ኪም ጆንግ-ኡን ምስ ፑቲን ንዝካየድ ኣኼባ፡ ናብ ሩስያ ተበጊሱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን፡ ንፈለማ እዋን ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ንምርኻብ ናብ ሩስያ ኣምሪሑ።
ኪም ናይ ብሕቱ ባቡር ተጠቂሙ ከም ዝተጓዓዘ ሃገራዊ ሚድያ ሰሜን ኮርያ ኣቃሊሓ።
ብወገን ሩስያ ዝወፀ መረዳእታ ከም ዘመልክቶ ክልቲኦም መራሕቲ ፅባሕ ሓሙስ ኣብ ከተማ ቭላዲቨስቶክ ብምርኻብ ብዛዕባ ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ዘሎ "ፀገም ኒኩሌር" ክዘራረቡ እዮም።
ገለ ተንተንቲ ድማ፡ ኪም ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝጀመሮ ዝርርብ ብምፍሻሉ፡ ካብ ፑቲን ሓገዝ ንምርካብ ናብ ሩስያ ከም ዝተጓዓዝ ይዛረቡ።
ኣብዚ ዓመት ኣብ ሃኖይ-ቬትናም ንኻልኣይ ግዜ ብምርኻብ ብዛዕባ ኣፅዋር ኒኩሌር ሰሜን ኮርያ ዝተዘራረቡ ፕረዚደንት ትራምፕን ኪምን፡ ምርኻቦም ውፅኢታዊ ኣይነበረን።
ንፑቲን ኣብ ውሽጣዊ ፖሊሲ ዘማኽሮ ዩሪ ኡሻኮቭ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ዘሎ ኩነታት "ገለ ምምሕያሻት" ከም ዝተረኣየ ተዛሪቡ።
"ሩስያ ነዚ ዝተረኣየ እወንታዊ ምዕባለታት ንምጥንኻር ብዝከኣላ ኩሉ፡ ንምሕጋዝ ድልውቲ እያ" ክብል ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty
ሩስያ፡ ፕሮግራም ኒኩሌር ሰሜን ኮርያ ንኽቋረፅ ኣብ ዝካየዱ ዝርርባት ክትሳተፍ ፀኒሓ እያ።
መራሒ ሰሜን ኮርያ ነበር ኪም ጆንግ-ኢል (ኣቡኡ ንኪም) ንፕረዚደንት ሩስያ ነበር ዲሚትሪ መድቨደቭ ኣብ 2011 ረኺብዎ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







