ቅልውላው ትግራይ፡ ‘ህጻናት ካብኦም ንላዕሊ ኤኬ47 ተሰኪሞም ምስርኣኹ ሓዚነ’ - 'ኪው ራፕ'

ክብሮም ኣብ ስቱዲዮ

ምንጪ ስእሊ, Kibrom

'ኣነ ልክዕ ከም ሓደ ዕድል ትምህርቲ ዘይረኸበ ካብ ሓደ ቑሸት ዝመጽአ ቖልዓ'የ' ዝብል እቲ ሕጂ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ኢንዳስት ሙዚቃ ራፕ ጸብለል ኢሉ ክወጽእ ጻዕሪ ዝገብር ዘሎ ክብሮም በሪሁ [Q.rap] እዩ።

ኮተቴ እንከሎ ኣትሒዙ 'ሙዚቃ ክሰርሕ'የ . . . ናይ ባዕለይ ስቱዲዮ ክኸፍት'የ' ብዝብል ባህጊ'ዩ ዓብዩ።

እቲ ሕጂ ኣብ ላስቬጋስ ታሕተዋይ ደረጃ ራፐራት ዝርከብ ክብሮም፡ ከም ተምኒቱ ሙዚቃታቱ ዘቃምመላ ንኡሽቶ ስቱዲዮ ንምውናን በቒዑ'ዩ።

ካበይ ተበጊሱ ዝብል ሕቶ እንተተልዒሉ ግን ብዙሕ ታሪክ ኣለዎ።

Short presentational grey line

ክብሮም፡ ወዲ 13 ዓመት ምስ ኮነ ብስደት ካብ ሃገር [ኢትዮጵያ] ክወጽእ እንከሎ ን15 ዓመታት ኣብ ካሊፎርኒያ ግዳም ሓደር ኮይኑ ደገ ደገ እናበለ'ዩ ዓብዩ።

እዛ ንዕኡ ዘዕበየት ካሊፎርኒያ፡ እታ ኣብ ኣመሪካ እትርከብ ከም ኮሎምቢያ ፒክቸርስን ዲስኒን ዝበሉ ዓበይቲ ስቱዲዮታት ፊልም ዝርከቡላ መንደር ኣይኮነትን፤ እታ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ እትርከብ ካሊፎርኒያ'ያ።

ኣብ ሓደ እዋን፡ ክልተ ኣሕዋት ፕሬዝደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋሜ ኣብኡ ከም ዝነበራን ብስደት ኣብ ኬንያ ትነብር ምስ ዝነበረት በዓልቲ ቤቱ'ውን ኣብ ካሊፎርኒያ ከም ዝተራኸበን ነበርቲ እቲ ኸባቢ ይዛረቡ።

እታ ግዝኣት ኣመሪካ ዝኾነት ካሊፎርኒያ ብሆሊውድ፤ እታ ናይ ናይሮቢ ካሊፎርኒያ ድማ 'ጌንጌ' ብዝብሃል ፍሉጥ ቅዲ ሙዚቃ ራፕ ኬንያ ይፍለጣ።

ክልቲአን ብዘይካ ሽም ካልእ ዘራኽብ የብለንን፤ ስለ ዝኾነ ድማ እታ ብልሙድ 'ካሊፍ' እናተባህለት እትጽዋዕ ናይሮቢያዊት ካሊፎርያ ብዝኾነ መዐቀኒ ነታ ኣመሪካዊት ካሊፎርኒያ ዘመሳስል ኮነ ዘጸጋግዕ ትሕተ ቕርጺ የብላን።

ክብሮም ኣብቲ ግዜስ "ዳርጋ ሻውል'ያ ትመስል ነይራ" ክብል ነታ ዝዓበየላ ከባቢ ይዝክራ።

ኣብዛ ኣፍሪቃዊት ካሊፎርኒያ ዝዓበዩ ጁዋ ካሊን ኖኒኒን ብዝብል ናይ መድረኽ ሽሞም ዝፍለጡ ክልተ ፍሉጣት ደረፍቲ ሂፕ ሆፕ ኬንያ፡ ኣብ መጀመርታ 2000 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ብቋንቋ ስዋሂሊ ሂፕ ሆፕ ሙዚቃ ምድራፍ ክጅምሩ እንከለው፡ ክብሮም ኣብ ጎኖም ከፍ ኢሉ እቲ ዝኾኑዎ ኮይኑ፣ ዝብሉዎ ኢሉ እንታይነት ሙዚቃ ተማሂሩ።

ሕጂ፡ ንሱ'ውን ከምኦም በቲ Q.rap M.O.D.B ዝብል ናይ መድረኽ ሽሙ ዝፍለጥ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ቲክቶክ ድማ ኣዝዮም ኣዘራረብቲ ካብ ዝኾኑ ስነ ጥበባውያን ሓደ ንምዃን በቒዑ ኣሎ።

ኣብቲ ግዜ፡ ስደተኛ ኮይኑ ስሩዕ ህይወትን መንበሪ ገዛን ሓሪሙዎ ሓደ ሻብ ኣብ እንዳ ሰብ ካልእ ሻብ ድማ ኣብ ግዳም እናበለ'ዩ ዓብዩ።

ብኣንጻሩ፡ ጁዋ ካሊን ኖኒኒን ጽቡቕ ተፈላጥነት ክረኽቡ ዝጀመርሉን 'ካሊፍ ሪከርድስ' ዘቖምሉን ግዜ ነይሩ።

ነቲ ፎቖድኡ ኾለል እናበለ ዝዓቢ ዝነበረ Q.rap ግን 'መጺኡ'ዶ ኣይመጽአን?' ኢሎም ዝድንግጹሉን ዝጸናጸኑን ሰባት ንሳቶም ነይሮም።

"መንነተይ ብዘየገድስ ገጽ ከሊኦምኒ ኣይፈልጡን፤ ዝሓለፍኹዎ ህይወት ኩሉ ተደሚሩ ድማ ሃኒጹኒ'ዩ" ዝብል ክብሮም፡ ብኩነታት መነባብርኡ ከይተዓንቀፈ 'ንለውጢ ህንጥይ' ከም ዝነበረ ይዛረብ።

'ሙዚቃ ኩሉ ነገር ክርስዖ ገይሩ'ዩ'

ክብሮም፡ ኣብ ኬንያ ሙዚቃ ምስራሕ ክጅምር እንከሎ [ኬንያውያውያን ሙዚቀኛታት] 'ሽምኻ ከቢዱና' ይብሉዎ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብታ ሃገር ሙዚቃታት ይሰርሐሉ ናይ ዝነበረ ኲንሲ መርፊን ዝተባህለ ክኢላ ሽም ወሲዱ ሽሙ ካብ ዝሓድጎ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ስለ ዝተቖጽሩ ግን ብኵንሲ መርፊን'ዩ ዝጽዋዕ።

ንሱ፡ ኣብ ዞማ ማእኸል ትግራይ ነበለት እምባሰነይቲ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ'ዩ ተወሊዱ።

ኣብቲ ግዜ፡ ነበለት ዝተማልአ ትሕተ ቕርጺ ዘይብላ ንኡሽቶ ዓዲ'ያ ነይራ፤ ሕብረተሰብ እቲ ኸባቢ ግን ኣብ ፖለቲካ ልዑል ተሳትፎ ከም ዝነበሮ ይዝረብ።

ክብሮም፡ ልክዕ ከምቲ ካልእ ትግራዋይ ማይ ውረድ ወይ ዕንጸይቲ እረ እናተባህለ፣ ናይ ጨርቂ ኩዕሶ ጠቕሊሉ እናተጻወተ፣ እንክጋገ ከኣ እናተገሰጸ ስለ ዝዓበየ "ኩሉ ናይ ቁልዕነት ትዝታተይ ጥዑም'ዩ" ክብል ይገልጾ።

ኣብ ስደት ግን፡ ነዚ ቑልዕነቱ ዝብሕት ጸገም ኣይጠፍአን።

ዋላ'ውን ሙሉእ ዝኽሪ እንተዘይሃለዎ፡ ወላዲኡ ብምኽንያት ፖለቲካ ጸቕጢ ይበጽሖ ስለ ዝነበረ፡ ወዲ 13 ዓመት ምስ ኮነ ብ1997 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ምስ ኣቡኡን ኣሕዋቱን ናብ ኬንያ ከም ዝተሰደዱ ይዛረብ።

ድሕሪኡ እቲ ናይ ቁልዕነት ግዝኡ ብጉያን ገልታዕታዕን ክሓልፍ ግድን ኮነ።

"ናብ ኬንያ ምስ መጻእና፡ ባህሎም፣ ቋንቁኦም ፍሉይ'ዩ፤ ስደተኛታት ስለ ዝኾንና ድማ ፖሊስ ከይረኽበና ተሓቢእና ኢና ንውዕል [ንሓደ ዓመት ዝኸውን ንፈርሕ ነይርና]" ይብል።

ክብሮም በሪሁ

ምንጪ ስእሊ, Kibrom

ኣብ ኬንያ ዝዝረብ ቋንቋ ስዋሂሊ ንምልማድ ብዙሕ ግዜ ስለ ዘይወሰደሉ፡ በዓል ጁዋ ካሊን ኖኒኒን እቲ 'ጌንጌ' ዝብሃል ቅዲ ሙዚቃ ራፕ ኬንያ ክጻወቱ እንከለው፡ "ኣነኸ እንታይ ዓይነት ሰብ ክኸውን ይኽእል ዝብል እናሓሰብኹ" ብሙዚቃ ክስሓብ ጀሚረ ኢሉ።

እዚ ድማ፡ "ከም ቖልዓ ወትሩ ንኣደይ ዘኪረ ከም ሕሉፍ ምብካይ እናነከየ ንክኸይድ፡ ሙዚቃ ኩሉ ነገር ክርስዖ ገይሩኒ'ዩ" ይብል።

'ኣክቲቪዝም' ሙዚቃ

መብዛሕትኦም ስነ ጥበባዊ ስረሓት ኣመሪካዊ ራፐርን ተዋሳእን ቱፓክ ሻኩር፡ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ዘጋጥሙ ማሕበራዊ ጉዳያት ዘልዕሉ ብምንባሮም ክሳብ ሕጂ ኣርማ ቓልሲ ኣንጻር ዘይማዕርነት ተገይሩ ይውሰድ።

እዞም ሙዚቃታት ንQ.rap ካብ ሞንጎ ዝጸልዉዎ ስረሓት ስለ ዝነበሩ ኣብ 15 ዓመቱ ናብ ናይ ሙዚቃ 'ኣክቲቪዝም' ኣትዩ።

ካብ መወዳእታ 2005 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ ድማ ጉዳይ ህጻናትን ሶማሊያን ድማ ቀንዲ ትኹረቱ ነይሮም። ኣብዚ ስለ ምንታይ? ብኸመይ? ዝብል ሕቶ ምልዓል ኣገዳሲ'ዩ።

Q.rap፡ ኣብቲ ግዜ ፖለቲካን ካልእን ዝርድኦ ሰብ ኣይነበረን፤ ንሶማሊያን ኩነታታን ግን ተደናጋጺ ነይሩ።

እታ ሃገር ንብዙሕ ዓመታት ብኲናት ሓድሕድ ትሕመስ ዝነበረት ምዃና እናሰምዐ ምዕባዩ፤ ብኣውርኡ ድማ "ካብኦም ዝዓቢ ብረት ዝተሰከሙ ህጻናት" ምርኣዩ ናብ ጎስጓስ ምኽባር መሰላት ህጻናትን ቖልዑን ክኣቱ ከም ዝደረኾ ይዛረብ።

"ቋንቁኦም ወይ ፖለቲክኦምን ተረዲኡኒ ኣይኮነን፤ ግን ኣልሸባብ መጺኦም ቆልዑ ንወተሃደር ክምልመሉ ክሰምዕ እንከለኹ ክቕበሎ ኣይክኣልኩን። ምኽንያቱ ንርእሰይ'ውን ደገ ደገ ኢለ ዝነብር ቖልዓ ስለ ዝነበርኹ ህጻናት ኤኬ47 [ከላሽን] ተሰኪሞም ኣብ ሞቓድሾ ሰብ ቀቲሎም ክብሃል እንከሎ ክሓርቕ ጀሚረ" ክብል የዘንቱ።

ድሕሪ'ዚ ኪነ ጥበባዊ ስረሓት ተጠቒሙ ቃልሲ ኣንጻር ወጽዓ ህጻናት ሶማሊያን ተግባራት ራዕዲ ኣልሸባብን ጀሚሩ።

"እዞም ህጻናት ኣይስክሬምን መጽሓፍን እንተዝወሃቡ ተሓጒሶም ካልእ ምገበሩ። እቶም ብረት ኣዕጢቖም ዘሰልፉዎም ዝነበሩ ዓበይቲ ሰባት ዝህቡዎም ብረት ስለ ዝኾነ ነቶም ከምኣቶም 'ሕሉፋት' ዘይኮኑ ንኽቐትሉ የገድዱዎም ነይሮም" ይብል።

እቲ ኣብ ሻውላት ኬንያ ዝሓልፎ ዝነበረ ህይወት መስታወት ካልኦት ህጻናት እናኾኖ፡ ዚያዳ ንመሰል ህጻናትን መናእሰይን ዝግደስ ሰብ ክኸውን ከም ዝጸለዎ ይኣምን።

"በቲ ግዜ፡ ንዓይ ጽቡቕ ክዳንን ጫማን ሂቡ ናብ ቤት ትምህርቲ ኪድ ዝብለኒ እንተዝረክብ ኣይምጸላእኹን። ንሳቶም'ውን ብናይ ባዕለይ መስተዋት'የ ዝርእዮም ነይረ። ስለዚ ቖልዑት ዕድል ኣይወሃበናን ዘሎ ዝብል ጉዳይ'ዩ ደፋፊኡኒ" ክብል የዘንቱ።

ካብዚ ብዝብገስ፡ ምስ ካልኦት ሸሞንተ ሶማሊያውያን ብምዃን፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ ህጻናት ሶማሊያ ዝበጽሑ በደላት ዝኹንኑ፣ ፍቕርን ሓድነትን ዝሰብኹ፣ ትምህርትን ምክእኣልን ዝጉስጉሱ 17 ሙዚቃታት ብቋንቋታት ስዋሂሊ፣ ሶማልን ኢንግሊዘኛን ሰሪሑ።

እዚኦም ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኬንያን ዝመወሎም ኮይኖም፡ ንስራሕቶም ሒዞም ኣብ ሞቓድሾ፣ ፑንትላንድን ካልኦት ከባቢታትን እታ ሃገር ብምዝውዋር ዘይቃደው ዓሌታት ንሰላም ክራኸቡን ክጉስጉሱን ገይሮም'ዮም።

ክብሮም ምስታ ሶማሊያውያን ዘቖሙዋ ጉጅለ ዝሰርሑዎ ሙዚቃታት ንምቅራብ ናብ ሶማሊያ ኣብ ዝተጉዓዝሉ እዋን

ምንጪ ስእሊ, Kibrom

መግለጺ ስእሊ, ክብሮም ምስታ ሶማሊያውያን ዘቖሙዋ ጉጅለ ዝሰርሑዎ ሙዚቃታት ንምቅራብ ናብ ሶማሊያ ኣብ ዝተጉዓዝሉ እዋን

እንተኾነ ሙዚቃዊ መልእኽቶም ነታ ጉጅለ ሙዚቃ ብኣልሸባብ ከምእትጥመትን ኣብ ገለ ኣባላታ መጥቃዕቲ ከምዝበጽሕን ኮይኑ።

"መራሒ እታ ጉጅለ ዝነበረ ንፉዕ ሶማሊያዊ ብጥይት ተሃሪሙ ቖሲሉ፤ ንሓንቲ ካብተን ኣባላትና ድማ ናብ ገጻ ኣሲድ ተደፊኡዋ። ድሕሪኡ ኣነ'ውን ብዙሕ መፈራርሒ መልእኽቲ ይበጽሐኒ" ይብል።

እቲ ብልግሲ ሶማሊያውያን፣ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ከም ዝዓበየ ዝዛረብ ስነ ጥበባዊ Q.rap፡ "እቲ ዝሓለፍኹዎ ህይወት ወጽዓ ዘይቕበል ሰብ ክኸውን'ዩ ገይሩኒ" ብምባል ደፋርን ነቓፍን ከም ዝኾነ ይገልጽ።

ይኹን'ምበር፡ ኣብቲ ግዜ "ንድሕነተይ ዘስግኡ ነገራት ስለ ዝበዝሑ ኣብ መወዳእታ 2008 ሃዲመ ናብ ኢትዮጵያ ከይደ። ሽዑ ኣጣሊ ጽዒነን ኣብ ዝኸዳ መካይን ተሰቒለ ከይረግጻኒ እግረን ሒዘ'የ ሓሊፈ። ብዙሕ ከርተት ኢለ። እዚ ኹሉ ምህዳምን ካልእን ትሕቲ 15 ዓመት ህጻናት ዕድል ኣይተዋህቦምን ካብ ዝብል ጣዕሳ ዝነቅል'ዩ" ክብል ይገልጾ።

ክብሮም ኣብዚ ሕጂ እዋን 21 ነጸላ ዜማታት ሰሪሑ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Kibrom

Short presentational grey line

'ግዜ ምስ ነውሐ ኣደይ ሞይታ'ያ ኢለ ኣሚነነይረ'

Q.rap፡ ህይወተይ ሙሉእ ኣብ ዝኾነ ክፋል ዓለም ሰባት ክጉድኡ እንከለው ስቕ ኢለ ኣይፈልጥን'ዩ ዝብል።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣመሪካዊ ራፐር ኒፕሰይ ሃስል ብጥይት ምስ ተቐትለ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከኣ ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ "ከተንፍስ ኣይክእልን ዘለኹ" እናበለ ብጭካነ ብፖሊስ ኣብ ክሳዱ ተረጊጹ ምስ ሞተ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኢትዮጵያ ስነ ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ምስ ተቐትለ ሙዚቃታት ብምስራሕን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብምንጣፍን ንሰብኣውነት ከም ዝተቓለሰ ይሕብር።

ክሳብ ሕጂ 21 ስረሓት ሙዚቃ ክፍንው እንከሎ፡ ትሕዝቶ መብዛሕትኦም ስረሓት ንግዳም ሓደር፣ ንኣዶ፣ ደቂ ኣንስትዮ ንምትብባዕ ጠሚቶም ዝተፈላለየ ታሪኻት ዝሓዙ'ዮም።

ኣብቲ ዓመቱ ቀሪቡ ዘሎ ኲናት ትግራይ "ቤተ ሰብ ደዊሎም ጓል ሓፍተይ ብወተሃደራት ተዓሚጻ፣ ሓዋ'ውን ተቐቲሉ ኢሎም ምስ ነገሩኒ ጸልሚቱኒ" ክብል ይገልጾ።

እቲ ኲናት ክጅመር እንከሎ፡ "ሰንቢደ . . . እናጸንሐ ምስ ከደ ድማ ልበይ ተሰይሩ፤ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ህጻናት እናተቐተሉ ርእየ፤ ኣዋርሕ እናወሰኸ ምስ መጽአ፣ ዜናታት ጾታዊ ዓመጽ፣ ደብዳብ ህጻናት ዝገልጹ ዜናታትን ቪድዮታትን ምስ ርኣኹ፡ ኩሉ ነገር ተለዊጡኒ። ኩሉ መንግስትን ፖለቲከኛን የጥፍእ'ዩ፤ ህዝቢ ኲናት ጠጠው ይበል ዘይምባሉ ግን ጎዲኡኒ። ሕጂ ካብቲ ኲናት ዝብኣሰ ጥምየት ኣሎ። እዚ ኸቢድ ይገብሮ" ገሊጹ።

ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ እቲ ኲናት ንሰላምን ፍቕሪ ህዝብታትን ዝትንክፍ 'How did we get here' ዝብል ሙዚቃ እኳ እንተሰርሐ ብዙሕ ሰማዒ ከም ዘይረኸበት ይዛረብ።

ቐጺሉ ግን፡ ኣብ ናይ ሙዚቃ ህይወቱ ንፈለማ እዋን ንመናእሰይ ደቂ ኣንስትዮን ትግራይ ዝውክላ ደርፍታት ብኢንግሊዘኛን ትግርኛን ሰሪሑ።

"ኣብ ደርፈይ ፖለቲካ ኣየልዕልን፤ ስነ ጥበባዊ ስለ ዝኾንኩ ክሓውስ'ውን ኣይደልን። ብሰንኪ እዚ ኲናት ዝበጽሐኒ ቓንዛ ግን ብሙዚቃ ክገልጾ'የ" ይብል።

ብምኽንያት እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት፡ ቑጽሮም ብወግዒ ዘይተፈልጠ ኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት፤ ኣብ ትግራይ ድማ ቴሌፎንን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ተቛሪጾም ኣለው።

'ኣደይ ዓይነይ'ያ' ዝብል Q.rap ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዕጽዋን ምቁራጽ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ቅድሚ ክልተ ቕነ'ዩ ብመገዲ ቐይሕ መስቀል ኣቢሉ ድሃይ ወላዲቱ ረኺቡ።

"መጀመርታ እቲ እትሰምዖ ሓበሬታ ነየንኡ ትኣምን ዘጠራጥር ጸልማት'ዩ ነይሩ። ግዜ ምስ ነውሐ ኣደይ ሞይታ'ያ ኢለ ኣሚነ ውሒጠዮ ነይረ፤ ኣጋጣሚ ናብ መቐለ መጺኣ ምስ ደወለትለይ ግን ተሓጒሰ፤ ግን በቲ ኩነታት ይሻቐል'የ" ኢሉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ሓደ ነገር ይምነን ተስፋ ይገብርን።

"ሓደ ሰብ ዝሓለፈ ሓሊፉ'ዩ፤ ሎሚ ግን እዚ ኲናት ጠጠው ክነብሎ ኢና እንተዝብለኒ ዕልል ምበልኩ። ምኽንያቱ ጥምየት ዝኸፍአ ምዃኑ ዝጠመየ ጥራይ'ዩ ዝፈልጦ፤ ኣነ ብኡ ስለ ዝሓለፍኹ ቀሊል ኣይኮነን" ይብል።

Q.rap፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዑል ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎ ኣቦ ክልተ ቖልዑትን በዓል ሓዳርን'ዩ።

እቶም ኣብ እዋን ቁልዕነቱ ደርፍታት ማይክል ጃክሰን ኣምሲሉ [ኣይክእሎን] ክደርፍ እንከሎ ዝዘናግዑ ዝነበሩ ዓበይቲ ኣሕዋቱ ሕጂ "ናይ ሓሶት ኢንግሊዘኛ ትደርፍ ነይርኻ ኢሎም" እናተዋዘዩ ይኾርዑሉ።

እታ ልዕሊ ኹሉ ዝብላ ኣዲኡ ግን ኢንግሊዘኛ ስለ ዝደርፍ 'ኩሪ ምርይ እዩ ዝብል' ትብሎ ነይራ።

"ኣደይ ትሕበነለይ ምዃና ገጻ'ዩ ዘፍልጥ። በተን ሕጂ ዝሰራሕኹወን ሙዚቃታት ድማ ክትምርቐኒ ድያ ክትኹርየለይ ኣይፈልጥን፤ [ኩነታት ምስ ርሃወ] ኢና ክንርኢ" ብምባል ኲናት ትግራይ ዘብቅዐሉ መዓልቲ ብሃረርታ ይጽበ።

ክብሮም፡ ቋንቋታት ሶማል፣ ስዋሂሊ፣ ኩኩዩ፣ ኢንግሊዘኛ፣ ትግርኛን ኣምሓርኛን ስለ ዝዛረብ፡ ኣብ ቐረባ እዋናት ኣፍሪቃዊ ቃና ዘለዎ ንቋንቋታት ስዋሂሊ፣ ትግርኛን ኢንግሊዘኛን ዝሓዙ ስራሕቲ ሙዚቃ ከቕርብን ኣብ ምድላው ይርከብ።

ኣብቲ ሽሙ ገኒኑሉ ዘሎ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተፈላለየ መልእኽትን ስምዒትን ዘለዎም ርኢይቶታት ክበጽሑዎ ከለው ግን ፈጺሙ ከም ዘይሓርቕ ይዛረብ።

"ዘሕርቑ ርኢይቶታት ዝሓሸ ሰብ'ዮም ዝገብሩኻ፤ ዚያዳ ብዝተፈተንኻ ቑጽሪ ዝሓሸ ነገር ኢኻ ትሰርሕ ኢለ ስለ ዝሓስብ፡ ኣይሓርቕን" ብምባል "ምቑሉል ምዃን ጸጋ'ዩ" ይብል።