ታሪኽ ኣብ ሩስያ መን'ያ ክትዕወት ክነግረናዶ ይኽእል?

ክዕወቱ ትጽቢት ዝግበረሎም ጋነታ በልጅም

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

32 ሃገራት ንሓንቲ ዋንጫ፤ ኣየነይቲ ሃገራዊት ጋንታ ትኾን ኣብ ሩስያ ዝኻየድ ዋንጫ ዓለም 2018 ትዕወተሉ?

ኣብ ሕሉፍ ዝተኻየደ ስታስቲካዊ ጸብጻብ ብምምልካት፡ ነዚ ኣብ ሩስያ ዝካየድ ዋንጫ ዓለም 2018 ቢቢሲ ስፖርት ነተን 31 ሃገራት በሊፃ መን ነታ ዋንጫ ትወስድ? ኣብ ዝብል ናብ መደምደምታ በጺሑ ኣሎ።

ሕሉፍ ድግምጋም

ተሳተፍቲ ሃገራት ዋንጫ ዓለም ኣብ 1998 ናብ 32 ሃገራት ክብ ካብ ዝበላሉ እዋን፡ ኩለን ነታ ዋንጫ ዝተዓወታላ ሕሉፍ መዝገብ ዓወት ዝጸንሐን'የን።

ኣርጀንቲና ኣብ 1986 በታ ድያጎ ኣርማንዶ ማራዶና ብኢዱ ዘመዝገባ ብ 'hand of God' እትጽዋዕ ሸቶ ተሓጊዛ እታ ናይ መወዳእታ ብዘይ ሕሉፍ መዝገብ ዝተዓወተት ሃገር'ያ። ኣብዚ ሓቂ ብምምርኳስ ነተን 24 ሃገራት ብምልጋስ ናብ 8 ከነጉድለን።

እተን ናብ ሸሞንተ ዝወረዳ ሃገራውያን ጋነታታት ፈረንሳ ጀርመን ብራዚል ፖርቱጓል ኣርጀንቲና ፖላንድ ቤልጅምን ሩስያን

ኣአንጋዲት ሃገር ዘይምዃ

ሩስያ ካብቲ 44 ዓመት ዝገበረ ናይ ኣአንጋዲት ሃገር ሕሉፈ ገምጋም ረባሒት ይገብራ። ኣአንጋዲት ሃገር እንተዘይትኸውን ኣብ ላዕለዎት ሸሞንት ኣይምኣተወትን ነይራ።

ኣአንጋዲት ዋንጫ ዓለም ምዃን ንበይኑ፡ መንገዲ ናብ መወዳእታ ዓወት ኣይኮነን።

ካብ 1930 ክሳብ 1978 ዝነበሩ 11 ውድድራት ዋንጫ ዓለም ሓሙሽተ ኣአንገድቲ ሃገራት ነታ ዋንጫ ኣብ ሃገረን ከትርፋኣ ክኢለን ኔረን።

ኣብ ዳሕረዎት 9 ውድድራት ዋንጫ ዓለም ግን ፈረንሳ ጥራይ እያ ኣብ 1998 ኣአንጋዲት ኮይና ነታ ዋንጫ ክትዕወተላ ዝኸኣለት።

ዋላ እኳ ኣሜሪካ፡ ጃፓን፡ ደቡብ ኮርያን ደቡብ ኣፍሪቓን ንዋንጫ ዓለም ክዕወታሉ ትጽቢት እንተዘይተገበረ፡ ጥልያን ኣብ 1990፣ ጀርመን ኣብ 2006 ከምኡ ድማ ብራዚል ኣብ 2014 ኣብ ኣአንጊደን ክንሰን ነታ ዋንጫ ክዕወታላ ኣይከኣላን።

እተን ናብ ሸውንተ ዝወረዳ ሃገራውያን ጋነታታት ፈረንሳ ጀርመን ብራዚል ፖርቱጓል ኣርጀንቲና ፖላንድን ቤልጅምን

ምክለኻልካ ምድልዳል

ኣብ ዘመነ 32 ሃገራውያን ጋንታታት፡ ካብተን ሓሙሸተ ዝተዓወታ ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ ዝገብረኦ ሸወዓተ ጸወታታት ልዕሊ ሓሙሽተ ሸቶታት ከመዝግባ ኣይከኣላን።

ብኻልእ ሸነኽ ነዚ ሸውዓተ ጸወታ ምስ እንርእዮ ፖላንድ ኣብ ምጽራይ ኣብ ነብሲ ወከፍ ጸወታ 1.4 ሸቶ ይምዝገባ ኔሩ።

ጀርመንን ፖርቱጋልን 0.4 ፡ በልጅምን ፈረንሳን 0.6 ብራዚል 0.61 ከምኡ ካኣ ኣርጀንቲና 0.88 ሸቶታት ኣብ ነብሲ ወከፍ ይምዝገበን ኔሩ።

ናብ ሽዱሽተ ምስ ተረፋ ፈረንሳ ጀርመን ብራዚል ፖርቱጓል ኣርጀንቲናን በልጂምን

ካብ ኣወሮጳ

ዋንጫ ዓለም ክሳብ ሕጂ ካብ ኣወሮጳን ካብ ደቡብ ኣመሪካን ኣየን ክዕወታሉ ጸኒሐን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ሃገራተ ኣወሮጳ ጽቡቕ ኣይነበራን፡ እንተኾነ እስጳኛ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቓ 2010 ጀርመን ካኣ ኣብ ብራዚል 2014 ድሕሪ ምዕዋተን ናብ መንገዲ ዓወት ክምለሳ ክኢለን'የን።

ሃገራት ኣወሮጳ ኣብ ዓደን ኣብ ዘአንገዳሉ 10 ውድድራት ዋንጫ ዓለም እንተርፎ ኣብ 1958 ኣብ ስዊድን ዝተኻየደሞ ብራዚል ዝተዓወተትሉ ኣብ ዝተረፈ ኩሉ ብዓወት ኣአንገድቲ ሃገራት'ዩ ተዛዚሙ።

እትን ዝተረፋ ኣርባዕተ ጋንታታት ፈረንሳ ቤልጅም ጀርመንን ፖርቱጓልነ

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

ዝበለጸ ሓላዊ ልዳት ምውናን

ኣመዝገብቲ ሽቶታት ንዋንጫ ዓለም ዝዕወትሉ ይመስለኩም ይኸውን እንተኾን ካብ 1982 ንድሓር ዕውታት ዋንጫ ኮይኖም ወርቂ ጫማ ዝተሸለሙ ክልተ ጥራይ'ዮም፡ ብራዚላዊ ሮናልዶ ኣብ 2002 ከምኡ ከኣ እስጳኛዊ ድቪድ ቪላ ኣብ 2010።

ዕዉታት ዋንጫ ዓለም ብዝያዳ ብመንፋዓት ሓልውቲ ልዳት'ዮም ዝልክዑ።

ካብቲ ኣብ ዝሓልፍ ሓሙሽተ ንዝበላጸ ሓላዉ ማዕጾ ዝተሸለመ ወርቃዊ ጓንቲ ፡ እቶም ኣርባዕተ ጋንታ መሪሖም ዋንጫ ዘልዓሉ'ዮም።

ኣብዚ እዋን ጀርመናዊ ኣማኔል ንዮር፡ ፈረንሳዊ ሁጎ ልሎሪስ ከምኡ ድማ በልጅማዊ ቲባኡት ኮርቶስ፡ ዝበለጹ ሓለወቲ ልዳት ምኳኖም ምግማት ኣየጸግምን'ዩ።

እነተኾነ ፖርቱጋላዊ ርዮ ፓትሪሽዮ ወረቃዊ ጓንቲ ክሽለም'ዩ ኢልካ ምግማት ኣጸጋሚ'ዩ።

እተን ዝተረፋ ሰለስተ ሃገራት

ተመኩሮ ምህላው

ንዋንጫ ዓለም እትዕወት ጋንታ ተጻወትታ ነቕ ዘይብል ተመክሮ ክህልዋም ተሳተፍቲ ሃገራት ኣብ 1998 ናብ 32 ክብ ምስ በለ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሮቋሒ'ዩ ኮይኑ።

ፈረንሳ ዋንጫ ዓለም ኣብዝተዓወተትሉ ተጻወትታ ብማእከላኣይ ገምጋም ሓደ ተጻዋተይ 22.77 ዋናጩ ተዓዊቱ ኔሩ።

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ጀርመን ኣብ ዝተዓወተትሉ ብማእከላኣይ ገምጋም ሓደ ተጻዋተይ 42.21ዋናጩ፡ ብራዚል ኣብ 2002 ነብሲ ወክፈ ተጻዋታይ ብማእከላይ ገምጋም 28.04 ዋናጩ፡ ጣልያን ኣብ 2006 ነብሲ ወክፈ ተጻዋታይ ብማእከላይ ገምጋም 32.91፡ ከምኡ ክኣ እስጳኛ ኣብ 2010 ነብሲ ወክፍ ተጻዋታይ ብማእከላይ ገምጋም 38.30 ዋናጩ ዓቲሮም ኔሮም።

ኣብዚ መጽናዕቲ ግምትና ናብ ሰለስተ ሃገራዉያን ጋንታታት ምስ ኣወረድናዮ፡ ሃገራት ኣብ ዋንጫ ዓለም ክጻውቱ ዝርቆሖኦም ተጻወትተን ዝዓተርዎ ዋንጩን ብምርኣይ ተጻወትቲ ፈርንሳ 24.56፡ ተጻወትቲ ጀርመን 43.26 ከምኡ ክኣ ተጻወትቲ በልጅም 45.13 ብማእከላኣይ ገምጋም ዋናጩ ኣለዎም።

ጀርመንን በልጅምን

ሉፍ ዓወትካ ንምዕቃብ ዘይምእታዉ

ዋንጫ ዓለም ኣክታቲልካ ክተዕወተሉ ከቢድ'ዩ።

ብራዚል ኣብ 1958 ከምኡ'ዉን 1962 ኣከታቲላ ምስ ተዓወተትሉ ካልእ ሃገር ነዚ ታሪኽ ዝደገመት የላን።

ብራዚል ኣከታቲላ ንዋንጫ ዓለም ምስ ተዓወተትሉ 13 ዕዉታት ሃገራት ኣብ ዝቕጽል ዋንጫ ዓለም ክልተ ሃገራዉያን ጋንታታት ጥራይ'የን ናብ ርብዒ ፋጻመ ክበጽሓ ክኢለን።

ኣርጀንቲና ኣብ 1990 ብራዚል ኣብ 1998 ፡ ኣብዚ ብራዚል ኣብ 1974 እቲ ምድብ ኣብ ክልተ ጥራይ ኣብ ዝነበረሉ ራብዓይቲ ወጽያ ኔራ'ያ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ወድድራት ዋንጫ ዓለም ኣብ ሰለስተ ኣቀዲመን ዝተዓወታ ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ ናይ ምድብ ጸወታ ክግለፋ ተራእየን'የን።

ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ኣብ ቀረባ እዋን ዝበለጸ መዝገብ ኣስፊሮም ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ትሽዓተ ውድድራት ዓለም (እቲ ሰለስተ ምዕራብ ጀርመን እንከለዉ) ክልተ ግዜ ክዕወቱ ክኢሎም'ዮም።

ኣብ ካልእ ሰለስተ ንፍጻመ ክብጽሑ እንከለዉ ኣብ ክልተ ክኣ ሳልሳይ ኮይኖም ዛዚሞም።

እንተኾነ ኣብ ሩስያ ክዕወቱ ድዮም ምስ እንብል ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ኣንጻሮም ደው ኢሉ ኣሎ። ንዋንጫ ዓለም ኣከታቲልካ ክትዕወተሉ ከቢድ'ዩ።

ስለዚ በልጂም ንዋንጫ ዓለም ክትዕወተሉ'ያ። ዘይካኣል የለን'ሞ ካልእ'ውን መን ይፈልጥ?

32 ሃገራት ተሳተፍቲ ዋንጫ ዓለም 2018

ምንጪ ስእሊ, Alamy

ግራፊክ ቢቢሲ ስፖርት ኬት ሞሰስን ኣንድሪው ፓርክን