ስነ-ጥበብ፡ ስለ ምንታይ'የን ደቂ ኣንስትዮ ንሻህ ሩክ ካን ዝፈትውኦ?

ክሃን፡ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ኮኸባት ቦሊውድ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ክሃን፡ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ኮኸባት ቦሊውድ'ዩ

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣፓርና ኣሉሪ " ስለምንታይ ኢኹም ንሻ ሩክ ካን ትፈትዉዎ?" ክትብል ንገለ ሰባት ሓቲታ።

ናይ ጅግና ባህሪያት ዝተላበሰ "ምዕሩግ" ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ዝገብሮም ቃለ መሕትት " ግልጺ፡ ቀያዕን መስሓቕ"ን ብምዃኑ፡ ዝናን ገንዘብን ንምርካብ ድሕር ስለ ዘይብል፡ ዝብል ምላሽ ሂቦምዋ።

ካልእ'ከ ክትብል ሕቶታት ምስ ወሰኸት ከኣ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ድራማታት ብዝላበሶም ገጸ ባህርያት ንደቀንስትዮ ብዝህቦ ክብርን ንፍቕርን ብዘለዎ ኣጠማምታን ከም ዝፈትውኦ ይዛረባ።

"ሓቂ'ዩ! ንደቂ ኣንስትዮ ብዘለዎ ፍቕሪ ኢና ንፈትዎ" ትብል ሓንቲ ወሃቢት ርኢይቶ።

ደራሲት ሽራያና ብሃታቻር ንብዙሓት ኣድነቕቲ ካን ደቀንስትዮ ሓቲታ ዝረኸበቶ መልሲ ተመሳሳሊ እዩ።

" እተን ደቀንስትዮ ኣብ ህይወት ብዘጋጠመን ጸገም ንሻህ ሩክ ካን ከድንቓ ከምዝጀመራ ነጊረናኒ" ክትብል ጽሒፋ።

ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፍቕርን ናብራን ዝነብረን ሕልምታት ስለዘይሰምረለን ዝሓድረን ጓህን ጭንቅን ይርምሰን።

እዚ ብታህዋኽ ዝተገብረ ዳህሳስ ኣይኮነን።

ኣብ ሰሜን ህንዲ ምስ ዝቕመጣ መሓዙታ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮን ንኣስታት 20 ዓመት ምስ ዝተመርዓዋን ዘይተመርዓዋን፣ ምስ ሂንዱን ቡድሃን፣ ኣስላምን ክርስትያንን፣ ምስ ሕጉሳትን ጉህያትን፣ ምስ ዝሰርሓን ዓዲ ውዒልን ዝተገብረ ወግዕን ዝርርብን ዝበጽሓቶ መደምደምታ እዩ።

ይኹን እምበር ኩለን ቲፎዞን ኣድነቕቲ እቲ ህቡብ ስነ ጥበባዊ ቦሊውድ ሻህ ካን እየን።

ሻህ ካን፡ ካብ 1990ታት ኣትሒዙ እዩ ኣብ ልቢ ብዙሓት ህንዳውያን ኣትዩ። ኣብቲ እዋን'ቲ ህንዲ ቁጠባዊ ዕረያ፡ ጽገናታት ብምግባር ዕዳጋኣ ንዓለም ዝኸፈተትሉ ግዜ እዩ። ሽዑ ኮካ ኮላን ቴሌቪዥንን ኣብታ ሃገር ተኣታትዩ።

"ታሪኽ እተን ድሕሪ ቁጠባዊ ጽገና ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ክነግር እንከለኹ፡ ኣብ ጉዳይ ቲፎዞነት ሻህ ግን ዘይተልምደ ሓደ ኮይነን ረኺበየን። ግን ስለ ምንታይ?" ትብል ጸሓፊት ሽራያና ብሃታቻርያ።

እታ ጸሓፊት፡ ኣብ 2006 ኣብ ምዕራብ ህንዲ ኣብ ዝርከብ ሻውል ዑድ እናሰርሓ ዝነባበራ ብተደጋጋሚ ብዘቕርብኦ ጥርዓን ክፍሊት ዝተሰላቸዋ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት መጽናዕቲ እናካየደት ኣብ ናይ ዕረፍቲ ግዜኣ ብዛዕባ ኣብ ቦሊውድ ዘድንቐኦ ኮኸብ ትሓተን ነይራ።

"ብዛዕባ ዘሐጉሰን ነገር ክዛረባ ድሉዋት ነይረን። እቲ ዝፈትወኦን ዘድንቐኦን ሰብ ከኣ ሻህ ካን እዩ" ትብል።

እዚ ኸኣ ቀጻሊ ዳህሳስ ንክትገብር መገዲ ኸፊቱላ።

ኣድነቕቲ ክሃን -2013

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ክሃን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ይፈትውኦ

በዚ መሰረት፡ ሽራያና እተን ደቂ ኣንስትዮ ብካን ጥራይ ዘይኮነ "በቲ ዘይምዕሩይ ዕዳጋ ዕዮን ክፍሊት ሰራሕተኛታትን ኣብ ገዛ ዘጋጥመን ሕልኽላኽን" ዝተኣሳሰራ ምዃነን ከም ዝተገንዘበት ትዛረብ።

ብዛዕባ'ዚ ብዝምልከት ነተን ማእከላይ እቶት ዘለወን ወይ ሃብታማት ደቂ ኣንስትዮ ክተዛርብ እንከላ እውን ኣይተቐየረን።

ስለ ምንታይ'ዮም ኩሎም ደቂ ተባዕትዮን ሰብኡትን ከም ሻህ ሩክ ካን ዘይኾኑ? ዝብል ሓበራዊ ሕቶ ነበረን።

"ኩለን ከኣ በቲ ኣብ ህይወተን ዘሎን ዝምነይኦን ተደሪኸን [ንካን] ኣብ ውሽጠን ይፈጥርኦ ነይረን" ትብል።

ሻህ ካን፡ ንመብዛሕተአን ደቀንስትዮ፡ ንጓል ኣንስተይቲ ጽን ኢሉ ዝሰምዕን እኹል ኣቓልቦ ዝህብን ጅግና እዩ።

እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ድራማታት ዝተላበሶም ገጸ ባህርያት ከኣ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ እትደልዮ ትኽክለኛ መጻምዲ ከምኡ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ምስሊ ፈጢሩለን።

ካን፡ ኣዝዩ ቦቕባቕ ልቢ ስለ ዘለዎ ቐልጢፉ ዝነብዕ ሰብ'ዩ፤ ስለ ዝኾነ ፈጺሙ ስምዒቱ ኣይሓብእን'ዩ።

"ከምቲ ንሱ [ካን] ንካጆሎ [ኣብ ፊልም Kabhi Khushi Kabhie Gham] ዘዛርባን ዝሓቑፋን ንዓይ'ውን ከምኡ ዝገብረለይ እንተዝረክብ ኢለ ይምነ፤ ግን እዚ ፈጺሙ ኣይረኸብኩን። ስምዒትን ኣእዳውን በዓል ቤተይ መሪር'ዩ" ትብል ሓንቲ ሰራሕተኛ ፋብሪካ ዓለባ ኣማኒት ምስልምና ጓለንስተይቲ።

እዛ ሃብታም፣ ዘይሕጉስቲ በዓልቲ ሓዳር፡ ንደቃ "ሕያዎት ሰብኡት" ከምዝኾኑ ገይራ ከም እተዕብዮም ትዛረብ።

ብኣባሃህላኣ " [ብጸገምን ሽግርን ሰባት] ዝበኽዩን ከምቲ ካን ንዓና ደቀንስትዮ ኣብ ውሽጥና [ፍቕሪ] ከምዝስመዓና ዝገበረ፡ ኣንስቶም ብአኦም ዝፍቀራን ውሑሳትን ምዃነን ከም ዝስመዐን ዝገብሩ" ማለት እዩ።

እዘን ነቲ ስነ ጥበባዊ ዘፍቅራ [ዝንእዳ] ደቂ ኣንስትዮ፡ ነቲ ጎነጻዊ ባህሪያቱ ብዙሕ ኣየድህባሉን እየን።

ብቐንዱ በቲ ዝርእይኦ ፊልም ወይ ድራማ እኳ እንተተዘናግዓ፡ እቶም ዘይርኣዩ ዝበሃሉ ኣጋጣሚታት ጥራይ'ዮም ኣብ ውሽጠን ተቐሪጾም ዝተርፉ።

Dilwale Dulhania Le Jayenge ካብቶም ካን ኣዝዩ ዝተሰምየሎም ብዙሓት ሰዓብቲ ዘትረፈሎምን ዕውታት ፊልምታት ቦሊውድ ሓንቲ እያ።

ሓንቲ ካብ ኣድነቕቲ ካን ዝኾነት ኣደ "ሓደ ጅግና፡ ካሮት እናልሓጸ፡ ምስ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ገዛ ነዊሕ ሰዓታት ከሕልፍ ንመጀመርታ ግዜ ርእየ" ትብል።

እዚ ንዕኣ ፍሉይ ስምዒት ዝፈጠረላ ፍቕራዊ ሓልዮት እዩ።

ክሃን ንሰላሳ ዓመታት ኣብ ልዕሊ 100 ፊልምታት ተዋሲኡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ክሃን ንሰላሳ ዓመታት ኣብ ልዕሊ 100 ፊልምታት ተዋሲኡ

ካን፡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ መዓልታዊ ካብ ዘጋጥመን ወጽዓን ልብኻ ዝሰብር ፍቕራዊ ዝምድናታትን ቁሩብ እልይ ዝብላሉን ዝዘናግዓሉን ኮኾብ እዩ።

ንሱ ኮኸብ ቦሊውድ ብምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ርህሩህን ሓላይ ብምዃኑ ክምርዐውኦ ይምነያ።

ሓላዩን ኣላይን ሰብኣይ፡ ሰሪሕካ ንክትኣቱን፡ ገንዘብ ክትዓቁር ወይ'ውን ሕልምታትካን ትምኒትካን ንክትገብር ዘፍቅድ'ዩ ካብ ዝብል እምነት ዝብገስ'ዩ።

ብዙሓት ድኻታት ኣድነቕቲ ካን ግን እቲ ንነዊሕ እዋን ዝሰርሖም ፊልምታት ንክርእያ'ኳ ዕድል እንተዘይረኸባ ብሙዚቃታቱ ግን ኣብ ልበን ኣንጊሰንኦ እየን።

"ጓል ኣንስተይቲ ንሓደ ተዋሳኢ ይፈትዎ እየ ክትብል እንከላ፡ ነቲ ወዲ ተባዕታይ ክመስሎ ዝግባእን መዐቀኒ ገይራ እትወስዶም ባህርያትን እዩ" ትብል እታ ጸሓፊት።

ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ትሕቲ ዓራተን ስእልታት ካን ዘለዎ [ፖስተራት] ብምሕባእ ብሙዚቃታቱን ፊልምታቱን እናተዘናግዓ ይፍስሃ።

በዚ ድማ ኣብ ገሃድ ህይወተን እንታይ ከም ዝደልያ ክግንዘባ ክኢለን።

ብኻልእ ወገን ግን፡ ካን ንብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈላለዩ ነገራት ምሂሩወን እዩ።

ሓንቲ ጓለንስተይቲ፡ በቶም ካን ዝህቦም ቃለ መሕተት ኢንግሊዝኛ ከም ዝተማህረት ትዛረብ።

ኣፓርና ኣሉሪ ከኣ ሂንዲ ከም ዘምሃራ ትገልጽ።

ካብኡ ሓሊፉ ግን ትብል ጸሓፊት ሽራያና ብሃታቻርያ፡ ካን ኣብ ቦሊውድ ካብ ዝፍለጥ ንድሓር ብዙሕ ነገር ተለዋዊጡ እዩ።

"መናእሰያት ደቂ ኣንስትዮ፡ ንካን ክምርዓውኦ ኣይደልያን። እቲ ንሱ ዘለዎ ብልጫን ዓወትን ግን ክውንና ይደልያ" ትብል።

Short presentational grey line

ጸሓፊት ሽራያና ብሃታቻርያ፡ Desperately Seeking Shah Rukh: India's Lonely Young Women and the Search for Intimacy and Independence ዝብል መጽሓፍ ዝጽሓፈት'ያ።