ደቂ ኣንስትዮ፡ ሩስያ ኣእዳዋ ንዝተቖረጸት ሰበይቲ ካሕሳ ክትከፍል ተኣዚዛ

ማረገሬታ ኣብ ሆስፒታል እንከላ

ምንጪ ስእሊ, Margarita Gracheva

መግለጺ ስእሊ, ማረገሬታ ኣብ ሆስፒታል እንከላ

ሩስያ ብበዓል ቤታ ኣእዳዋ ንዝተቖረጸት ሰበይቲ ናይ 315 ሽሕ ፓውንድ ካሕሳ ክትከፍል ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ኣዚዙ፡፡

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸሙ ዘቤታዊ ዓመጻት ክትከላኸል ከምዘይከኣለት ዝገለጸ እቲ ቤት ፍርዲ፡ ጫካነ ዝተመለኦ ጥቕዓት ንዝተፈጸመን ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ክትክሕስ ኣዚዙ፡፡

ተመሳሰልቲ በደላት ደው ንምባል እታ ሃገር ቀልጡፍ ምምሕያሽ ክትገብር'ውን እቲ ቤት ፍርዲ ሓቢሩላ ኣሎ፡፡

ኣብ 2017 በዓል ቤታ ናብ ጫካ ወሲዱ ኣእዳዋ ብፋስ ዝቖረጻ ማርጋሬታ ግራቼቫ ካብተን ኣርባዕተ ሓንቲ እያ፡፡

ንሳ ብዛዕባ ጎነጸኛ ባህርያት በዓል ቤታ ኣቐዲማ ንፖሊስ እኳ እንተሓበረቶም፡ ንሳቶም ግን ዕሽሽ ኢሎምዋ፡፡

ጸጋማይ ኢዳ ካብቲ ጫካ ተኣልሹ ደጊሙ ተሰፍዩ ክጣበቕ ዝተገበረ ኮይኑ፡ ኣብ የማን ድማ ለገስቲ ብዘተኣኻኸብዎ ሓገዝ ሰብ ዝሰርሖ ኢድ ተገጢሙላ፡፡

ነቲ በደል ዝፈጸመላ በዓል ቤታ ነበር ዲሜትሪ ግራቸቭ ድማ ን 14 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ፡፡

እቲ ኩነታት ሰበስልጣን ሩስያ ገበን ምስተፈጸመ እምበር ኣቐዲሞም ከምዘይከላኸሉ ዘመላኽት እዩ ይብል ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ፡፡

ኣብ 2017 ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዘቤታዊ ጥቕዓት ንዝፍጽሙ ሰባት ዝወሃብ መቕጻዕቲ ዘቕልል ሕጊ ፈሪሙ ነይሩ፡፡

እቲ ተበዳሊ ናብ ሆስፒታል ዘየብጸሖ እንተዳኣኮይኑ፡ እቲ በደል ከም ገበን ዘይቑጸርን መቕጻዕቱ እውን ዝወሓደን እዩ፡፡

ናታልያ ቱኒኮቫ፣ የለና ገርሻምን ኢሪና ፐትራኮቫን ብመንግስቲ ሩስያ ካሕሳ ክወሃበን ዝተወሰነለን ከልኦት ደቂ ኣንስትዮ እየን፡፡

ሜሪ ዳቭትያን ዝተባህለት ሓንቲ ጠበቓ እተን ግዳያት ‘‘ተዓዊትና’’ ክትብል ኣብ ፌስቡክ ጽሒፋ፡፡

‘‘እታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ዘቤታዊ ጥቕዓት ስጉምቲ ክትወስድ ብዘይምኽኣላ፡ እዘን ደቂ ኣንስትዮ፡ ጉድኣት በጺሕወን እዩ’’ ኢላ፡፡

ቅድም ክብል እተን ደቂ ኣንስትዮ ካሕሳ ክኽፈለን ንዘቕረበኦ ሕቶ ሩስያ ነጺጋቶ ነይራ፡፡

ምክትል ሚኒስተር ፍትሒ ሩስያ ሚክሄል ጋልፐሪን፡ እታ ሃገር ውልቀ ሰባት ንዝፈጸምዎ ዘቤታዊ ዓመጽ ተሓታቲት ክትከውን የብላን ኢሉ፡፡