ቪክቶር ቶሲ፡ 33 ዓመት ዘቑጸረት ደርፊ ኣብ ቤላሩስ መዝሙር ለውጢ ኮይና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ቤላሩስ ንዝቕጽል ዘሎ ተቓውሞ ንዝከታተል ሰብ፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ ጉጅለታት ተሳተፍቲ እቲ ተቓውሞ ዝስማዕ ሓደ ዓይነት ድምጺ ምስምዑ ኣይተርፎን።
እዚ ድምጺ ሓንቲ ደርፊ ኮይና፡ 'ኮቹ ፔርሜን' መጸውዒ እታ ደርፊ'ያ።
ብዛዕባ ለውጢ ተዝይም፤ ንዓመታት ድማ መቓልሕ ኣብ መላእ ምብራቕ ኤውሮጳ ንዝርከቡ ሚልዮናት ህዝቢ ኮይና ኣላ።
ኣገዳስነት እዛ ደርፊ ንምርዳእ ቅድሚ 30 ዓመት ኣብ ሴንት ፒተርስበርግ ዝሞተ መንእሰይ ኢንጅነር ምዝካር ግድን ክኽውን አዩ።
ብ1980ታት ቪክቶር ቶሲ ዝሰርሐሉ ዝነበረ ኣቑሑ ሜካኒክን ኤሌክትሪክን ዝቕመጠሉ ክፍሊ ኣብዚ ሕጂ እዋን ቅዱስ ቦታ ኮይኑ ንዝኽሩ ተዓቂቡ ይርከብ።
ኢንጀነር ቶሲ፡ ክሳብ ክንድዚ ሽሙ ዘጸውዖ ስራሕ ሰሪሑ ዝሓለፈ ኣይኮነን።
የግዳስ ብ1987 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ዝፈረየ 'ኣሳ' ዝተባህለ ፊልም ኣብ ሕብረት ሶቭየት ህቡብነት ዘጥረየ ስነ ጥበባዊ ስረሓት'ዩ።
ሓደ መንእሰይ ደራፊ ድማ ናብ ሬስቶራንት ብምኻድ ሕግታት ፍሉጥ ምርኢት ኣቕራቢ ወይ'ውን ተዋሳኢ እናተዛረበ እቲ ፊልም ክውዳእ ይርኣይ።
ገጣሚ ምዃኑ ብምግላጽ ናብቶም ዝጽበዩዎ ዘለው ጉጅለ ሙዚቃ ይሕወስ።
እቲ ደርፊ እናበርትዐ እንትኸይድ እቲ ካሜራ ኣብ ዙርያ ቪክቶርን ኣብቲ ንብዙሓት ሰባት ምርኢት ዘቕርብ ዘሎ ጉጅለ ሙዚቃን ትዘውር።
እዚ ደርፊ "ኮቼ ፔርሜን" እዩ፤ [ለውጢታት፣ ለውጢ ንጽበ ኣለና] ዝብል ደርፊ።
ብዛዕባ ቶሲ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሃርሊንግሃም ዝጽሓፈት ካሮሊን ሪድለር፡ እቲ ኣጋጣሚ ምስ ህዝቢ ከም ዘላለዮን "ኣርማ ለውጢ" ኮይኑ ከም ዘስመዮን ትዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መጀመርታ 1980ታት ኣብ ሶቭየት ሕብረት ዝለዓለ ምንቅስቓስ ለውጢ ዝነበረ ቅዲ ሙዚቃ ሮክ እዩ።
በዚ ምኽንያት ጽኑዕ ክትትል ይግበር ስለ ዝነበረ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዝፈረዩ ስራሕቲ እዚ ቅዲ ሙዚቃ ተሓቢኦም ናብታ ሃገር ይኣትው ነይሮም።
ፊልም 'ኣሳ' ግን ምልክት ቅልጡፍ ናይ ባህሊ ለውጢ ብምዃን ሚካኤል ጎርቫቾቭ ሒዙዎ ንዝመጽአ ፖሊሲታት ግላስኖስትን [ግሉጽነት] ፔሬስትሮካን [ፖለቲካውን ቑጠባውን ዳግመ ምውቓር] መበገሲ ኮይና እያ።
እነሆ ኣብ መበል 30 ዓመት ድማ ቶሲ ኣብታ ፊልም ዝተጻወታ ሙዚቃ ኣብ ቤላሩስ ጎደናታት ሚኒስክ ለውጢ ብዝጠልቡ ተቓወምቲ ትጋዋሕ ኣላ።
ብ2011 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ]፡ ኣብ ሩሲያ'ውን ኣንጻር ፕሬዝደንት ቭላድሚር ፑቲን ብዝወጽኡ ተቓወምትን ደገፍቲ ፑቲንን ተደሪፋ እያ።
ካሮሊ ሪድለር "ሕጂ እዛ ደርፊ መዝሙር ፖለቲካዊ ተቓውሞ ኮይና'ያ" ትብል። ግን ድማ ቶሲ ከም ሓደ ናይ ሰውራ ሰብ ገይርካ ምጥቃም ጌጋ እዩ ኢላ።
ንሱ ከም ዝበሎ እቲ ደርፊ ፖለቲካዊ መዝሙር ክኸውን ወይ'ውን ናይ ለውጢ ኣርማ ተገይሩ ክውሰድ ዝብል ዕላማ ኣይነበሮን ትብል።
"ግላስኖስትን ፔሬስትሮካን ንክመጽእ ይገብር ነይሩ። ብቴሌቪዥን'ውን ቀሪቡ ይፈልጥ'ዩ። እቲ ደርፊ ብዛዕባ ውሽጣዊ ለውጢ ምዃኑ ድማ ተዛሪቡ'ዩ"።
ሓቂ'ዩ፡ እቲ ደርፊ ብብዙሕ መልክዑ ካብ መነዓዓቢ ነገራት ዝተፈለየ እዩ።
"ተኸልኪሎም ኣይፈልጡን፤ ፊልም ኣሳ'ውን ናይ ሶቭየት ሕብረት ፊልም ኮይኑ ኣብቲ ግዜ ዝነበረ ወግዓዊ ፖሊሲታት ሶቭየት ዝገልጽ'ዩ" ትብል ካሮሊን።
ይኹን'ምበር ኣብ 30 ዓመቱ ትሕዝቶ ግጥም ቀስቓሲ መዝሙርን እቲ ደርፊን ብርክት ዝበሉ ተቓውሞ ዘስምዑ ናዕበኛታት ድሌታቶም ንምግላጽ ክጥቀምሉ ምኽንያት ኮይኑ'ዩ።
ግጥምታት እቲ ደርፊ ብግልጺ ነዚ ዓይነት ለውጢ'ዮም ዝምልከቱ ኢልካ ክትገልጾም ቀሊል ኣይኮነን። ንኹሉ ዓይነት ለውጢ ክትጥቀመሎም ግን ትኽእል።
ቶሲ ግን ስለምንታይ እዩ ዝዝከር ዘሎ?
ኣብ ሩሲያ፡ ሓቢሩዋ ዝነበረት ጉጅለ ሙዚቃ ኪኖ ተኣኻኺባ ቪክቶር ቶሲ ዝሞተሉ ዓመት ትዝክር ኣላ።
ካልእ ዝኽሪ'ውን ኣሎ፤ እቲ ዝዓበየ ኣብ ካዛኪስታን ዝተዳለወ'ዩ። ወላዲ ኣቡኡ ኣብ ካዛኪስታን ካብ ዝርከቡ ኮርያውያን እዩ። ውርሻታቱ ግን ዝተሓላለኹ'ዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቪክቶር ቶሲ፡ ፍሉጥ ሙዚቀኛ ሮክ ክኸውን ዝደሊ ክኢላ ሙዚቃ ሮክን ኣባል ክለብ ሮክ ሌኒን ጋርድን ነይሩ። ኣብ ፊልሚታትን ምድላዋት ቴሌቪዥንን'ውን ብብዝሒ ይቐርብ ነይሩ።
ቪክቶር ቶሲ ብሓደጋ መኪና ብ1990 ወርሒ ነሓሰ እዩ ሞይቱ።
እቲ ግዜ ኣብ ሶቭየት ሕብረት ከቢድ ነውጺ ዝተላዕለሉ'ኳ እንተነበረ ቅድሚ ሶቭየት ሕብረት ምፍርራሳን ፖለቲካዊ ናዕቢ ምልዓሉን'ዩ።
ብ1990፡ ብዙሓት ለውጢ የድሊ'ዩ ይብሉ ነይሮም። ካሮሊን ሪድለር ከም እትብሎ "ቪክቶር ዝጽምበረሉ ደምበ ለውጢ ኣይመረጸን ነይሩ"።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







