ህንዲ፡ ወርሓዊ ጽግያት ዝርእያ ደቂ ኣንስትዮ ተገሊለን ዝቕመጣሎም 'ኣጉዶታት ጽግያት'

ምንጪ ስእሊ, PRASHANT MANDAWAR
ኣብ ህንዲ ወርሓዊ ጽግያት ንነዊሕ ግዜ ነውሪ ተገይሩ'ዩ ዝቑጸር።
ወርሓዊ ጽግያት ዝርእያ ደቂ ኣንስትዮ ረስሓት ተገይረን ስለ ዝቑጸራ ኣብ ትሕቲ ከቢድ እገደታት'የን ዝነብራ።
ካብ ማሕበራውን ሃይማኖታውን ምትእኽኻባት ክግለላ እንከለዋ፡ ናብ ቤተ መቕደስ ወይ ቅዱስ ቦታ ጥራሕ ዘይኮነ ናብ ኩሽና'ውን ከይኣትዋ ዝተኸልከላ እየን።
እንተኾነ ጋድቺሮሊ ኣብ ዝተባህለት ድኻን ዘይለምዐትን ዞባ ህንዲ ዝርከቡ ዓሌታት ጎንድን ማዲያን ዘሎ ተነጽሎ ደቂ ኣንስትዮ ኣዝዩ ዝኸፍአ እዩ።
መግቢ ክሰርሓ ወይ ካብቲ ከባቢአን ማይ ክሓኹራ ኣይፍቀደለንን፤ ክሳብ ካብ ካልኦት ወርሓዊ ጽግያት ዘይርእያ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ኣባል ስድርአን ዝመጽአን ይጽበያ።
ወዲ ተባዕታይ እንተተንኪፉወን "ብምትንኻፉ ጥራይ ስለ ዝረስሕ" ቐልጢፉ ማይ ክሕጸብ ኣለዎ።
እዚ ካብ ባህላዊ እምነት ዝምንጪ ኮይኑ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ወርሒ ንሓሙሽተ መዓልታት ኣብቶም ካብቲ ከባቢ ርሒቐም ኣብ ጫካ ዝተሰርሑ ኣጉዶታት ክጸንሓ ይግበር።
"ኣጉዶታት ጽግያት" ኣብ ምዕራብ ህንዲ ኣሽሓት ደቂ ኣንስትዮ ወርሓዊ ጽግያት ኣብ ዝርእያሉ እዋን ካብቲ ዝተረፈ ክፋል ሕብረተሰብ ተፈልየን ዝቕመጣሎም ኣጉዶታት'ዮም።
ይኹን'ምበር እዞም ኣጉዶታት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘሎ ተነጽሎ ዘርእዩ'ዮም ብዝብል ክውገድሉ ዝኽእል ስትራቴጂ ክሕንጸጽ ከም ዘለዎ ነቐፍቲ ይዛረቡ።
ጎስጎስቲ ብወገኖም ብምኽንያት ወርሓዊ ጽግያት ዝበጽሕ ሕፍረት ክሳብ ዝቐጸለ እዚ ነተን ደቂ ኣንስትዮ ውሑስ ቦታ'ዩ ኢሎም ይካትዑ።
እዞም ኣጉዶታት 'ኩርማ ግሃር' ተባሂሎም ዝጽውዑ ኮይኖም መደቀሲ ዓራት፣ ሽቓቕ፣ ማይን ናይ ጽሓይ ጸዓትን ዘለዎም'ዮም።
ኣብ ሙምባይ ማእከሉ ዝገበረ ገባሪ ሰናይ ማሕበር ኬሄርዋሲ ማሕበራዊ ድሕነት ነዘን ዝፈራረሳ ኣጉዶታት ኣብ ምትክካእ ይሰርሕ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቱኩም ተባሂላ ኣብ እትጽወዕ ዓዲ ዝተሰርሐ ፈላማይ ዘመናዊ ኣጉዶ 90 ወርሓዊ ጽግያት ዝርእያ ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ።
ሕጂ ህይወት ፍኹስ ኢሉለን ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, IMAGE COPYRIGHTPRASHANT MANDAWAR
ቅድም ኢሉ ናይ ጽግያት መዓልተን ክቐርብ እንከሎ ናብቲ ካብ ጭቃን ሸምብቆን ዝተሰርሐ በሪ ይኹን መስኮት ዘይብሉ ሕጽረት ብዙሓት ቐረባት ዘለዎ ኣጉዶ ክኸዳ ይግደዳ ነይረን።
ማይ ክሕጸባ ወይ'ውን ክዳነን ክሓጽባ ክደልያ እንከለዋ ካብቲ ዝነብራሉ ሓደ ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ዝርከብ ሩባ ይኸዳ።
ጓል 35 ዓመት ሱርክሃን ሃላሚ ኣብ እዋን ሓጋይ ኣዝዩ ከም ዝመውቕን ብጣንጡ ከም ዝውረርን፣ ኣብ እዋን ክረምቲ ክኣ ኣዝዩ ከም ዝቖርር፤ ዝናብ ክዘንብ እንከሎ'ውን ዝባን እቲ ገዛ ማይ ስለ ዘዝልቕ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ከም ዝኾነን ትዛረብ።
ሓሓሊፉ ኣኽልብትን ሓሸማታትን ናብ ገዛ እናኣተዋ ከም ዘጸግሙለን ገሊጻ።
ጓል 21 ዓመት ሺታል ናሮቴ ኣብቲ ኣጉዶ ንብሕታ ክትቕመጥ ክፍረዳ እንከሎ፡ ድቃስ ዝብሃል ከም ዘይትረክብ እያ ትገልጽ።
"ውሽጡ ይኹን ደጊኡ ጸልማት ስለ ዝኾነ፡ ናብ ገዛይ ክኸይድ እንተደለኹ'ውን ኣማራጺ ስለ ዘይብለይ ምስ ፍርሐይ ኣብኡ የሕልፎ" ትብል።
ጎረቤታ ጓል 45 ዓመት ዱርባታ ቅድሚ 10 ዓመት ኣብቲ ኣጉዶ ዝነበረት ሓንቲ ጓል 21 ዓመት ጓል ኣንስተይቲ ተመን ነኺሱዋ ምሟታ ትዛረብ።
"እናበኸየትን እናእወየትን ካብቲ ኣጉዶ ጎይያ ክትወጽእ እንከላ ሰንቢድና ክንትስእ እንከለና ፍርቂ ለይቲ ኮይኑ ነይሩ። ደቂ ኣንስትዮ ኣዝማዳ ባህላዊ መድሃኒት ሂበን ክሕግዝኣ ፈቲነን። እቶም ደቂ ተባዕትዮ ኣዝማዳ ግን ብርሑቕ እናማዓደው ይርእዩዋ ነይሮም። . . .
ወርሓዊ ጽግያት እትርኢ ጓል ኣንስተይቲ ርኽስቲ'ያ ተባሂሉ ስለ ዝእመን ኣይቐርቡዋን። መርዚ እቲ ዝነኸሳ ተመን ናብ ሰብነታ እናተዘርአ ምስ ከደ ግን ድሕሪ ሰዓታት ሞይታ" ኢላ።
እቶም ሕጂ በቲ ገባሪ ሰናይ ተመሓይሾም ዝስርሑ ዘለው ኣጉዶታት፡ ምስ ሓመድ ካብ ዝተወሃሃደ ናይ ማይ ፕላስቲክ ተለጋጊቦም ዝተሰርሑ'ዮም።
ቀይሕ፣ ሰማያውን ቢጫን ሕብሪ ዘለዎም ጎማታት ንግድግዳ እቲ ገዛ ክመልኡዎ ከለው፡ ሸሞንተ መደቀሲ ዓራት ከምኡ'ውን ሽቓቕን በርን ኣለዎ።
እዚ 8900 ዶላር ወጻኢ ከም ዝተገብረሉን ክልተ ወርሕን ፈረቓን ከም ዝወሰደን ኒኮላ ሞንቴሮ እቲ ገባሪ ሰናይ ገሊጹ።
እቲ ገባሪ ሰናይ ኣርባዕተ ኣጉዶታት ወርሓዊ ጽግያት ከም ዝሃነጸ ክገልጽ እንከሎ ተወሰኽቲ ሽዱሽተ ኣብ መፋርቕ ሰነ ዝኽፈቱ ኣጉዶታት ኣብ ጥቓ እቲ ዓዲ ከም ዝሃነጸ ገሊጹ።
ስፕራሽ ናይ ዝተባህለ ገባሪ ሰናይ ፕሬዝደንት ዲሊፕ ባርሳጋዴ ንዝሓለፉ 15 ዓመታት ኣብቲ ከባቢ ክሰርሕ እንከሎ፡ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ 223 ኣጉዶታት ምብጻሕ ከም ዝገበረን ናይዚኦም 98 ሚኢታዊት "ውሕስነት ዘይብሎምን ረስሓትን" ከም ዝኾኑ ገሊጹ።
ካብ ነበርቲ ካብ ዝረኸቦ ሓበሬታ "ኣብ ኩርማ ዝነብራ ዝነበራ ኣስታት 21 ደቂ ኣንስትዮ ብቐሊሉ ምውጋድ ብዝክኣሉ ምኽንያታት ሞይተን" ኢሉ።
"ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ተመን ነኺሱዋ ክትመውት እንከላ፡ ካልእ ብድቢ ተነኺሳ፣ ካልእ ጓል ኣንስተይቲ ድማ ብምኽንያት ሓያል ረስኒ ሞይተን" ክብል ኣብሪሁ።
ካብዚ ጸብጻብ ተበጊሱ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ህንዲ መንግስቲ ነዚ "ልምዲ ከጥፍኦን ኣብ ልዕሊ ድሕነትን ሰብኣዊ መሰላትን ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ግህሰት" ደው ከብሎን እኳ እንተሓበረ ሕጂ'ውን ከይተወገደ ቐጺሉ ኣሎ።
ኩለን ኣብ ቱኩምን ጎረባብቲ ዓድታትን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ናብተን ኣጉዶታት ተመሊሰን ክኸዳ ከም ዘይደልያን፡ ሓሓሊፉ እቲ ዘሎ ሕጽረት ቀረባት ተደራቢ ጸገማት ከም ዝኾኑወን ይዛረባ።
ኣመሓዳሪ ሓንቲ ዓዲ እቲ ከባቢ ዝኾነ ቸንዱ ኡሰንዲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል እቲ ባህላዊ እምነት ከም ዘይልወጥ እዩ ዝገልጽ።
ነዚ ዝተቓወሙ ከም ዝተቐጽዑን ነቲ ባህሊ ረጊጾም ዝተረኸቡ ነቲ ከባቢ ድግስ ደጊሶም ክክሕሱን ክቕጽዑን ከም ዝተገብረ ገሊጹ።
ሃይማኖታዊ እምነትን ባህልን ምኽንያት እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ዘሎ ተነጽሎ ከም ዝኾነ ክግለጽ እንከሎ፡ ብዙሓት ገጠር ዓድታት ናብ ከተማ ምእታው ብምጅማረን ከምኡ'ውን ዝተመሃራ ደቂ ኣንስትዮ ነዚ ናይ ድሕረት ሓሳባት ክቃወማ ጀሚረን ኣለዋ።
ናይዚ ውጽኢት ሓደ ጉጅለ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ቤተ መቕደስ ሂንዱን ቤተ እምነት እስላምን ከምኡ'ውን ማሕበራዊ ሚዲያታት ብምኻድ #HappyToBleed ዝብል ጎስጓስ ብምክያድ ኣብ ልዕሊ ወርሓዊ ጽግያት ዘሎ ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ክውገድ ይሰርሓ ኣለዋ።
ይኹን'ምበር ሕጂ'ውን ሱር ዝደሰሰ ድሑር ኣመለኻኽታ ብምህላዩ ብቐሊሉ ለውጢ ምምጻእ ኣጸጋሚ ከም ዝኾነ ይእመን።
ብዙሓት መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ክምሃራን ኣብ ልዕሊ ባህላዊ ልምዲ ሕብረሰተበን ሕቶ ከልዕላ እንተጀመራ'ውን እቲ ዝበዝሕ እቲ ዝበጽሕ ዘሎ ተነጽሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምዃኑ ዘይምርዳእ ኣሎ ክብሉ ተሓለቕቲ የረድኡ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







