ጀርመን፡ ኣዶልፍ ሂትለር ይነብረሉ ዝነበረ ገዛ ናብ መደበር ፖሊስ ከምዝቕየር ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሚንስተር ወሽጣዊ ጉዳያት ኣውስትርያ ዎልፍጋንግ ፔሽሮን እቲ ህንጻ ንመዘከርታ ናዚታት ከምዘይውዕል ብትሪ ኣፍሊጡ።
ሂትለር ምስተወለደ፡ ኣብቲ ኣብ መበል 17 ክፍለዘበን ዝተሰርሐ ህንጻ ንቑሩብ ሰሙናት (ሳምንታት) ጸኒሑ እዩ።
እቲ ህንጻ 'ንምንታይ ኣገልግሎት ክውዕል ኣለዎ? ዝብል ነዊሕ እዋን ከካትዕ ምጽንሑ ይግለጽ።
መንግስቲ ኦስትርያ ፡ ጸጋማውያን ፖለቲከኛታት ነቲ ገዛ ከይርእይዎ ብዝብል በዓል ዋና ንዝነበረ ውልቀ-ሰብ ኣካርይዎ ጸኒሑ። ሓደ እዋን ድማ ማእከል ጉዱኣት ኣካል ኮይኑ ነይሩ።
ኣብቲ ህንጻ ንተጠቀምቲ ዊልቸይር [ጉዱኣት ኣካል ዝጥቀሙላ ተሽከርካሪት] ዝምቹእ ኣማራጺ ክስራሕ ቀሪቡ ዝነበረ ሓሳብ እቲ በዓል ዋና ክቕበሎ ኣይከኣለን። በዚ ምኽንያት ከኣ ክዕጸው ተወሲኑ።
ዝኾነ ዓይነት ሕድሳት ከይግበረሉ ብምኽልካል'ውን ንመንግስቲ ኣይሸጡሉን ኢሎም ጸኒሖም።
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት እቲ ገዛ መዕቖቢ ስደተኛታት ንምግባር ዝተገበረ ፈተነ'ውን ኣይሰመረን። መንግስቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት'ዩ ብ810 ሽሕ ዩሮ ዓዲግዎ።
ክፈርስ ኣለዎ ዝብሉ ዜጋታት እንተሃለዉ'ኳ፡ ስራሕቲ ግብረ ሰናይ ዝካየደሉ ማእኸል ወይ ድማ ዕርቀ-ሰለም ዝፍጸመሉ ቦት ክኸውን ሓሳብ ዝህቡ'ውን ኣለዉ።
ሂትለር ብ1889 ኣ.ኣ 'ብራውናው ኣም ኢን' ኣብ ዝተበሃለ ቦታ ተወሊዱ። ስድርኡ ንሓጺር እዋን ኣብቲ ገዛ ምስጸንሑ ናብ ካልእ ቦታ ቀይሮም።
ወዲ ሰለስተ ዓመት ህጻን ኮይኑ ድማ ናብ ካልእ ከተማ ከይዶም።
ሂትለር፡ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንኽጅመርን ሽድሽተ ሚልዮን ኣይሁዳውያን ብግፍዒ ክቕተሉን ምኽንያት ከምዝነበረ ይግለጽ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







