ዝፍለጡ ዕረያታት ነታ ሃገር ናብ ውድቀት ከም ዘምርሕዋ ክምጉቱ እንከለው ካልኦት ከኣ ሶቭየት ክትድሕነሉ ኣብ ዘይትኽእል ደረጃ በጺሓ ምንባራ ይዛረቡ።

እምበኣር ኣብዚ ጽሑፍ፡ ነታ ሃገር ናብ ውድቀት ዘምርሑን፣ ሩስያ ንገዛእ ርእሳ እትርእየሉን ምስ'ቲ ካልእ ዓለም እትቀራረበሉን መገድታት ኣብ ምቕራጽ ዓቢይ ተራ ንዝነበሮምን ሓሙሽተ ምኽንያታት ክንድህስሶም ኢና።

1. ቁጠባ

እቲ እንኮን ዝዓበየን ሽግር ሶቭየት ሕብረት ቁጠባዊ ውድቀት እዩ። እታ ሃገር ምእኹል ምሕደራ ዘለዎ ቁጠባ ዝነበራ ኮይኑ እዚ ምስቲ መብዛሕትአን ሃገራት ዝኽተልኦ ብዕዳጋ ዝምራሕ ቁጠባ ዝጻባእ እዩ።

እታ ሃገር፡ ነፍሲ ወከፍ ነገር፡ ንኣብነት ክንደይ መካይን፣ ክንደይ ጽምዲ ሳእኒ፣ ክንደይ ባኒ ወዘተ. . . ክፈሪ ከም ዘለዎ ትውስን።

ብዘይካ'ዚ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ክንደይ ከምዘድልዮ ዓቐን ክትገብረሉ እንከላ፤ ብኽንደይ ክሽየጥ ከም ዘለዎን ሰባት ክንደይ ክኽፈሉ ከምዘለዎምን ትውስን።

ሶቭየት ሕብረት ተራ ኣብ ሱቓት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ኣገባብ ጥቁውን ርትዓውን ስርዓት ንምፍጣር ዘኽእል ምዃኑ እኳ እቲ ክልሰ ሓሳብ እንተገለጸ ኣብ ባይታ ግና ክሰርሕ ኣይከኣለን።

ቀረብ ወትሩ ካብ ጠለብ ክድሕር እንከሎ ገንዘብ'ውን ብዙሕ ዋጋ ኣይነበሮን።

ኣብ ሕብረት ሶቭየት ብዙሓት ሰባት ድኻታት ኣይነበሩን፤ እንተኾነ ግና ቀረብ መሰረታዊ ነገራት እኹል ብዘይምንባሩ ንምርካቡ ይጽገሙ ነይሮም።

መኪና ንምዕዳግ፡ ንዓመታት ተርታ ሒዝካ ክትጽበይ የድልየካ። ጃኬት ወይ ናይ ሓጋይ ሳእኒ ንምዕዳግ ንሰዓተት ሪጋ ሒዝካ ድሕሪ ምጽባይ ዓቐንካ ተወዲኡ ይጸንሓካ።

እቲ ነቲ ኩነታት ዘኽብዶ ዝነበረ፡ ንናይ ጠፈር ዳህሳስን ኣብ መንጎ ሕብረት ሶቭየትን ኣሜሪካን ካብ 1950ታት ንዝጀመረ ናይ ኣጽዋር ምውድዳርን ዝግበር ዝነበረ ወጻኢታት እዩ።

ሕብረት ሶቭየት እታ ንፈለማ እዋን ሰብ ናብ ጠፈር ክትልእኽ ዝኸኣለት ሃገር ክትኸውን እንከላ፤ ኒኩለራዊ ኣጽዋርን ባሊስቲካዊ ሚሳይላትን ትውንን ነበረት። እዚ ኩሉ ገዚፍ ባጀት ይጠልብ ነበረ።

ሕብረት ሶቭየት ነቲ ምስ ኣሜሪካ ዝነበራ ምውድዳር ከም ነዳድን ጋዝን ካብ ዝኣመሰሉ ባህርያዊ ጸጋታት ብእትረኽቦ ኣታዊታት እያ ትምውሎ ዝነበረት። ኣብ ፈለማ 1980ታት ግና ዋጋ ነዳዲ ኣዝዩ ብምንቁልቋሉ ነቲ ደምበርበር ዝብል ዝነበረ ቁጠባኣ ብከቢድ ሃስይዎ።

ፖሊሲ ዳግመ ህንጸትን ምትዕርራይን ጎርባቸቭ፡ ገለ ናይ ዕዳጋ መትከላት እኳ እንተኣተኣታተወ ገዚፍ ቁጠባ ሶቭየት ቀልጢፍካ ንምዕራዩ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ጋሕማጥ ነበረ።

ከቢድ ሕጽረት ሓለኽቲ ኣቕሑት ክነብር እንከሎ፡ ዝቕባበ ሰማይ ዓሪጉ።

ኣብ 1990 ሰብ መዚ ዘተኣታተውዎ ናይ ገንዘባዊ ፖሊሲ ዕረያ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ንዘዋህለልዎ ቁንጣሮ ዘስእን ነበረ።

መረረት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ መሊሱ በኣሰ።

እዚ ምስ ናይ ሕጂ እንታይ የራኽቦ?

ሕጽረት ሓለኽቲ ኣቕሑት ኣብ ኣተሓሳስባ ህዝቢ ድሕረ-ሶቭየት'ውን ጽልዋ ፈጢሩ እዩ።

ሎም'ውን ከይተረፈ - ድሕሪ ሓደ ወለዶ - ሕጽረት መሰረታዊ ነገራት ከየጋጥም ዝብል ፍርሒ ኣሎ።

እዚ ኣብ እዋን ጎስጓስ ምርጫታት ብቐሊሉ ዝምዝመዝ ዘሎ ሓያል ስምዒት እዩ።

2. ስነ-ሓሳብ

ሓደ ካብ ዕረያታት ጎረባቸቭ ዝነበረ ፖሊሲ ግሉጽነትን ነጻነት ሓሳብካ ምግላጽን፡ ዕላምኡ ኣብታ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ዝነበረትን ህዝቢ ሃሳቡ ንምግላጽ፡ ንምሕታት ኮነ ንምጉርምራም ኣዝዩ ዝፈርሓላ ሃገር ዝሓሸ ነጻነት ምዝራብ ንምፍቃድ ዝዓለመ ነበረ።

ታሪኻዊ ሰነዳት ግልጺ ብምግባር ንሓቀኛ ምስሊ ናተቲ ኣብ እዋን ጆሴፍ ስታሊን (ካብ 1924 ክሳዕ 1953 መራሒ ሕብረት ሶቭየት ነበር) ንዝነበረ ጭፍለቓን ዘስዓቦ ሞት ሚልዮናትን ኣርኣየ።

ብዛዕባ መጻኢት ሕብረት ሶቭየት፣ ኣሰራርዓ ሓይልን ንቕድሚት ንምቕጻል እንታይ ዓይነት ዕረያ ከምዘድልን ክትዓት ኣተባብዐ።

ብዙሕነት ሰልፍታት ዘፍቅድ ስርዓት ዝብል ሓሳብ'ውን ኣእንጊዱ። እዚ ንዕብላለ ሰልፊ ኮሚኒስት ዝብድህ ነበረ።

ኣንጻር ጎርባቸው ሰልፊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሚካኤል ጎርባቸው ብማሕበረሰብ ዓል ተንኢዱ፤ ኣብ ዓዱ ግን ተጸሊዑ ነይሩ

ኣብ ክንዲ ንስነ-ሓሳብ ሶቭየት ንእሽቶ ምትዕርራያት ጌርካ ምቕጻል፡ እዚ ፍልይ ዝበለ ኣካዪዳ ብዙሓት ሶቬታውያን፡ እቲ ብሰልፊ ኮሚኒስት ዝምራሕ ስርዓተ ምሕደራ ውጽኢታዊ ከም ዘይኮነ፡ ጨፍላቕን ንብልሽውና ክፉት ምዃኑን ከም ዝኣምኑ ገበረ።

ኣብቲ ኣገባብ ምሕደራ፡ ስልጣን ብሽመት ወይ ከኣ ተዋዳዳሪ ብዘይብሉ ምርጫ እዩ ሓላፍነት ዝወሃብ ነይሩ።

መንግስቲ ጎርባቸቭ ብቕልጡፍ ኣብ መስርሕ ምርጫ ገለ ባእታታት ናይ ነጻነትን ርትኣውነትን ከተኣታቱ እኳ እንተፈተነ ደንጉዩ ነበረ።

እዚ ምስ ናይ ሕጂ እንታይ የራኽቦ?

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብፍላይ፡ ምሉእ ግሉጽነት ንዘይብሉን ደሞክራስያዊ ንዘይኮነን መንግስቲ ኣገዳስነት ሓያል ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ልዑል ምዃኑ ኣቐዲሙ እዩ ተገንዚብዎ።

ካብ ናይ ዝተፈላለየ ዘመናት ታሪኽ ሩስያን ሶቭየትን ቴማታት ብምጥቃም ንመሪሕነቱ ዘሐይል ዝኽበር ሃገራዊ ሃሳብ ኣምጽአ። ሃብትን ተባሃግነትን ሃጸያዊት ሩስያ፣ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ትሕቲ ጆሴፍ ስታሊን ዝተርኣየ ጅግንነትን መስዋእትነትን ከምኡ'ውን ኣብ 1970ታት ኣብ ዘበነ ሶቭየት ዝነበረ ርግኣት ሓበንን ሓርበኝነትን ንምልዕዓል ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ተራእዮም።

3. ሃገራውነት

ሶቭየት ሕብረት፡ ብብዙሕ ህዝብታት ዝቖመት መቐጸልታ ናይ ኤምበራጦርያ ሩስያ እያ።

15 ሪፓብሊካት ዝነበርዋ ኮይኖም፤ ብክልሰሓሳብ ነፍሲ ወከፎም ከም ኣሕዋት ማዕረ መሰል ነይርወን።

ኣብ ግብሪ ግና፡ ሩስያ እታ ኣዝያ ዝዓበየትን ዝሓየለትን ክትከውን እንከላ፤ ቋንቋ ሩስያን ባህልን ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዓብላሊ ነበረ።

'ግላስኖስት' ኣብቶም ካልኦት ሪፓብሊካት ዝነብሩ ብዙሓት ህዝብታት ከም ዓጸቦ ዩክረይን 1930ታት፡ ብስምምዕ ሶቭየትን ናዚን ዝተፈጸመ ወረራ ሃገራት ባልቲክን ምዕራባዊ ዩክረይን ከምኡ'ውን ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተፈጸመ ብኣስገዳድ ምስጓግ ብዙሓት ብሄራት ዝርከብዎም ዝሓለፈ ዓሌታዊ ጭቆናታት ክነቕሑሉ ኣኽኢሉ እዩ።

ሰልፊ ንናጽነት ዩክሬን 1991

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዩክሩይን ዝኣመሰላ ኣባል ሃገራት ሕሉፋት ጭቆናታትን ወጽዓታትን ክለዓዓሉ ጀሚሮም

እዝኦምን ካልኦት ብዙሓት ፍጻመታትን ሃገራውነትን ርእሰ-ውሳነን ኣዝዩ ከም ዝብርኽ ገበሩ።

ሕብረት ሶቭየት ከም ሕጉስቲ ስድራቤት ናይ ህዝብታት ዝብል ኣተሓሳስባ ኣዝዩ ተዳኺሙ እዩ ነይሩ፤ ነዚ ንምዕራይ ነተን ሪፓብሊካት ተቐላጢፍካ ዝያዳ ነጻነት ምሃብ ቅሩብ ድንጉይ ዝበለ ነበረ።

እዚ ምስ ናይ ሕጂ እንታይ የራኽቦ?

እቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ እተን ኣባላት ሶቭየት ነበር ሃገራት ማእከላይ ተራን ጽልዋን ክህልዋ እትገብሮ ቃልሲ ቀጻሊ እዩ።

ኣብ መንጎ ሞስኮን ሃገራት ባልቲክ፣ ጆርጅያ ከምኡ'ውን ዩክረይን ዝህሉ ዘሻቕል ዝምድናታት ንጂኦፖለቲካዊ መልክዐ-ምድሪ ኣውሮጳን ኪንዮኡን ዝጸሉ እዩ።

4. ብልብን በእምሮን ምርሓቕ

ህዝቢ ሶቭየት ንዓመታት ምዕራብ "ይምሽምሽ" ከም ዘሎን ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዝነብር ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ርእሰማላውያን መንግስትታት ብድኽነትን ሕስረትን ይሳቐ ከም ዝነበረን እዩ ዝንገሮ ነይሩ።

እዚ ሓሳብ ድሕሪ መወዳእታ 1980ታት ቀጥታዊ ርክብ ኣብ መንጎ ህዝብታት እናዓበየ ብምምጽኡ በዳሂ ሕቶታት ክገጥሞ ጀሚሩ።

ዜጋታት ሶቭየት ኣብ ካልኦት ብዙሓት ሃገራት እቲ ደረጃ መነባብሮ፣ ውልቃዊ ነጻነትን ድሕነትን ካብ ናቶም ዝሓሸ ከም ዝኾነ ክርእዩ ከኣሉ።

ሚካኤል ጎርባቸው ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ሮናልድ ሬገን ኣብ 1985

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሚካኤል ጎርባቸው ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ሮናልድ ሬገን ኣብ 1985

እቶም መራሕቶም ንዓመታት ዓለምለኻዊ መገሻተት ብምኽልካል፡ ንናይ ወጻኢ ሬድዮታት (ንኣብነት ንቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ) ብምዕፋንን ናብታ ሃገር ዝኣቱ ናይ ወጻኢ ጽሑፋትን ፊልምታትን ምመያ ብምክያድ ክሓብኡሎም ንዝፍትንዎ ነገራት ብዓይኖም ክርእዩዎ በቕዑ።

ጎርባቸቭ ዝምድንኡ ምስ ምዕራብ ብምምሕያሽ ንዝሑል ኲናት መኸተምታ ብምግባሩን ንኒኩለራዊ ምፍጣጥ መዕለቢ ብምርካቡን ዝምጎስ እኳ እንተኾነ፡ ህዝቢ ሶቭየት ናብርኡ ምስቶም ናይ ሃገራት ምዕራብ ብምውድዳር ክሳዕ ክንደይ ኣብ ድኽነት ከምዝጸንሐ ክግንዘብ ምግባሩ ኣብ ግምት ዘይኣተወ ሳዕቤን ምምሕያሽ እቲ ዝምድና እዩ።

ጎርባቸቭ ኣብ ወጻኢ ህቡብነት እኳ እንተረኸበ ኣብ ውሽጢ ግና ንዝያዳ ነቐፌታ ተቓልዐ።

እዚ ምስ ናይ ሕጂ እንታይ የራኽቦ?

መንግስቲ ሩስያ ንሓበሬታታት መራኸቢ ብዙሓን ናብ ረብሓኡ ኣብ ምጥውዋይ ወሓለ እዩ ኮይኑ ዘሎ።

ነቲ ዘይተርፍ ምውድዳር ምስ ሃገራት ምዕራብ ንምእላይ፡ ብዙሕ ግዜ ሩስያ፡ ብጫይ ዘይብላ፡ ክፉኣ ብዝደልዩ ዝተኸበበት፡ ብባህላዊ ኮነ ብታሪኻዊ መገዲ ከም ፍልይቲ ጌርካ ምቕራብ ይርአ።

ስነፍልጠታዊ ዓወታት፣ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ምዕዋትን ባህላዊ ውርሻን ብቐጻሊ ኣብ ትረኻታት መራኸቢ ብዙሓን ይዝውተር። እዚ፡ መልእኽቲ ሃገራዊ ፍሉይነት ንምምሕልላፍን ንኣተኩሮ ሩስያውያን ካብ'ቶም መዓልታዊ ጸገማት ንምልጋስን ዝግበር እዩ።

5. መሪሕነት

ጎርባቸቭ ቁጠባ ሶቭየትን ህዝባዊ ሞራልን ንምድሓን ሱርበተኽ ለውጢ ከም ዘድሊ እኳ እንተተገንዘበ ነዚ ብኸመይ ክወቅዖ ከም ዝኽእል ግና ንጹር ራእይ ዝነበሮ ኣይመስልን።

ንዝሑል ኲናት ብምዝዛሙ ኣብቲ ናይ ደገ ዓለም ጅግና ኮነ ኣብ ዓዱ ግና፡ ነቲ ተበግሶታት ይበጽሖ ከም ዘየለ ብዝነቕፉ ደገፍቲ ጽገናን ኣዝዩ ኣብዚሕዎ ብዝብሉ ዓቃባውያንን ብድሆ

ከም ውጽኢቱ ከኣ ብኽልቲኡ ደምበታት ተነጸለ።

ዓቃባውያን ኣብ ነሓሰ 1991 ንጎርባቸቭ ካብ ስልጣን ንምዕላው ፍሹል ፈተነ ዕልዋ ኣካየዱ።

ሚካኤል ጎረባቸው ኣብ 26 ታሕሳስ 1991

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ፍሹል ፈተነ ዕልዋ ንሕብረት ሶቭየት ኣብ ክንዲ ዘድሕን፡ ንውድቀታ ዘቀላጥፍ ኮነ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልትታት መራሒ እቲ ዕልዋ ካብታ ሃገር ከምልጥ ክፍትን እንከሎ፡ ጎርባቸቭ ናብ ስልጣኑ ተመለሰ፤ እንተኾነ ግና ንሓጺር ግዜ ጥራይ ነበረ።

ኣብ ሩስያ ቦሪስ የልሲን፡ ኣብ ካልእ ክፋላት እቲ ሕብረት ከኣ ዞባውያን መራሕቲ ናብ ቅድሚት መጹ።

ኣብቲ ዝሰዓበ ኣዋርሕ ብዙሓት ካብተን ሪፓብሊካት ናይ ገዛእ ርእሰን ህዝበ ውሳነ ከካይዳ እንከለዋ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዕጫ እታ ዓባይ ሃገር ተዛዘመ።

እዚ ምስ ናይ ሕጂ እንታይ የራኽቦ?

ቭላድሚር ፑቲን ሓደ ካብቶም ኣብ ሩስያ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ መራሕቲ እዩ።

ሓደ ምስጢር ናይዚ ከኣ ንሩስያ ኣብ ቅድሚት ምግባሩ ወይ'ውን ከምኡ ይገብር ከም ዘሎ ምምሳሉ እዩ።

ሚኻይል ጎርባቸቭ ንመብዛሕትኡ ናይቲ ብኸቢድ ዋጋ ዝተረኽበ ብርትዐ ሕብረት ሶቭየት ኣሕሊፉ ብምሃቡ፥ (ንኣብነት ሰራዊቱ ካብ ምብራቕ ጀርመን ምስሓብ) ክኽሰስ እንከሎ፤ ቭላድሚር ፑቲን ንረብሓ ሩስያ እዩ ኢሉ ንዝኣመነሉ ነገራት ብዘለዎ ኩሉ እዩ ዝቃለስ።

ፑቲን መንደቕ በርሊን ክፈርስ ከሎ፡ ኣባል ኣሃዱ ስለያ ሩስያ ኬጂቢ ኮይኑ ኣብ ምብራቕ ጀርመን እዩ ነይሩ። ምዝላቕ ሕብረት ሶቭየት ዘስዓቦ ቅልውላው ከኣ ርእይዎ እዩ።

ሎሚ ድሕሪ ሰላሳ ዓመት'ውን ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ - ኔቶ ናብ ዶባት ሩስያ ገጹ ክቐርብ ኣይደልን ነዚ ንምክልኻል ከኣ ሓይሊ ንምጥቃም ድልው እዩ። እዚ ሎሚ ሩስያ ሰራዊታ ናብ ዶባት ዩክረይን ብምጽጋዕ ይርአ ኣሎ።