ሶማልያ፡ ጻዕቂ መካይን ንምፍዃስ ብዝተተኮሰ ጥይት ሓንቲ ጓል ተቐቲላ

ጓል 9 ዓመት ደካ ዳሂር

ምንጪ ስእሊ, DAHIR FAMILY

መግለጺ ስእሊ, ደካ ዳሂር፡ ካብ ቤት ትምህርታ ብሕጉስ መንፈስ እናተመለሰትን ጀላተ እናበልዐትን እንከላ'ያ ብብራርያ ጥይት ተሃሪማ

ኣርባዕተ ወታሃደራት መንግስቲ ሶማልያ፡ ኣብ ማእከል ከተማ መቓድሾ ንሓንቲ ጓል 9 ዓመት ጥይት ተኲሶም ብምቕታሎም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።

እቶም ወታሃደራት፡ ነቲ ኣብቲ ቦታ ተፈጢሩ ዝነበረ ጻዕቂ መካይን ንምፍዃስ ጥይት ኣብ ዝተኮስሉ እዋን፡ እታ ደካ ዳሂር ዝተባህለት ትሕቲ ዕድመ ተማሃሪት ተሃሪማ ክትመውት እንከላ፡ ሓንቲ ካልእ ተማሃሪት ድማ ቆሲላ ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝተባህለ ተሓላቒ ጉጅለ ሰብኣዊ መሳላት ሓቢሩ።

እቶም ወታሃደራት ነቲ ብመካይን ተለኲቱ ዝነበረ ጽርግያ ንምኽፋት ናብታ ተምሃሮ ተሰቒሎምላ ዝነበሩላ ኣውቶቡስ ገጾም ከም ዝተኮሱ እቲ ጉጅለ ጠቒሱ።

ብሰንኪ'ቲ ሓደጋ ቁጠዐ ህዝቢ ከም ዝዓረገን፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ናብ ስድራቤት እታ ግዳይ ብምዃድ ሓዘኑ ገሊጹ።

እታ ጓል 9 ዓመት ክልተ መዓልታት ድሕሪ ሞታ ሎሚ ሓሙስ ስነስርዓት ቀብሪ ተኻይዱላ።

ንሳ፡ ካብ ቤት ትምህርታ ብሕጉስ መንፈስ እናተመለሰትን ጀላተ እናበልዐትን እንከላያ ብብራርያ ጥይት ተሃሪማ።

ኣብ ርእሳ ድሕሪ ምህራማ ብኡንብኡ ሂወታ ከም ዝሓለፈ ጸብጻባት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ኣቦኣ ግን ቀተልታ ክሕተቱን ካብ መንግስቲ ፍትሒ ክረክብን ጸዊዑ'ሎ።

"ሬሳ ጓለይ ምርኣየይ ዘሰምብድ'ዩ፡ ዓቕሚ የብለይን፡ ጓለይ ፍትሒ ክትረክብ ኣለዋ"።

"ወዲ 11 ዝኾነ ወደይ ኣብታ ደካ ጓለይ ዝነበረታ ኣውቶቡስ ነይሩ፡ እናመኸየን እናገዓረን መጺኡ ብጥይት ተሃሪማ ከም ዝሞተት ነጊሩና። ናብቲ ቦታ ብጉያ ከይደ፡ ሬሳ ጓለይ ናብ ማሳሪዳ ሆስፒታል ከም ዝተወስደ ተነጊሩ" ይብል ወላዲኣ።

ብተመሳሳሊ ኩነታት፡ ብሰኑይ ሓደ ኣውቲስታ 'ሪሻው' ዝተባህለት ተሽከርካሪት እናዘወረ እንከሎ ወታሃደራት ብዝተኮስዎ ጥይት ተሃሪሙ ሞይቱ'ዩ።

መብዛሕትኡ እዋን፡ ዕጡቓት ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብታ ከተማ ዘካይድዎ ምፍንጃር ቡምባ ኣብ ጻዕቂ መካይን ዝረከበሉ ቦታን እዋንን ብምዃኑ፡ ወታሃደራት ነቲ ጻዕቂ ንምፍዃስ ጥይት ክትኩሱ ምርኣይ ልሙድ'ዩ።

ሓላፊ ፓሊስ በሽር ኣብዲ መሓመድ ብወገኑ፡ ዝኾነ ብሃውሪ ዝትኩስ ወታሃደር ናብ ፍርዲ ክቐርብ ምዃኑ ቃል ኣትዩ'ሎ።

እታ ሃገር ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ሲያድ ባረ ኣብ 1991፡ ሓይል ማእከላይ መንግስቲ ተሓሪምዋ'ዩ ጸኒሑ።

ዕጡቓት ኣልሸባብ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ዕጡቕ ገጅለ ኣልሸባብ ነቲ ዘይደልደለ መንግስቲ'ታ ሃገር ንምዕላዉ ናይ ቡምባ መጥቃዕትታት ብተደጋጋሚ ከካይድ ጸኒሑ'ዩ

ብሰንኩ ድማ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ቀቢላታት ክካይድ ዝጸንሐ ግጭታት ብሓደ ወገን፡ እስላማውያን ዕጡቓት ዘካይድዎ መጥቃዕትታት ድማ ብኻል ክትሳቐ ምጽንሓ ይፍለጥ።

እቲ ምስ ኣልቃዒዳ ርክብ ከም ዘለዎ ዝንገረሉ፡ ዕጡቕ ገጅለ ኣልሸባብ ነቲ ዘይደልደለ መንግስቲ'ታ ሃገር ንምዕላዉ ናይ ቡምባ መጥቃዕትታት ብተደጋጋሚ ከካይድ ጸኒሑ'ዩ።