ሶማሊያ፡ ኣብ ቲክቶክ ንሞ ፋራሕን ትሬቨር ኖህን ሓዊሱ ሚሊዮናት ዝጸለወት ኒምኮ ሃፒ

ሽም ኒምኮ ሃፒ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣዝዩ ዝተፈልጠን ኣብ ዓለም ሚሊዮናት ዝፈተውዎን'ዩ።
እቶም ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ወጻእ ዘለው ህዝብታት ዓለም ግን ቅድሚ ሓደ ወርሒ'ዮም ብዛዕብኣ ሰሚዖም።
ኣብዚ መበል 21 ክፍለ ዘመን ሓድሽ ዝብሃል ታሪኽ ኣለዋ።
እቲ 'Isii Nafta' ብዝብል ዝሰመየቶ ብናይ ኢንግሊዘኛ 'I Love You More Than My Life' ዝብል ትርጉም ዝተዋህቦ ብ2017 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ዝሰርሐቶ ሙዚቃ ኣዝዩ ፍሉጥ ኮይኑ ኣሎ፤ ንዕኣ'ውን ህቡብነት ኣምጺኡላ።
ኣብ ሶማሊያ መርዓ ተደጊሱ፡ እዚ ደርፊ ከይተኸፍተን በዚ ሙዚቃ ከይተጎየለን ኣይውጻእን።
ብወርሒ ጥሪ፡ ኣብ ቲክቶክ ጸላዊ ዝኾነ ኢንግሊዛዊ-ሶማሊያዊ ኣካፊ ዓሊ ኣብ ሓደ መርዓ ብደርፊ እናተላህየ ዝተቐርጾ ምስሊ ጠቂዑ።
ኣብዚ ደርፊ ዘሎ ሓደ ሰሓቢ ነገር ድማ ቐልቢ ብዙሓት ሰዓብቱ ክገዝእ ስለ ዝኽኣለ፡ ኣብ መዓልቲ ሓደ ሚሊዮን ሰባት ርእዮምዎ።
ሕጂ ዝተፈላለዩ ሰባት ደርፊ ኒምኮ እናደረፉ ቐሪጾም ዝዘርግሑዎም ልዕሊ 100 ሽሕ ቪድዮታት ኣብ ኦንላይን ኣለው።
ኣመሪካዊ ራፐር ካርዲ ቢ፣ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኮሜዲያን ትሬቨር ኖህ፣ ኢንግሊዛዊ- ሶማሊያዊ ኣትሌት ሞ ፋራሕ ሓዊሱ ብዙሓት ፍሉጣት ሰባት'ውን ተመሳሳሊ ቪድዮ ተቐሪጾም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ንሰዓብቶም ኣካፊሎም።
እዚ፡ ደርፊ ኒምኮ ካብቲ ብተመሳሳሊ ምስቲ ብዙሕ ዘይፍለጥ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ስነ ጥበባዊ ማስተር ኬይጂ ዝሰርሖ ደርፊ ጀሩሳሌም ዝለዓለ ተቐባልነት ዝረኸበ ደርፊ ንላዕሊ በቒዑ ኣሎ።
ጀሩሳሌም፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ብዙሓት ተጠቀምቲ ቲክቶክ ይቀባበልዎ ከም ዝነበረ ይዝከር።
ሙዚቃ 'Isii Nafta' ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ዓለምን ኩነታትን ንዘለው ሰባት ምንጪ ሓጎስ ክኾኖም እንከሎ ብፍሉይ ሶማሊያውያን ዝሕበንሉ፣ ጽቡቕ ስምዒት ክስምዖምን ክፍለጡን ዝገበረ ኮይኑ ኣሎ።
ኒምኮ መን'ያ? ብዛዕባ እዚ ህቡብነት እንታይ ትብል?
ብዙሕ ቃለ መጠይቕ ሂባ ኣይትፈልጥን።
ኣብ ቀረባ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ግን ኣብዚ ማሕበራዊ ሚዲያ ጸላዊት ምዃና ዝፈለጠትሉ ኣጋጣሚ ኣብሪሃ።

"ኣብ ገዛይ'የ ነይረ። ሓደ ዩትዩበር ኣብ ናቱ ገጽ ብዙሓት ሰባት ከም ዝርኣዩዎ ዝገልጽ ቪድዮ ልኢኹለይ። ንበዓል ቤተይ ነጊረዮ፤ 'ሙዚቃኺ ብዙሕ ስ ርእዩዎ ኣሎ' ይብለኒ። 'ኣይተረድአንን፤ ከመይ?' ኢለዮ።
"ኣይተጸበኹዎን፤ ዳርጋ ሕልሚ'ዩ። ክኣምኖ ኣይክኣልኹን!። ኩል ግዜ ይምነ ነይረ፤ ግን ክኣ ካብ ዝዝርጋሕ ብዙሕ ግዜ ዝገበረ ስራሕ ክንድዚ ዝኣክል ሰፊሕ ተቐባልነት ክረክብ'ዩ ዝብል ግምት ኣይነበረንን" ኢላ።
ኒምኮ፡ ኣብ ሞቓድሾ ተወሊዳ። ግን ድማ ኣብ ሃርጌሳን ርእሰ ከተማ ኬንያ ዝኾነት ናይሮቢን'ያ ዓብያ።
ካብ ስነ ጥበባዊ ዝኾነ ስድራቤት'ያ መጺኣ፤ መብዛሕትኦም ገጠምቲ።
ካብ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ድማ ሙዚቀኛ ኮይና። ኣብ ናይሮቢ 'Fan-dhis' ኣብ ዝተባህለ ባንድ ሙዚቃ ኣባል ነይራ።
ሓደ መዓልቲ፡ ብ2017 ንበዓል ዒድ ኣብ ዝተዳለወ ፕሮግራም ቴሌቪዥን ሙዚቃ ክተቕርብ ተዓዲማ።
"እዚ ናይ ፍቕሪ ሙዚቃ ክደርፍ [Isii Nafta] ዓዲሞምኒ። ኣነ ኽኣ ፈትየዮ፤ ንሶማሊያውያን ብኽልተ ቋንቋ ሓዊስኻ ምድራፍ ኽኣ ሓድሽ ስለ ዝነበረ ጽቡቕ ነይሩ" ትብል።
Isii Nafta - ቋንቋታት ኢንግሊዘኛ፣ ስዋሂሊን ዓረብን ዝሓወሰ ደርፊ'ዩ።
ሕጂ ብዙሓት ሰባት ነዚ ሙዚቃ እናደረፉን እናተለሃዩን ብዝተፈላለዩ መገዲታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከቕርቡዎ ምርኣያ ኣዝዩ ከም ዘሐጎሳ ትዛረብ።
"ሕጉሳት ሰባት ክርኢ ከለኹ ደስ ይብለኒ፤ ኣብ ባንዴራ ሶማልያ ጠቕሊሎምኒ ኣለው። ብኣይ ሕቡናት ከም ዝኾኑን ሶማሊያ ክትፍለጥ ገይርኺ ኢኺ እናበሉን የመስግኑኒ። ንሶማልያ ይፈትዋ'የ፤ ወትሩ ሽም ሶማሊያ ኣብ ርእሰይን እንግድዓይን ጸይረ'የ ዝኸይድ" ትብል።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ፖሊዶር ሪከርድስ ፈሪማ ኣላ።
"ኢንሻ ኣላህ፡ መደባት ኣለውኒ። ብቋንቋ ሶማል ክደርፍ'የ። ነቶም ብደረጃ ዓለም ዝንእሱኒ ዘለው ሰባት ክኣ ንዝሃብኹምኒ ክብሪ የቐንየለይ ይብሎም" ትብል።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







