ናይጀርያ፡ እሱራት ንምፍታሕ ትነጥፍ ጉጅለ ሰብ ሞያ ሕጊ ደቂ ኣንስትዮ

ኣብ ናይጀርያ ሌጎስ ዝርከብ ህንጻ ሳሙኤል ኢሎሪ ኣዝዩ ዓብዪ ህንጻ'ዩ። መዓልታዊ ኣብ ውሽጢ እዚ ህንጻ ብዙሓት ነገራት ይተኣናገዱ።
እዚ ህንጻ፡ በዓል ኣርባዕተ ደርቢ ኮይኑ መዓልታዊ ኣስታት 300 ክስታት ዝርእዩ 20 ኣብያተ ፍርዲ ኣለውዎ።
ብጎኒ መእተዊ እዚ ህንጻ ግን ሓንቲ ዓበይቲ ዕማማት ዝካየደላ ንኡሽቶ ቤት ጽሕፈት ኣላ።
ኣብዛ ቤት ጽሕፈት ዝሰርሓ ሰብ ሞያ ሕጊ ድማ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ንምውጻእ ይሕግዛ።
ኦሉዬሚ ኦሪጃ መስራቲት እቲ 'ሄድፎርት ፋውንዴሽን' ዝተባህለ ጉጅለ እያ።
"በዓል ሞያ ሕጊ ምዃን . . . መንእሰይ በዓልቲ ሞያ ሕጊ ምዃን . . . መዓልታዊ'የ ናብ ቤት ፍርዲ ዝኸይድ። ብንእሽቶ ገበን ተኸሲሶም ዝተኣስሩ እሱራት ድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክመጽኡ ይርኢ። ስለ ምንታይ'ዮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነዊሕ ገይሮም? ኢለ ድማ ይሓትት። ምኽንያቱ ጠበቓ ንምቑጻር ገንዘብ ዘይብሎም ምዃኖም'ዩ" ትብል።
እዘን ደቂ ኣንስትዮ ጠበቓታት ኣብ ወርሒ መጋቢት 2019 ዓ.ም [አቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣገልግሎት ምሃብ ካብ ዝጅምራ ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ 127 እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝወጽኡ ገይረን ኣለዋ።
ኣብዛ ጸባብ ክፍሊ ከምዚ ዓይነት ኣገልግሎት ምሃብ ንምንታይ'ዩ ዝጠቅም? ክንብል ሓቲትናያ።
ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ቤት ማእሰርቲ ብምኻድ ምስ ሰባት ምርኻብ ኽልኩል ስለ ዝነበረ ኣብ ግዝኣት ሌጎስ ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ፍርዲ ተንቀሳቃሲ ቤት ጽሕፈት [ሞባይል] ክህልወና ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ከም ዘበገሳ ትዛረብ።
"ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዘለዎ ትካል ክህልወና ዝወሰንናሉ ምኽንያት ድማ፡ ደቂ ኣንሰትዮ ኣብ ጉዳይ ፍትሒ ግዱሳት ስለ ዝኾና እዩ" ትብል።
እዚ ጉጅለ ዝንቀሳቐሰሉ ባጀት ካብ ክፍሊ ሕጊ ኦሉዬሚ ኦሪጃ ዝምንጪ ኮይኑ፡ ንብዙሓት ሰባት ብዋሕስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንምውጻእ ክደልያ እንከለዋ ግን ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ ይገብራ እየን።
ካብቲ ተንቀሳቃሲ ቤት ጽሕፈት ብተወሳኺ ንኣሳልጦ ስርሐንን ኣብ መላእ ናይጀርያ ናይ ሕጊ ኣገልግሎት ንምሃብን 'Lawyers Now Now App' ዝተባህለ መተግበሪ [ኣፕ] ምሂዘን ኣለዋ።
"ኣብ መላእ ናይጄሪያ ክንህሉ ኢና ንደሊ። ኣብታ ሃገር ኣስታት 240 ኣብያተ ማእሰርቲ ኣለው፤ መብዛሕትኦም ክኣ ቅጽጽ ዝበሉ'ዮም። እዚ ማለት ናትና ኣገልግሎት የድሊ'ዩ። ግን ከመይ ኢልና ኣብ 36 ግዝኣታት ናይጄሪያ ንብጻሕ? ቴክኖሎጂ ብቐሊሉ ይወስደና ማለት'ዩ" ክትብል ተረድእ።
ኣብያተ ማእሰርቲ ናይጀርያ ብብዝሒ እሱራት ቅጽጽ ዝበሉ'ዮም ንዝብል ርኢይቶ ኦሊዮሚ ሚኒስትሪ ውሽጢ ዓዲ እቲ ጸገም ንምፍታሕ ኣብ ሰለስተ ቦታታት ማእከላት ንሃንጽ ኣለና ኢና ዝብል ምላሽ ሂቡሉ።
"መንግስቲ ናይ ኣብያተ ማእሰርቲ ምጭንናቕ ከም ዘሎ ተገንዚቡ እቲ ጸገም ንምፍታሕ ይሰርሕ ኣሎ'ዩ። ግን እቲ ምጽባብ ኣብ ከተማ ጥራሕ ዘሎ ጸገም'ዩ፤ ካልኦት ብዙሕ ዘይተጻበቡ ማእከላት ኣለው'ዮም። እቲ ጸገም ንምፍታሕ ድማ ኣብ ሰለስተ ቦታታት ሰለስተ ሽሕ ሰባት ክሕዙ ዝኽእሉ ማእከላት ንሃንጽ ኣለና። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘየጽንሕ ውሳነ'ውን ክነተኣታቱ ኢና" ኢሉ።
እንተኾነ ናይጄሪያውያን መንግስቲ ክሳብ ዝበጽሐሎም ጉጅለ ኦሉዬሚ ብዝተኽኣላ መጠን ትሕግዞም ኣላ።
እቲ ዘተኣታተውኦ መተግበሪ 'Lawyers Now Now App' ድማ ብዙሕ ስራሕ የምጽኣለን ኣሎ።
ወዲ 53 ዓመት ኣዴሉ ላዋል ሓደ ካብቶም በዘን ጠበቓታት ዝተሓገዙ እሱራት ኮይኑ፡ መራሒ ኣውቶብስ'ዩ።
ሓደ መዓልቲ ብዘጋጠሞ ሓደጋ ኣቑሒት ሓደ ድኳን ስለ ዘዕነወ ብዘይፍርዲ ክልተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕሊፉ።
"ናብ ቤት ማእሰርቲ መጺአን ሽመይን እቲ ዝተኸሰስኹሉ ቤት ፍርድን ሓቲተናኒ። መጀመርታ ገንዘብ ስለ ዘይብለይ ተጨኒቐ ነይረ፤ ግን ዋላ ሓደ ገንዘብ ከይሓተታ ኣፍቲሐናኒ። እቲ ጉዳይ ሕጂ'ውን ኣብ ቤት ፍርዲ'ዩ ዘሎ፤ ግን ጠበቃታተይ ኮይነን ጠጠው ይብላለይ ኣለዋ። ኣነ ነዘን ደቂ ኣንስትዮ ዓብዪ ምስጋና ኣለኒ" ይብል።
ኦሉዬሚ ኦሪጃ ብስርሓ ሕጉስትን ህንጥውትን ከም ዝኾነት ትዛረብ።
"ተስፋ ስኢኑ፣ ዋላ ሓደ ሰብ መጺኡ ክሕግዘኒ'ዩ ዝብል ሓሳብ ዘይነበሮ ሰብ ሃንደበት ዝኾነ ሰብ ንዕኡ ክቃለሰሉ እሞ ተቓሊሱ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ ክትሪኦ ከለኻ ብቃላት ክትገልጾ ዘይትክእል ስምዒታት እዩ ዝፈጥር። ሓደ ሰብ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣውጻእኻ ድማ ተወሳኺ ክትሰርሕ . . . ክትቕጽሎ ኢካ ትተባባእ" ኢላ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







