ቕትለት በርሊን፡ ስሎቫኪያ ሰለስተ ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ክትሰጉግ'ያ

ኣብ ስደት ዝነበረ ቼቼን ብጥይት ዝተቐተለሉ ቦታ 23 ነሓሰ 2019

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ስደት ዝነበረ ቼቼን ብጥይት ዝተቐተለሉ ቦታ

ስሎቫኪያ፡ ብጉዳይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ በርሊን ዝተቐትለ ጆርጂያዊ ሰብኣይ ብዝተሓሓዝ ኣብ ሃገራ ዘለው ሰለስተ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ሩሲያ ክትሰጉግ'ያ።

ጀርመን፡ ሩስያ ኣብ ስደት ዝነበረ ጆርጂያዊ ተቃላሲ ዘሊምክሃን ክሃንጎሽቪሊ ንኽቕተል መምርሒ ሂባ ክትብል ትኸሳ።

እዚ ወዲ 40 ዓመት፡ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ'ዩ ኣብ በርሊን ኣብ ዝርከብ ሓደ መዘናግዒ ብጥይት ተቐቲሉ።

ቫዲም ኬ ዝተባህለ ሩሲያዊ ዜግነት ዘለዎ ሰብ፡ ብቕትለት ዘሊምክሃን ተኸሲሱ ነይሩ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስሎቫክ፡ ምኽንያት ምስጓግ እቶም ዲፕሎማሰኛታት ሩሲያ ከብርህ እንከሎ፡ "ካብ ኣገልግሎት ስለያ ስሎቫክ ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ዲፕሎማሲያዊ ምሕዝነት ስምምዕ ቬና ዝጻረር ተግባራት እዩ ዘለዎም" ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ሴንት ፒተርስበርግ ኣብ ዝርከብ ጀነራል ቆንስል ዝተዋህበ ናይ ስሎቫክ ቪዛ ብዘይኣግባቡ ተጠቒሞም፤ ምስዚ ብዝተሓሓዝ ድማ ኣብ ግዝኣት ኣባል ሕብረት ኤውሮጳን ኔቶን ዝኾነት ሃገር ከቢድ ገበን ተፈጺሙ'ዩ" ይብል።

ሓደ ማዕከን ዜና ውሽጢ ሃገርን ቤሊንግካት ዶት ኮም [bellingcat.com] ዝተባህለ፡ እቲ ቀታሊ ናይ ስሎቫኪያ ቪዛ ተጠቒሙ ናብ ኤውሮጳ ከምዝኣተወ ይገልጽ።

በዚ ምኽንያት፡ እቶም ሰለስተ ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ዝመጽእ ሓሙስ [13 ነሓሰ 2020] ካብታ ሃገር ክወጽኡ መምርሒ ተዋሂቡ ኣሎ።

ሰልፈተኛታት ጆርጂያ፡ ስእሊ እቲ ዝተቐትለ ሰብኣይ ብምሓዝ ኣብ ፊት ኤምባሲ ጀርመን ናይ ተቐዓውሞ ሰልፊ ገይሮም'ዮም

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ሰልፈተኛታት ጆርጂያ፡ ስእሊ እቲ ዝተቐትለ ሰብኣይ ብምሓዝ ኣብ ፊት ኤምባሲ ጀርመን ናይ ተቐዓውሞ ሰልፊ ገይሮም'ዮም

ሩሲያ ኣብዚ ጉዳይ መልሲ ክህብ'የ ካብ ምባል ወጻኢ ዝርዝር ነጥቢታት ኣይገለጸትን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ [2019]፡ ጀርመን፡ ኣብ ቕትለት ጆርጂያዊ ተቃላሲ ዘሊምክሃን ክሃንጎሽቪሊ ኢድ ኣለዎም ዝበለቶም፡ ክልተ ዲፕሎማሰኛታት ሩሲያ ካብ ሃገራ ሰጒጓ'ያ።

ዓቃቢ ሕጊ ጀርመን ከምዝሓበሮ፡ ቫዲም ኬ - ቫዲም ኤስ ዝብል ሽም ብዘለዎ ሰብ-መዚ ሩሲያ፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ብዝሓተሙዎ ፓስፖርት ብነሓሰ 2019 ካብ ሞስኮ ናብ ፓሪስ - ድሕሪኡ ድማ ካብ ዋርሰው ናብ በርሊን ከም ዝተጓዕዘ ይጠቅስ።

ብ23 ነሓሰ ድማ፡ ብሽክሌታ ገይሩ ጆርጂያዊ ታቃላሲ ዘሊምክሃን ክሃንጎሽቪሊ ናብ ዘለዎ ብምኻድ ድምጺ ብዘይብሉ መሳርሒ ቀቲሉዎ እንትብሉ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ግዳይ ተወሳኺ ክልተ ጥይት ተኲሱ ቀቲሉዎ ይብሉ።

ሩሲያ፡ ነዚ ኹሉ "ፍጹም መሰረት ዘይብሉ" ክሲ ብማለት ምስ ቅትለት እቲ ጆርጂያዊ ዘራኽብ ጉዳይ የብለይን ክትብል ክትነጽጎ ጸኒሓ።

ዘሊምክሃን ክሃንጎሽቪሊ መን'ዩ?

ዘሊምክሃን ክሃንጎሽቪሊ፡ ካብ ዓሌት ቼቼን ዝወጽአ ጆርጂያዊ ኮይኑ ካብ 2016 ጀሚሩ ኣብ ጀርመን ዕቑባ ክሓትት ዝጸንሐ እዩ።

ጆርጂያዊ ዘሊምክሃን ክሃንጎሽቪሊ (የማን) ብ2005 ምስ ዝተቐትለ መራሒ ዓማጺ ጉጅለ ቼቼን ኣስላን ማስክሃዶቭ ርክብ ከም ዝነበሮ ይዝረብ

ምንጪ ስእሊ, facebook

መግለጺ ስእሊ, ጆርጂያዊ ዘሊምክሃን ክሃንጎሽቪሊ (የማን) ብ2005 ምስ ዝተቐትለ መራሒ ዓማጺ ጉጅለ ቼቼን ኣስላን ማስክሃዶቭ ርክብ ከም ዝነበሮ ይዝረብ

መራሒ ሚሊሻ ቼቼን ኮይኑ ካብ 2000 ክሳብ 2004 ኣንጻር ሩስያ ተዋጊኡ።

ብተወሳኺ፡ ብ2008 ዝተኸበበ መሬት ደቡብ ኦስቴሺያ ንምክልኻል ንመንግስቲ ጆርጂያ ደጊፉ ተዋጊኡ። ኣብዚ ግዜ መንግስቲ'ኳ እንተዘይመደቦ፡ ብናይ ባዕሉ ተበግሶ ወለንታውያን ሰባት ሒዙ'ዩ ተኸላኺሉ።

ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ጀርመን ድማ፡ ሩስያ ኣሸባሪ ኢላ ከም እትኸሶ ገሊጹ'ዩ።