ፕረዚደንት ፑቲን ሩስያ 'ዘይጽዓድ' ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከም ዝሰርሐት ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሩስያ ክስነፉ ዘይክእሉ ሓደስቲ ኑክሌራዊ ኣጽዋራት ኣማዕቢላ ከምዘላ፡ ፕረዚደንት ቭላዲሚር ፑቲን ሓቢሩ።
ቭላዲሚር ፑቲን ነዚ ዝገለጸ፡ ንራብዓይ ግዜ ፕረዚደንት ኮይኑ ንኽምረጽ ኣብ ዝሸባሸበሉ ዘሎ እዋን፡ ሓንጺጹዎ ንዘሎ ናይ መጻኢ ቀንዲ ፖሊሲታቱ ኣብ ዝሓበረሉ'ዩ።
እቲ 'ኣማዕቢልና ኣለና' ዝበሎ ኣጽዋራት፡ ናይ ርሕቀት ደረት ዘይብሉ ክሩዝ ሚሳይል የጠቓልል። ኣብ መግለጺኡ፡ ፑቲን እቲ ሓዲሽ ሚሳይል በቲ ኣብ ኤውሮጳን ኤስያን ዝርከብ ናይ ኣሜሪካ መከላኸሊ'ውን እንተኾነ፡ ክጎናደብ ዝኽእል ኣይኮነን ኢሉ።
"ትሒቱ ዝበርርን ብቐሊሉ ክረአ ዘይክእልን ክሩዝ ሚሳይል ሰሪሕና ኣሎና። እዚ ናይ ርሕቀት ደረት ዘይብሉን፡ ዝኸደሉ መስመር ክፍለጥ ዘይክእልን ኣጽዋር፡ ኹሎም እቶም ኣብዚ እዋን'ዚ ዝምዕብሉ ዘለዉ ናይ ኣየርን ምክልካልን ሚሳይላት ክገጥምዎ ዘይክእሉ'ዩ፡" ድማ ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ካብ ሳብማሪን ዝብገስ ነዊሕ ክጓዓዝ ዝኽእል ኑክሌራዊ ሚሳይል'ውን ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብቲ ብተሌቪዥን ዝተመሓላለፈ፡ ንኣባላት ባይቶ'ታ ሃገር ንኽልተ ሰዓት ዝሃቦ መግለጺ፡ ሩስያ፡ ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ካብ ዉዕል ጸረ-ሚሳይላት ንኸይትወጽእ ንዓመታት ክትላበዋ ድሕሪ ምጽናሓ'ያ ነዚ ስጉምቲ'ዚ ትወስድ ዘላ ኢሉ።
ኣብ'ቲ ድሕሪ 17 መዓልታት ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ ዋላ'ኳ ብዘይካ ፑቲን ካልኦተ 7 ሕጹያት እንተለዉ፡ ሰፊሕ ደገፍ ሃሊዩዎም ንፑቲን ከስግእዎ ዝኽእሉ ኣይኮኑን። ረቡዕ ኣብ ዘተኻየደ ብተሌቪዥን ዝተመሓላለፈ ርሱን ክትዕ ፕረዚደንታዊ ሕጹያት'ውን እንተኾነ፡ ፑቲን ገዲፍካ እቶም ዝተረፉ ኩሎም ዝተሳተፉዎ'ዩ ኔይሩ።
ኣብቲ ክትዕ ዘይተሳተፈ፡ ካብ ምውድዳር ተኣጊዱ ዘሎ መራሒ ሓንቲ ካብተን ተቓዋሚት ሰልፊ፡ ኣሌክሴይ ናቫልኒ ብወገኑ ሩስያውያን ንኸየድምጹ ይጽዉዕ ኣሎ።
ፑቲን ክሳብ ሕጂ ፕረዚደንታዊ ጎስጓስ ብግቡእ ኣይጀመረን ዘሎ፡ ብዛዕባ ንዝመጽእ 6 ዓመታት ዘለዎ መደባት'ዉን ኣይገለጸን።
መግለጺታት ፑቲን ብዛዕባ ሓድሽ ኣጽዋራት ማዕረ ክንደይ ሓቅነት ኣለዎ?
እዚ ሕጂ ሩስያ ኣጽዋር ኣማዕቢላቶ'ላ ኢሉ ፑቲን ዝዛረበሉ ዘሎ፡ ነጽብራቕ ናይ'ቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ክቐርብ ዝጸነሐ ተመሳሳሊ መግለጺታት'ዩ።
ፑቲን ኣብ መደረኡ፡ ሩስያ ካብ ምክልኻል ጸረ-ባሊስቲካዊ ሚሳይላት ኣሜሪካ ከምልጣ ዝኽእላ ክልተ ሓደስቲ ሲስተማት ሚሳይል ኣማዕቢላ ከምዘላ'ዩ ኣስሚሩሉ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እታ ሓንቲ ኑክላራዊት ሚሳይል ነዊሕ ናይ ምጓዓዝ ክእለት ዘለዋ ኾይና፡ ካብ እዋን ሶቭየት ሕብረት ኣትሒዛ ክትስራሕ ዝጸነሐት ክትከውን ትኽእል'ያ ዝብል ግምታት ኣሎ። ኣሜሪካውያን ተንተንቲ ድማ እዚ ስግኣት ክፈጥር ዝኽእላ ሓድሽ ኩነታት'ዩ ይብሉ።
እታ ልዕሊ ፍጥነት ድምጺ ክትዉንጨፍ እትኽእል ካልኣይቲ ሚሳይል ግን ጌና ኣብ ምስራሕ ዘላ'ያ ትመስል። እዚ ኾይኑ ግን፡ ካብቲ ኣብዚ እዋን ኣሎ ዝበሃል ጸረ-ሚሳይላት ናይ ምምላጥ ተኽእሎ ክህልዋ ይኽእል'ዩ።
ቻይናን ኣሜሪካን ብወገነን ተመሳሳሊ ሓይሊ ኣብ ምምዕባል ይርከባ።ፑቲን፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







