ተቓውሞ ቤላሩስ፡ 'መምለሲ የብሉን፤ ህዝቢ ይቕረ ኣይብለናን'

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ቤላሩስ ኣብ ዝተኻየደ ዓመጽ ተሳቲፎም

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ቤላሩስ ኣብ ዝተኻየደ ዓመጽ ተሳቲፎም

ኣቕራቢት ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቤላሩስ ታትያና ቦሮድኪና ፖለቲከኛ ኣይኮነትን።

እኳ ድኣ፡ ወትሩ ንጉሆ ምስ ክልተ ደቃ ተሓጋጊዛ ቅልል ዝበለ ጥዑም መግቢ እተቕርብ ኣደ ሰለስተ ቖልዑት'ያ።

ብምኽንያት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ መረጻ ዝሰዓበ ናዕቢ ኣብ ቴሌቪዥን ቐሪባ ክምስ ክትብል ስለ ዘይትኽእል ስርሓ ከም ዝገደፈቶ ብፌስቡክ ገሊጻ።

ንድሕነታ ዘስግኡዋ ምፍርራሓት ይበጽሓ ስለ ዝነበረ ድማ ደቃ ሒዛ ካብታ ሃገር ክትወጽእ ተገዲዳ።

ታታንያ፡ ካብቶም ንለውጢ ዝድግፉ ሰራሕተኛታት ብመንግስቲ ዝምወል ሚዲያ ሓንቲ'ያ።

ን26 ዓመታት ክስራሕ ዝጸንሐ ፕሮፖጋንዳን ሸፈጥ ሓበሬታን ድማ ፕሬዝደንት ኣሌክሳነደር ሉካሼንኮ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዕድል ከም ዝሃቡዎ ትገልጽ።

ታትያን ምስ ደቃ

ብሰኑይ፡ ሰራሕተኛታት ሃገራዊ ሚዲያ ቤልተለራዲዮ ብ9 ነሓሰ 2020 ዝተኻየደ መረጻ "ዘይሕጋዊ'ዩ" ብማለት ኣብ ልዕሊ ሚዲያ ዝግበር ምምያ'ውን ጠጠው ክብል ኣለዎ ብዝብል ካብ ስራሕ ቦዂሮም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰራሕተኛታት ቴሌቪዥን ቤላሩስ ናይ ስራሕ ኣድማ ስለ ዝገበሩ፡ እቲ ስቱድዮ ጥርሑ ሙዚቃ ጥራሕ ይፍኑ ከም ዘሎ ብማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ብሰፊሑ ዝተዘርግሑ ምስልታት የመላኽቱ።

"ካብዚ ንላዕሊ ሕጉስቲ ኮይነ ንተመልከትቲ 'መቂሩካ ብቐሊሉ ምንባር ይከኣል'ዩ' ክብሎም ኣይደልን" ኢላ ታታኒያ።

እዛ ፍልጥቲ ኣቕራቢት ኤስቲቪ ነዚ ስምዒታ ዝገልጽ ሓሳብ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ምስ ጽሓፈት፡ ሓደ ብሌላ እትፈልጦ ሰብ ናብ ገዝኣ መጺኡ ከም ዘፈራርሓ ገሊጻ።

"ኣብ ጽብቕቲ ሃገር ንነብር ከም ዘለና ነጊሩኒ፤ ኣለስሊሱ የጠንቅቐኒ ከም ዘሎ ብምግላጽ ድማ ጽባሕ ካልኦት ሰባት መጺኦም ካልእ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ነጊሩኒ" ኢላ።

ታታኒያ፡ ሕጂ ኣብ ዩክሬን'ያ ዘላ። እንተኾነ ብቐጻሊ ብቴሌፎና ምፍርራሕ ይበጽሓ ኣሎ።

"ክዛረብ እንተቐጺለ ደቀይ ክወስዱለይ ከም ዝኾኑ ይነግሩኒ" ትብል።

ካልኦት ፍሉጣት ጋዜጠኛታት ዝርከቡዎም ውሩያት ናይ ሚዲያ ሰባት ስርሖም ደው ከም ዘበሉ ይገልጹ ኣለው። መብዛሕትኦም ስለ ምንታይ ስርሖም ደው ኣቢሎም ብግልጺኣ ይዛረቡን።

ታታኒያ ግን፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ተቓውምኦም ዘስምዑ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ዝወሰዱዎ ጭካነ ዝተመልኦ ስጉምቲ ምኽንያት ውሳንኣ ነይሩ።

"ንሰብ ከፈራርሑ'ኳ እንተፈተኑ እቲ ውጽኢት ግን ብኣንጻሩ'ዩ ዝኸውን ዘሎ። እንታይ ከም ዝሓለፈ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይክርስዖን" ትብል ኣብ ልዕሊ ናዕበኛታት መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመን ጃምላዊ ማእሰርቲ ከም ዝነበረን ብምግላጽ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብሓይልታት ጸጥታ ተኣሲሮምን ተሃሪሞምን ካብ ዝነበሩ መሓዙታ ብእትረኽቦም መልእኽታት ቅሳነት ስለ ዘይትረክብ ሰላማዊ ድቃስ ከም ዘይብላ ትዛረብ።

"ንድሕሪት መምለሲ የለን፤ ሰባት ድማ ነዚ ይቕረ ኣይብሉዎን" ትብል።

ሪፖርተር ያና ሽዮኮ ድሃይ በዓል ቤታ ምስ ተስኣነ ተመሳሳሊ ድቃስ ዘይብሎም መዓልታት ኣሕሊፋ'ያ።

ንሱ፡ ነቲ ዝነበረ ተቓውሞ እናስኣለ ዝተረኸበ ጋዜጠኛ ኮይኑ፡ ፖሊስ ኣሲሮምዎ።

በዓል ቤታ ንሰለስተ መዓልታት ብፖሊስ ከም ዝተቐጥቀጠ ብምግላጽ "እዚ ፍጹም ግህሰት ሰብኣዊ መሰል'ዩ" ትብል።

ሪፖርተር ያና

ኣብቲ መዳጎኒ ማእከል ኮይና ብፖሊስ ግህሰት ከም ዝተፈጸሞ ዝገልጽ በዓል ቤታ ኢቫን፡ "ናብቲ መንደቕ ኣጸጊዖምና፤ ማሊያና ቀሊዖም ድማ ብበትሪ ሃሪሞምና" ክብል ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጽአ ተዛሪቡ።

"ድሕሪኡ፡ ናብ መሬት ደርብዮምኒ፤ እናሃረሙ ድማ "ንመን ኢኻ ትፈቱ?" ኢሎም ይሓቱኒ። ክሳብ ሓደ ፖሊስ 'ንቤላሩስ ይፈቱ!' ዝብል ብዛዕባ እንታይ ይሓቱኒ ከም ዝነበሩ ኣይተረድኣንን" ኢሉ።

በዚ ዝሰግአት ያና ክትዛረብ ወሲና።

"ነቲ ህዝቢ ሓደ ነገር ክምህሩዎ ደልዮም፤ ናዕቢ ከልዕል ከም ዘይኽእል ማለት'ዩ። ግን ድማ ውጽኢቱ ከምቲ ዝተጸበዩዎ ኣይኮነን" ኢላ።

ሕጂ ኣብ ርእሰ ከተማ ቤላሩስ ሚንስክ እያ ዘላ።

"ኣብ ታሪኽ ቤላሩስ ከምዚ ዝበለ ዝሰመረ ነገር ርኢና ይንፈልጥን። ጠጠው ንምባል ዝኸብድ ይመስለኒ። ልክዕ ቤላሩስ ዝተወለደት ዓይነት ስምዒት'ዩ ዘለና" ትብል ያና።

ብዓርቢ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ጥቓ ዝተፈላለዩ ቤት ጽሕፈት ብምኻድ፡ ጋዜጠኛታት "ነቲ ሓቂ ኣውጽኡ" እናበሉ ይጠርዑ ነይሮም።

ከምኣ ዝበሉ ፍሉጣት ጋዜጠኛታት ድማ፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ዓመጽን ፖሊስ ዘብጽሖ ዘሎ በደልን ሽፋን ክህቡ ቀጺሎም ኣለው።

"ብፍላይ ድማ ምስ በዓል ቤተይ ዝበጽሐና ማእሰርቲ ክሓስቦ ከለኹ፡ ምስቶም ዝቃወሙ ዘለው ሰባት እየ ዝሰማማዕ" ትብል ያና።

ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ርእሰ ከተማ ወጺኦም ናጻን ፍትሓውን መረጻ ክካየድ እንትሓቱ፡ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ኤስቲቪ ብውሑድ ምስሊ ኣሰንዩ ኣብ ቤላሩስ ዝተኻየደ ዓብዪ ተቓውሞ ኢሉ ብሓጺር ዜና ኣቕሪቡዎ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ቤላሩስ ኣብ ዝተኻየደ ዓመጽ ተሳቲፎም

ምንጪ ስእሊ, EPA

ንፕረዚደንት ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ዝጠመተን ዘረባታቱ ዘካተተን ምድላው ግን 22 ደቓይቕ ተዋሂቡዎ ክቐርብ ተገይሩ።

ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ክትከታተልን "ፕሮፖጋንዳ" ዝብል ቃል ከም ዘይቕበል እትፈልጥን ያና ግን፡ ዋላ'ውን ከምዚ ኮይኑ ናብ ስርሓ ክትምለስ ትደሊ።

"ንመጻኢ ጽቡቕ ጋዜጠኝነት ክህልወና እየ ተስፋ ዝገብር። ህዝቢ ንኹሉ ኣብ ቴሌቪዥን ዝሰርሕ ሰብ ክጸልኦ ከሎ ግን ኣዝዩ'ዩ ዘሕምም" ትብል።

እዞም ኣብ ቀረባ ዝምዕብሉ ዘለው ኩነታት ድማ "ተስፋ ዝህቡ" ኢላ ትገልጾም።

መሓዝኣ ጋዜጠኛ ታታኒያ ግን፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እቲ ፕሬዝደንት መጻኢ ደቀይ ክጽልምት ክርኢ ኣይደልን ብምባል ንተነሓናሒት ስቬትላና ቲክሃኖቭሽካያ'ያ ድምጻ ሂባ።

እቲ ፕረዚደንት 80 ሚኢታዊት ድምጺ ረኺቡ ዝብል ድማ "ፍጹም ዝክኣል ኣይኮነን" ብምባል ትነጽጎ።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ ሓድሽ፣ ታአማንን ናጻን መረጻ ክካየድ ትጠልብ። ክሳብ ሽዑ ግን ናብ ሃገራ ኣይትምለስን።

"እቲ ዝኸውን ዘሎ ኩሉ ቓንዛ ኣለዎ። ናብ ገዛ፣ ናብታ ብርኽቲ ቤላሩስ ክምለስ ይደሊ'የ" ትብል እናነብዐት። "ከምዚ ክገጥመኒ'ዩ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን። ከምዚ ክገብሩና'ዮም ኢሉ ዝሓሰበ ሰብ'ውን ኣይነበረን"።