ቅልውላው ትግራይ፡ ካብ ገላዕታ በለስ እንታይ ዓይነት መግቢ ክዳሎ ይኽእል?

ህድኣት ትኩእ ካብ ሽላ በለስ ዝተፈላለየ ዓይነታት መግቢ ተዳሉ

ምንጪ ስእሊ, Hidat

ህድኣት ሓጎስ፡ ቆልዓ ትሕቲ ዕድመ እናሃለወት ኲናት ዘስዕቦ ምፍንቓል፣ ሞትን ዕንወት ኣባይትን ስለ ዝርኣየት ክሳብ ሕጂ ዘይሃሰሰ በሰላ ኲናት ናብ ኣእምሮኣ እናተመላለሰ እዩ ዘሻቕላ።

ስድራቤታ ቅድሚ 21 ዓመት ብዘጋጠመ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ካብ ዛላምበሳ ክመዛበሉ እንከለው፡ ከም ውጽኢቱ ንዝተፈላለዩ ማሕበረ ቁጠባዊ ጸገማት ከም ዝተቓልዑ ትዝክር።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን፡ ብሆቴልን ቱሪዝምን ኣብ ኣመሪካ ሆቴል ሂልተን ማኔጀር መግብን መስተን ኮይና ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት እናሰርሐት ትርከብ።

"ኣብ እዋን ቁልዕነትካ ዘጋጥም በሰላ ኲናት ኣይትርስዖን። ሕጂ ካብኡ ተማሂርና ሰባት ብሰላም ዝነብርሉ ግዜ እናተመነና ካብኡ ዝገደደ ኲናት መጺኡ ክርኢ ከለኹ ግን ወትሩ ልበይ ይስበር" እትብል ህድኣት፡ ብምኽንያት እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ትግራይ ኣብቲ ክልል ዝስጋእ ዓጸቦ ከስዕቦ ዝኽእል ሞት ከም ዘስግኣ ትዛረብ።

ሚሊዮናት ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዝጽበዩን ኣብ ገሊኡ ከባቢታት'ውን ሰባት ብጥምየት ክሞቱ ከም ዝጀመሩን ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን ግን፡ "ሓደ ነገር ክገብር" ኢላ ተልዒላ።

"ሕዚ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ትግራይ ጥምየት ኣጋጢሙ፣ ሰብ ሞይቱ ክትሰምዕ ወይ ዝጠመዩ ህጻናት ክትርኢ ከለኻ ትሓዝን። ኣገልግሎት መብራህቲ'ውን ብዘይምህላዩ ገለ ነገር ዝረኸበ ሰብ ኣጥሒኑ ክጥቀም ኣይኽእልን። ኣብዚ ግዜ ህዝቢ ከመይ ኢልና ክንሕግዝ ንኽእል ኢለ ክሓስብ ከለኹ . . . ንበለስ ሓሲበ" ትብል።

ተኽሊ በለስ፡ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ትግራይን ኤርትራን ዝቦቁል ኮይኑ፡ ክሳብ ቀረባ እዋናት እቲ ፍርኡ ጥራይ ምብላዕ'ዩ ተለሚዱ።

ህድኣት ግን፡ እቲ ገና ናብ ደረጃ ገልዒ ዘይተሰጋገረ ሽላ በለስ [ውልዶ በለስ ] ተባሂሉ ዝጽዋዕ ገልዒ በለስ ብዝተፈላለየ መልክዑ ተዳልዩ ንመግብነት ክውዕል ከም ዝኽእል ትዛረብ፤ ነዚ'ውን ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚዲያታት ትጉስጉስ።

"ንሕና ኣብ ታሪኽና ብዙሕ ናይ ጥምየት ሓደጋታት ርኢና ኢና፤ ግን ድማ ሰብ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ጸጋ ናብ ጥቕሚ ብምውዓል መግቢ ክረክብ ይኽእል'ዩ። ህዝቢ [ሽላ በለስ] ኣይበልዖን ግን ንክበልዖ እንታይ ነርእዮ ዝብል ተበግሶ ወሲደ ኣለኹ" ኢላ።

ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ሜክሲኮ ዳርጋ ዝበዝሕ ከባቢኣ ብተኽሊ በለስ ዝተሸፈነ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ሽላ በለስ [ኖፓል ኢሎም ዝጽውዑዎ] ዝዳሎ መግቢ ካብቶም ዝበለጹ ዓይነታት መግቢ ኮይኑ ኣብ ባንዴራ'ውን ቐዲሙ ዝልለ ስእሊ በለስ እዩ።

ዜጋታት እታ ሃገር እቲ ንመግብነት ዝጥቀምሉ ክፍሊታት በለስ ከም ሰላጣ፣ ጽሟቕ፣ ቅጫን ቺፕስን ተዳልዩ ይቐርብ።

"ንሕና'ውን፡ ኣብ ኢድና ጸጋ እናሃለወ ሰብ ክጠሚ ወይ ክመውት ኣይግባእን፤ ስለዚ ህዝቢ ካብዚ ክጥቀም ክኽእል ኣለዎ" ክትብል ህድኣት ትምዕድ።

ውልዶ በለስ ብኸመይ ናብ መግብነት ይውዕል?

ህድኣት፡ 'ኣሕምልቲ ብዝተፈላለየ መልክዑ ንሰርሖም እንዲና? ሽላ በለስ'ውን ካብቶም ኣሕምልቲ ንላዕሊ ብዝተፈላለየ መልክዑ ንክትሰርሖ ዘኽእል ባህሪ ኣለዎ' ኢላ።

ብፍላይ እቶም ንሰብነትና ኣገደስቲ ዝብሃሉ ንጥረ ነገራት ንምርካብ ነቲ ኣብ ዝባኑ ዘሎ ሕንሽሽ ኣጽሪኻ ከየብሰልካ ከም ጉዕ ወይ ኮሚደረ [ጥርሑ] ብጥርኡ ክብላዕ ይኽእል።

ካብኡ ሓሊፉ፡ ሽላ በለስ ኣብ ዝረሰነ መቕሎ ጠቢስካ ጨውን ዘይትን ከይሓወስካ ክብላዕ ከም ዝኽእል ተረድእ።

"እዚ እቲ ኣነ ዝፈተኹዎ'ዩ" ዝበለት ህድኣት፡ ከም ስጋ ብመልክዕ ጥብሲ'ውን ዝዳሎ ምዃኑ ገሊጻ።

ካልእ ሜክሲካውያን 'ኖፓሌ ሳላድ' ኢሎም ዝጽውዑዎ ሰላጣ ገይርካ ክዳሎን ክብላዕን ዝኽእል ኮይኑ፡ "ከምቲ ሰላጣ ንምድላው እንኽተሎ ኣሰራርሓ ተጠቒምና ክንሰርሖ ንኽእል፤ እንተተረኺቡ ድማ ኣቨካዶ፣ ጉዕን ኮሚደረን ሓዊስካ ጥዑም'ዩ" ኢላ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ዝተፈላለዩ ነዚ ተኽሊ ንመግብነት ዘውዕሉዎ ሰባት ዘዝጥዕሞም ዓይነት ኣቀራርባ ዝጥቀሙ ኮይኖም፡ ብጸብሒ ወይ ሱፕ ገይሮም ከዳልዉዎ ይርኣይ'ዩ።

ብኻልእ ወገን፡ እቲ ንመግብነት ይውዕል'ዩ ዝብሃል ዘሎ ሽላ በለስ ጥሒንካ ሓደ ቢኬሪ ፍርቂ ሕሩጽን ሓደ ቢኬሪ ፍርቂ እቲ ዝተጥሓነን በለስን ለዊስካ ቅጫ ክዳሎ ይኽእል።

ካብ ሽላ በለስ ዝተዳለው ዝተፈላለዩ ዓይነታት መግቢ

ምንጪ ስእሊ, Hidat

መግለጺ ስእሊ, ህድኣት ካብ ሽላ በለስ ዘዳለወቶም ዝተፈላለዩ ዓይነታት መግቢ

ካብ ሽላ በለስ እንታይ ንረክብ?

በለስ፡ ኣብ ትግራይ ካብቶም ብዝግባእ ኣብ ረብሓ ዘይውዓሉን ኣብ ገለ ከባቢታት እቲ ክልል ድማ ኮቸኔል ብዝበሃል ሕማም ዝተጠቕዐን ኮይኑ እቲ ገልዑ ጥሪት ክበልዕኦ'ዩ ዝወሃብ።

እዚ፡ እቲ ሕብረተሰብ ካብ ዘለዎ ባህሊ ኣመጋግባ ዝነቅል ናይ ግንዛበ ሕጽረት ዝወለዶ ከም ዝኾነት እትዛረብ ህድኣት፡ ንርእሳ'ውን መጀመርታ ካልኦት ክሰርሑዎን ክበልዑዎን ምስ ርኣየት 'ስክፍታ' ሓዲሩኒ ነይሩ ትብል።

ድሓር ግን ጥቕምታቱ ክተጽንዕን ክትሓትትን እያ ጀሚራ። በዚ፡ እቲ ውልዶ በለስ ካብቲ ፍረ በለስ ንላዕሊ ንሰብነትና ዝጠቕሙ ቫይታሚናትን ሚነራላትን ከም ዘለዎ ተማሂራ ክትርዳእ ክኢላ።

ተሞክሮኣ'ውን ብሓደጋ ኣጋጣሚ ተቐይሩ።

ቅድም ኢሉ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ብቢዝነስ ማኔጅመንት ንሓደ ዓመት ክትምህር ድሕሪ ምጽናሕ ብትምህርቲ ናብ ስፔይን ከይዳ ኣብ ሆቴልን ቱሪዝምን ትኹረት ብምግባር ካልኣይ ዲግሪ ክተጽንዕ እንከላ ተኸሺኖም ምስ ዝቐርቡ መግብታት ሸዊት ገልዒ በለስ ተላልያ።

"ኲናት ካብ ዛላምበሳ ምስ ኣመዛበለና በለስ ትምህርትናን ቤተሰብናን ክንሕግዝ ዓብዪ ግደ ነይሩዎ" ብምባል ምስ በለስ ዝጸንሐ ዝምድና ከም ዘለዋ እትዛረብ ህድኣት፡ ናብ ስፔይን መጺአ ግን ከመይ ንመግብነት ክንትቀመሉ ንኽእል ዝብል ሓሳባት ወሲዳ።

ወሲኻ፡ "ሽላ በለስ ሕማማት ሽኮር ይከላኸል/ ይንኪ፣ ብዝሒ ደምን ናይ ጨጎራ ሕማም ከምጽኡ ዝኽእሉ ሕማማትን ኣብ ምክልኻልን ናይ ሰብነት ሕማም ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ኣብ ምውሳኽን ዓብዪ ረብሓ'ዩ ዘለዎ። ስለዚ፡ እዚ ኹሉ እናሃለዎ ስለ ምንታይ ናብ መግብነት ዘይነውዕሎ?" ክትብል ትሓትት።

እዚ ኹሉ ክሕሰብ እንከሎ ግን፡ ብዙሓት ጣዕሙ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ምባሎም ኣይተርፍን። ንሕና'ውን ንህድኣት ሓቲትናያ።

እዚ ካብ ውልዶ በለስ ዝዳሎ መግቢ ብጣዕሙ፡ ባሚያ ወይ ኦክራ ተባሂሉ ንዝጽዋዕ ሓደ ካብ ዓይነታት ኣሕምልቲ ከም ዝመሳሰልን ናብ ሓምሊ ቖስጣ ዝወስድ ጣዕሚ ከም ዘለዎን ገሊጻ።

"ጣዕሙ ሃብታም ስለ ዝኾነ ኣብ ኣፍካ ብዙሕ ነገራት እዩ ዝስምዓካ። ብዘይ ጨው ክብላዕ ዝኽእል መግቢ'ውን ስለ ዝኾነ ኣዝዩ ጠቓሚ'ዩ" ኢላ።

ካብ በለስ ዝተዳለወ መግቢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ወሲኻ "ከም ልምዲ ኮይኑ እታ ዝለመድናያ ወይ ቤተሰብና ዘላመዱና እምበር ሓድሽ ነገር ኣይንፍትንን . . . ርእስና ሓድሽ ነገር ንምፍታን ዕጽው'ዩ። እታ ዝለመድኻያ ምጽባይ እንተዘይሃሊያ ድማ ምጥማይ፤ ካብ ዝኾነ ባህላዊ ኣተሓሳስባ ክንወጽእ ይግባእ" ዝብል እምነት ከም ዘለዋ ገሊጻ።

በለስ ተፈጥሮኣዊ ትሕዝትኡ ዝሓለወን ብቐሊሉ ብስፍሓት ክበቁል ስለ ዝኽእልን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ካልኦት ሃገራት ዓለም ልዑል ጠለብ ኣለዎ።

ኣብ ሱፐርማርኬታት ምስቶም 'ኦርጋኒክ' ዝበሃሉ መግብታት ተሰሪዑ ክሽየጥ እንከሎ፡ ካብቶም ኣለው ዝብሃሉ ኣሕምልቲ ዋግኡ ዝኸበረ ከም ዝኾነ ይግለጽ።

ቀስ ብቀስ እቲ ማሕበረሰብ ዘለዎ ናይ ኣመጋግባ ባህሊ ንምቕያር ዕላማ ከም ዘለዋ ዝገለጸት ህድኣት፡ ብኽምስታ "ህይወትካ ንክተድሕን ግድን ዝለመድካዮ ጥራይ ክትጽበ የብልካን፤ ስለ ዝኾነ ድማ ኩልኹም ጥዓሙዎ" ክትብል ተሞክሮኣ ኣካፊላ።

Short presentational grey line

በለስ ክሳብ ሕኣብ ምንታይ ዓይነት ምህርታት ውዒሉ?

ኣብ ዓለም ልዕሊ 200 ዓይነታት በለስ ኣለው። እዚኦም ብሕብሪ ዝተፈላለዩ ኮይኖም፡ ቢጫ፣ ሮዛን ጻዕዳን ሕብሪ ፍረ ብብዝሒ ከፍርዩ ይስትውዓል።

ፍረ ተኽሊ በለስ፡ 24 ሚኢታዊት መዓልታዊ ክንወስዶ ዝግብኣና ቫይታሚን ሲ፣ ካልሸየም፣ ማግኔዥየም፣ ፖታሽየምን ኮፐርን ዝሓዘ ምኻኑ ድማ ሰብ ሞያ ይዛረቡ።

እዚ ራሕስን ዝናብን ኣብ ዝውሕዶም ከምኡ'ውን ሓውሲ ኣጻምእ ከባቢታት ብብዝሒ ዝፈሪ ተኽሊ፡ ካብ መግብነት ሓሊፉ፡ ምጉሕጓሕ መሬት ኣብ ምክልኻል ዘይነዓቕ ግደ ኣለዎ፤ ብተወሳኺ ንነዳድን ተሓዳሲ ጸዓትን ይውዕል።

እንተኾነ እዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ በለስ ንዕብየቱን ሃለዋቱን ዝውሃቦ ትኹረት ትሑት ብምዃኑን ንዝሓለፉ ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ብኩችኔል ስለ ዝተጠቕዐን፡ ኣብ ሓደጋ ምብራስ'ዩ ዝርከብ።

እዚ፡ ምሕደርኡ'ውን ባህላዊ መገዲ ብምዃኑ ክንድቲ ዝድለ ካብኡ ክርከብ ዝኽእል ጥቕሚ ምጥቃም ኣይተኽኣለን።

ብ2005 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ካብ በለስ ክፈርዩ ዝኽእሉ ምህርታት ምፍራይ ዝጀመረት ጸጋ ገብረኪዳን፡ ኣብ ክልል ትግራይ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ካብ በለስ ማርማላታን ኩኪስን ብምፍራይ ናብ ዕዳጋታት ክተቕርብ ጸኒሓ።

መግለጺ ቪድዮ, ጽሟቕ በለስ ናብ ጣልያን ሰደድ እትገብር ወናኒት ምህዞ

ብኻልእ ወገን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ተመራማሪት ዶክተር ዘቢብ ዮኑስ ካብ በለስ ተሓዳሲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምምንጫው ክትመራመር ከም ዝጸንሐት ይፍለጥ።

በዚ ኣብ 2019 ዓ.ም ፈላመይቲ ኢትዮጵየዊት ሳይንቲስት ተሸላሚት ፍሌየር ኮይና ንሰራሕቲ ምርምራ ዝሕግዝ 300 ሽሕ ፓውንድ ረኺባ ነይራ።

ኣብታ ተኽሊ በለስ ንዝተፈላለየ መዓላታት ተውዕሎ ዘላ ሃገረ ሜክሲኮ ድማ ተመራማሪት ሳንድራ ፓስኮ ኦርቲዝ፡ ንከባቢ ዘይጎድእን ቐልጢፉ ክብስብስ ዝኽእልን ፕላስቲክ ኣብ ምፍራይ ገልዒ በለስ ተጠቒማ'ያ።

ብሓፈሻ ተኽሊ በለስ ማሕበራዊ ጸገማት [ሽቕለት ኣልቦነትን ስደትን] ኣብ ምፍታሕ፣ ወጻኢታት ኢንዳስትሪ ኣብ ምንካይንን ከባቢያዊ ውሕስና ኣብ ምርግጋጽን ሓጋዚ ተራ ከም ዘለዎ ይእመን።