ኣብ ሃናው ጀርመን ብዝተኻየደ ናይ ጥይት መጥቃዕቲ ሸሞንተ ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ምዕራብ ጀርመን ከተማ ሃናው ኣብ ናይ ሺሻ ባራት ብዝተኻየደ ናይ ጥይት መጥቃዕቲ ሸሞንተ ሰባት ክቕተሉ እንከለው ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰባት'ውን ቆሲሎም።
ሓደ ብረት ዝሓዘ ሰብኣይ ሰዓት 10፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብቲ ባራት ቶኽሲ ከም ዝኸፈተ ፖሊስ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቲ ጥርጡር ኣብ መንበሪ ገዝኡ ሞይቱ ከም ዝተረኽበን ፖሊስ እቲ ዞባ ሓቢሩ።
እቲ ቀዳማይ መጥቃዕቲ ኣብ ማእከል እታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ባር ከምዝተፈጸመን፡ እቲ ካልኣይ መጥቃዕቲ ግና ኣብ ከሰልስታድ ኣብ ዝበሃል ከባቢ እዩ ተፈጺሙ።
ጥርጡር ኣብ ቀዳመይቲ ባር ሰለስተ ሰባት ክቐትል እንከሎ፤ ኣብቲ ኣሬና ባርን ካፈን ዝተብሃለ ካልኣይ ባር ከኣ ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝቐተለ ሀሰነስቻ ዝተብሃለ ማእከን ዜና ጸብጺቡ።
ጠንቂ እቲ መጥቃዕቲ እንታይ ምዃኑ ንጹር ከም ዘይኮነ ፖሊስ ሓቢሩ።
ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ድኳን ዝሰርሕ ካን-ሉካ ፍሪሰና፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ኣብኡን ሓውን ኣብቲ ስፍራ ምንባሮም ይገልጽ።
"ፊልም ዝርእይ ዘለኹ ኮይኑ እዩ ተሰሚዑኒ፤ ዝኾነ ክርድኣኒ ኣይከኣለን" ክብል ንሮይተርስ ተዛሪቡ።
ኣብ ዞባ ሀሰን እትርከብ ከተማ ሃናው፡ ካብ ከተማ ፍራንክፈርት 25 ኪ.ሜ ንምብራቕ ዝተደኮነት እያ።
ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ ኣብ በርሊን ብዘጋጠመ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ሓደ ሰብ ተቐቲሉ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







