ሕብረት ኣውሮጳ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ወራር ከይትፍጽም ከጠንቅቕ እዩ

ዩክሬእን-ሩስያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ንእትወስዶ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ከቢድ ዋጋ ከምዘኽፍላ ከጠንቅቁ ይሸባሸቡ ኣለዉ።

ሩስያ ወተሃደራታን ኣጽዋራት ውግእን ናብ ዶባት ዩክሬይን ኣብ ተጽግዓሉ ዘላ እዋን፡ ኣመረካ ከቢድ መጠንቀቕታ ምሃባ ይዝከር እዩ።

እቲ ኣብ ብሩስለስ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ሕብረት ኣውሮጳ ከመሓላለፍ ተዳልዩ ዘሎ መልእኽቲ፡ ኣካል እቲ ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘሕልፍዎ ዘለዉ መጠንቀቕታ እዩ ክኸውን።

መንግስቲ ሩስያ፡ እቲ ንዩክሬይን ከተጥቅዕ ትዳሎ ኣላ ዝብል ክሲ ወትሩ ምስ ነጸግዎ'ዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊኣ ክበጽሕ ዝኽእል ናይ ድሕነት ስግኣት ንምውጋድ ውሕስነት ክወሃባ ሕቶ ኣቕሪባ ኣላ።

ኤጀንሲ ድሕነት ምዕራባውያን፡ ሩስያ ኣብ ጥቃ ዶባት ዩክረይን ልዕሊ 100 ሽሕ ወተሃደራት ኣጸጊዓ ከምዘላ ይኣምኑ።

ሰብ ስልጣን ዩክሬይን ሩስያ ኣብ ወርሒ ጥሪ ወራር ንምፍጻም ተዳልያ ኣላ ዝብሉ ኾይኖም፡ ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ግና ፕረዚደንት ሩስያ ፑቲን እቲ ወራር ንምፍጻም ምውሳኑ ግልጺ ኣይኮነን ይብሉ።

ትማሊ ረቡዕ ሓላፊ ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኡስላ ቮን ደር ለየን፡ ሩስያ እቲ ወጥሪ ካብ ምብእኣስ ክትቁጠብ ሓቲታ ኣሎ።

ሓላፊት እቲ ኮሚሽን፡ "ሕብረት ኣውሮጳ ኣለዉ ዝበሃሉ ኩሎም ዓይነታት ማዕቀባት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ንምንባር ሙሉእ ምድላዋት ገይሩ ኣሎ" ኢላ።

"መልእኽትና ግልጺ እዩ። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩከረይን ዝኾነ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ትወስድ እንተደኣ ኾይና፡ ዋግኡ ከቢድን ሓደገኛና'ዩ ክኸውን" ኢላ።

እቲ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ከንብሮ ዝኽእል ማዕቀባት ዝርዝር ዛጊት ኣይተፈልጠን።

ምናልባሽ ግና ሓደ ካብ ሩስያ ናብ ጀርመን ዝወስድ ኖርድ ስትሪም 2 ዝበሃል መተሓላለፊ ነዳዲ ቱቦ [ስራሕ ዘይጀመረ] ዒላማ ዝገበረ ክኸውን ይኽእል ተባሂሉ ይግመት።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮንን ሓድሽ ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ስኮልዝን ንፕረዚደንት ዩክረይን ኣብ ብረስለስ ምስ ኣዛረቡ፡ ንፕረዚደንት ሩስያ ፑቲን ከዘራርብዎ ከምዝህቅኑ ይገልጹ።

ፕረዚደንት ዩክሬይን ዘለንስኪ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ስጉምቲ ቅድሚ ምውሳዳ ማዕቀብ ክንበረላ እዩ ዝጠልብ።

ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ስኮልዝን፡ እቲ ኣብ ጥቓ ዶባት ዩክሬይነ-ሩስያ ዝባላሕ ዘሎ 'ዘሻቕል' ወጥሪ ክሃድእ ጸዊዑ፤ "ዝኾነ ይኹን ጥሕሰት ግዝኣታዊ ሓድነት ሓንቲ ሃገር ከቢድ ዋጋ ዘስዕብ እዩ" ክብል ድማ ኣጠንቂቑ።

ሩስያ፡ ምክትል ሚኒስትር ወጻኢ ኣመሪካ ካረን ዶንፍራይድ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝነበርተሉ እዋን ናይ መተኣማመኒ ውሕስነት ሓሳባት ኣቕሪባትላ ነይራ እያ።

ብቐንዱ ድማ፡ እቲ ወሰተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ናብቲ ከባቢ ዝገብሮ ምጽጋዕ ጠጠው ከብልን ብሕጊ ዝተኣሰረ መተኣማመኒ ድሕነት ክወሃባን ዝጠልብ እዩ።

ኔቶ፡ እቲ ኣጽዋራት ምጽጋዕ ብዝምለከት ኣብ ምክልኻል ዘድሃበ ከምዝኾነን፡ ዩክረይን ናብ'ቲ ኪዳን ክትኣቱ ዝኽልክላ ሃገር ከምዘየለን ይገልጽ።

ዩክሩይን፡ ምስ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ን ምስ ሩስያን እትዳወብ ኮይና፡ ምስ ሩስያ ዓᎁቕ ማሕበራውን ባህላውን ምትእስሳራት ኣለዋ።

ሩስያ ብወገና፡ ዩክሬን ትቶናኾያ ከምዘላ እያ ትኸሳ።