ሩስያ ምዕቡል ሚሳይላታ ናብ ሶርያ ክትሰድድ'ያ

ኢልዩሺን ኢል-20ኤም 90924 ዝዓይነታ ናይ ስለያዊ ዳህሳስ ነፋሪት ሩስያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እታ ኢል-20ኤም ዝዓይነታ ናይ ዳህሳስ ነፋሪት ናብ ወታሃደራዊ ማዕስከር ሩስያ ኣብ ሶርያ እናተመልሰት እንከላያ ተሃሪማ

ሩስያ ሓደስቲ ጸረ-ነፈርቲ ሚሳይላት ናብ ሶርያ ክሰድድ ምዃና ኣፍሊጣ። እቲ ውሳነ፡ ብ17 መስከረም ሓልታት ጸረ-ነፈርቲ ሶርያ ብጌጋ ንሓንቲ ነፋሪሩስያ ስለያ ሃሪሞም ድሕሪ ምውዳቖም ዝተወስደ'ዩ።

እታ ነፋሪት ዝተሃረመትሉ እዋን፡ ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ኣብ ውሽጢ ሶርያ መጥቃዕቲ ኣካይደን ነይሩረን'የን። እዚ ድማ ንኣሃዱታት ጸረ-ነፈርቲ ሶርያ ምድንጋር ከይፈጠረሎም ኣይተርፍን።

ኤስ-300 ተባሂሉ ዝፍለጥ ጸረ-ነፈርቲ ሚሳይላት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሳምንቲ ናብ ሶርያ ክኣቱ ምዃኑ ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ ሰርገይ ሾይኑ ገሊጹ።

ኣብታ ዝተሃርመት ነፋሪት ዝነበሩ 15 ሩስያውን ሂወቶም ከም ዝሓለፈ ይዝከር።

ሶርያን ሩስያን ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ እስራኤል'ያ ክብላ'ኳ እንተኸሰሳ፡ እስራኤል ግን ነቲ ክሲ ትነጽጎ።

እቲ ሚኒስተር ምክልኻል ንማዕከን ዜና ሃገሩ ኢንተርፋክስ ከም ዝበሎ፡ እቲ ክመጽእ ዝበሃል ዘሎ ሚሳይላት ኣብ 2013 ክለኣኽ ዝነበሮ'ኳ እንተኾነ፡ እስራኤል የስግኣኒ'ዩ ኢላ ብምቅዋማ'ዩ ተሪፉ።

"ሕጂ ግን እቲ ኩነታት ተቐዪሩ'ዩ። እዚ ኸኣ ናታና ጸገም ኣይኮነን" ይብል ሚኒስተር ሾይጉ።

"ኣብ ከባቢ ሶርያ ዘሎ ክፋል ሜዲተራንያን፡ ኣብ ሶርያ መጥቃዕትታት ክፍጽማ ዝህቅና ነፈርቲ ውግእ ዝጥቀማሉ ሓባሪ ሳተላይት ምዕጻው ክግበር'ዩ"።

እቲ ዝመጽእ ሓድሽ ናይ ሚሳይል ስርዓት ንነፈርቲ ሩስያ ከለሊ ዝኽእል ምዃኑ ተፈሊጡ።

ሩስያ ንመንግስቲ ባሻር ኣልሳድ ብምድጋፍ ኣብ ሶርያ ሰፊሕ ወታሃደራዊ ምትእትታው ክትገብር ጸኒሓ'ላ።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣገልግሎት ዜና ሩስያ፡ ታስ፡ ከም ዝሓበሮ፡ ኣርባዕተ ኤፍ-16 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ኣብ ክሊ ኣየር ሶርያ ኣብ ዝኣተዋሉ እዋን፡ እታ ናይ ሩስያ ናይ ስለያ ነፋሪት ካብ ራዳር ከም ዝጠፍአት ገሊጹ ነይሩ።

ኤፍ-16 ዝዓይነታ ነፋሪት ውግእ እስራኤእል ኣብ 2011

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty

መግለጺ ስእሊ, እስራኤል ግን እታ ነፋሪት ክትህረም እንከላ ነፈርታ ኣብ ክሊ ኣየራ ከም ዝነበራ'ያ ትገልጽ

እስራኤል ብወገና፡ እቶም ብኣልማማ ዝትኩሱ ዝበለቶም ሓይልታት ሶርያ ሓላፍነት ክወስዱ ኣለዎም ብምባል ትምጉት።

እስራኤል ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ክልኢ ኣየር ሶርያ ብምእታው ናይ ኣየር መጥቃዕትታት ከተካይድ ጸኒሓ'ያ።