ህንዲ - ቫራናሲ፡ ፈጺማ ስጋ ዘይተቕርብ ከተማ

ምንጪ ስእሊ, narvikk/Getty Images
ኣብ ዓለም ንብዙሕ ዓመታት ቅድስቲ ከተማ ተባሂላ እትፍለጥ መንፈሳዊት ከተማ ህንዲ፡ ናብ ጠቕሊላ ኣሕምልቲ ጥራይ ዝምገቡ ሰባት ዝነብሩላ ስለ ዝተሰጋገረት ብዙሓት ሃይማኖታዊ ጉዕዞ ዝገብሩ በጻሕቲ ትስሕብ ኣላ።
ቫራናሲ ትብሃል። ኣብ ዓለም ካብቶም ጥንታዊ ዝብሃሉ ከተማታት ሓንቲ'ያ።
ካብ 1800 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ጀሚራ ከምዝተደኮነት ዝንገረላ ቫራናሲ በቶም 1.2 ቢልዮን ዝኾኑ ተኸተልቲ እምነት ሂንዱ ከም ሓንቲ ካብ ቅዱሳት ቦታታት ዓለም ትቑጸር።
መዓልታዊ፡ ድምጺ ኣብ ኣብያተ እምነት ዝቃጭል ደወል ጥራሕ ኢኻ ትሰምዕ።
ዓሰርታት ኣሽሓት ናብታ ከተማ ዝመጽኡ ምእመናን ድማ 88 ደረጃታት እታ ከተማ ወሪዶም ሓጢኣቶም ክሓጽቡ [ካብ ሓጢኣቶም ክነጽሁ] ጋንገስ ናብ ዝብሃል ሩባ ይኣትው።
ይኹን'ምበር፡ ምኽንያት መብዛሕትኦም ናብታ ከተማ ዝጉዓዙ ሰባት ዝተፈላለየ እዩ።
እቲ ቦታ ፍሉይን ሃይማኖታውን ስለ ዝኾነ ጽዋ ሞትና ኣብኡ ክንቕበል ወይ'ውን ነፍስና ብንስሓ ክንሓጽብ ኢሎም ካብ ዝጉዓዙ ሰባት ወጻኢ: ኣብታ ከተማ ዘሎ ፍሉይ ናይ ኣሕምልቲ መግቢ ክበልዑ ጥራይ ኢሎም ዝኸዱ'ውን ኣለው።
መብዛሕትኦም ነበርቲ ከተማ ቫራናሲ ኣምለኽቲ ሺቫ'ዮም። ሺቫ ስጋ ዘይበልዕ ኣሕምልቲ ጥራይ ዝምገብ ኣምላኽ ምዃኑ ሰዓብቱ ይኣምኑ።
ካብዚ ብዝብገስ፡ ከም ራኬሽ ጊሪ ዝበሉ ነበርቲ እታ ከተማ ካብ ኣሕምልቲ ወጻኢ ካልእ ኣይምገቡን። ነዚ ጥቡቕ መምርሒ'ዮም ዝኽተሉ።
"ኣነን ስድራይን ንወለዶታት ተመገብቲ ኣሕምልቲ ኢና። እንቋቑሖ ኣብ ዝብልዖ ገዛ'ውን ማይ ኣይንሰትን" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Hitesh Makwana/EyeEm/Getty Images
ቫራናሲ መንፈሳዊት ከተማ ህንዲ ክትኸውን ትኽእል'ያ፤ እንተኾነ በቲ ሃረር ዘብል ክሸና ግን ብዙሕ ኣይትፍለጥን።
መብዛሕትኦም ንመግቢ ኢሎም ዝጉዓዙ ሰባት ቅድሚ ናብታ ከተማ ምኻዶም ኣብ ከተማታት ዴልሂ፣ ካልካታን ቼናይን ናብ ዝርከቡ ስጋን መስተን ዝቐርበሎም ማእከላት እዮም ዝኸዱ።
ኣብዚ እዋን ድማ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ከሸንቲ ምድላው መግቢ ነቲ ከተማ ቫራሳኒ ዘለዋ ሓድጊ መግቢ ኣሕምልቲ ብምውሳድ ኣብ ሬስቶራንታት ክሰርሑዎም ጀሚሮም ኣለው።
ካብ 2011 ክሳብ 2016 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ብጽቡቕ ክሽና መግቢ ደረጃ 'ሚቸሊን ስታር' ዝብል ሽልማት ዝወሰደ ሼፍ ቪካስ ክሃና "ኣብ ማንሃተን ንከዳልዎ ዝክኣለኒ ገይረ'የ፤ ግሩም ጣዕሚ ኣለዎ" ይብል።
ክልተ ግዜ ሽልማት 'ሚቸሊን ስታር' ዝወሰደ ሼፍ ኣቱል ኮቻር ብወገኑ ኣብ ለንደን ዝርከብ ሬስቶራንቱ ቤናረስ [ከተማ ቫራናሲ ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢንግሊዝ ዝነበረ ሽማ] ክብል ሰይሙዎ።
ንሱ፡ ምድላው እቲ ኣዝዩ ፍሉይ ጣዕሚ ዘለዎ መግቢ ኣሕምልቲ እዛ ከተማ ዝምልከት መጽሓፍ ጽሒፉ'ዩ።
ንኣብነት፡ ካብ ስጋ ወጻእ ዝኾነ ፓንኬን ብኸመይ ከም ዝዳሎን ኣሰራርሓ ሰላጣ ኮሚደረን ዝምልከት ቐሪቦም ኣለው።
80 ሚኢታዊት ህዝባ ተኸታሊ ሂንዱ፣ 20 ሚኢታዊት ድማ ኣሕምልቲ ጥራይ ዝምገብ ህዝቢ ኣብ ዘለዋ ሃገር ስጋ ዘይብሎም ኣማራጺታት ብዙሓት እዮም።
ናይዛ ከተማ ፍሉይ ዝገብሮ፡ እቶም ዝቐርቡ መግብታት ጽልዋ ሃይማኖታዊ ግብረ ገብነት ዘለዎም ምዃኑ'ዩ።
ዝርዝር መግቢ ስታቪክ፡ ኣብ መትከላት ኣዩርቬዲክ ዝድረኽ ኮይኑ በቲ ፍጹም ስርዓት ሂንዱ ዝኾነ ኣገባባት ምምጋብ ኣሕምልቲ ዝግዛእ እዩ።
መግቢ ክተዳሉ እንከለኻ፡ ቀይሕን ጻዕዳን ሽጉርቲ ምጥቃም ዝተኸልከለ'ዩ።
እዚ እቶም እታዋት ቁጥዐ፣ ጭንቀት፣ ዓመጽን ካልእን ግቡእ ዘይኮኑ ባህርያት ክውስኽ ይገብሩ'ዮም ተባሂሉ ስለ ዝእመን እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Amrita Sarkar
"ዳርጋ ኣብ ገዛ ኩሉ ሂንዱ ስጋ ምብላዕ ኣይሕሰብን። ነብስና ነቶም ንመግቢ ክብሉ ካልኦት ዝቐትሉ ክትሳቐ እያ ዝብል እምነት ስለ ዘሎ ተመጋቢ ኣሕምልቲ ምዃን ቐዳምነት ይውሃቦ። ስጋ፣ ቀይሕን ጻዕዳን ሽጉርቲ ድማ ባህሪያዊ ለውጢ ክመጽእ ጽልዋ ስለ ዝገብሩ ሰባት ትኽክለኛ ፍርዲ ንከይህልዎም የዛብዑ'ዮም" ይብል ቐሺ ኣብሂሼክ ሹክላ።
ከም ባህሊ፡ መብዛሕትኦም ኣብያተ መግቢ ቫራሳኒ ንዜጋታት ወጻእን ኣሕምልቲ ዘይምገቡ መንፈሳዊ በጻሕቲ ሂንዱን ከምኡ'ውን ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ንዝበልዑ ነበርቲ ስጋ የቕርቡ'ዮም።
ብ2019 ግን መንግስቲ ኣብ ውሽጢ 250 ሜትሮ ጩራ (ራድየስ) ኣብ መላእ ቤተ መቕደስ ቫራናሲን ታሪኻዊ ቦታታትን ስጋ ከይሽየጥን ከይብላዕን ኸልኪሉ።
እዚ ድማ እተን ኣብያተ ብልዒ ካብ ኣሕምልቲ ዝዳለው መግብታት ብሰፊሑ ከዳልዋን ብዝተፈላለየ መልክዑ ክስራሕ ከም ዝኽእል ክገብራን ምትብባዕ ፈጢሩ።
በዚ ኣብታ ከተማ ሽሪ ሺቫይ ዝተባህለ ሬስቶራንት እናዓበየ ይመጽኣ ሎ።
ኣብ 2019 ስጋ ካብ ዝኽልከል ንድሓር ኣብታ ከተማ ብዝሒ ኣብያተ ብልዒ ስታቪክ ካብ 40 ናብ 200 ከምዝወሰኸ ነበርቲ ይገልጹ።
ዝርዝር ዝዳሎ መግቢ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ዝቀያየር ኮይኑ፡ 12 ዓይነታት መግቢ ይቐርቡ።
ብቐንዱ ፍረታት ሃባብ፣ ፍረታት ዕምበባ በረኻ [poppy seeds]፣ ኮሚደረ፣ ካሸውን [cashews] ኣብ ሰሜን ህንዲ ዝፈሪ ቺሮነጂ ዝተባህለ ተኽልን ይዳለው።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







