ማክሰንስ ሜሎ፡ 137 ግዜ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ታንዛንያዊ ጋዜጠኛ

ማክሰንስ ሜሎ ብ2016 ኣብ ዳር ኤስ ሰላም- ታንዛኒያ ካብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ምስተፈትሐ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ታንዛንያዊ ማክሰንስ ሜሎ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዓለምለኻዊ ሽልማት ናጽነት ሚድያ ተዓዊቱ እዩ። ንሱ፡ ሲቪል ምህንድስና ዝተምሃረ ኮይኑ፡ ብሃንደበት'ዩ ናብ ዓውዲ ጋዜጠኝነት ኣትዩ።

ብሃንደበት ናብቲ ሞያ ስለዝኣተወ ድማ ንርእሱ 'ሃንደበታዊ ጋዜጠኛ' እናበለ እዩ ዝገልጽ።

ቅድሚ 16 ዓመት" 'ጃሚ ፎረም' ዝተበሃለ መርበብ ምስ ካልኦት ብጾቱ ብምዃን ኣጣይሹ። ዕላምኡ ድማ ብልሽውና (ግዕዝይና) ንምቅላዕን ፖለቲካዊ ተሓታትትነት ክህሉ ንምግባርን'ዩ።

ዜጋታት ነዚ ናይ መርበብ መድረኽ (ፎረም) ተጠቒሞም፡ ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ጉዳያት ብነጻነት ክዝትዩ ክኢሎም። በዚ ድማ ፍሉጥ መርበብ ክኸውን በቒዑ።

ብሉጽ ስራሕቲ ጋዜጠኝነት ብምዕማም ንዓለማዊ ሽልማት በቒዑ'ዩ። እዚ ዕውትነቱ ግን ምስ መንግስቲ ከሳንዮ ኣይከኣለን።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት፡ ን 137 ግዜ ናብ ቤት ፍርዲ ክመላለስ ከሎ ብሰንኪ ስርሑ ተኣሲሩ ዝሓደረሉ እዋን'ውን ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት "ሓቂ ንምዝራብ ኣድካሚ ነይሩ፤ ተስፋ ክትቆርጽ ኣብ ጫፍ እትበጽሓሉ እዋን'ውን ኣሎ" ክብል ፈታኒ ግዜ ከምዘሕለፈ ተዛሪቡ።

ሜሎ ኣብ 2018 ክሲ ሽበራ ስለዝቐረበሉ እንተተኣሰረ'ኳ ጸኒሑ ግን እቶም ክስታት ተላዒሎም'ዮም። ኣብኡ ግን ኣየብቀዐን።

ማክሰንስ ብ2016 ናብ ቤት ፍርዲ ክቕርብ ከሎ ዘርኣዮ ምልክት ተቓውሞ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ድሕሪ 7 ዓመታት፡ ታንዛንያ ኣካታዒ ዝኾነ ሕጊ ገበናት ኢንተርኔት (ሳይበር ክራይምስ) ኣጽዲቓ። እዚ ሕጊ፡ ምምያ ንምክያድን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዝቐርቡ ነቐፌታታት ንምካይን ከምዘገልገለ ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝጣበቕ ትካል ሲፒጄ ገሊጹ'ዩ።

ፎረም ጃሚ ብወገኑ፡ ነዚ ሕጊ ክሳብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ተቓሊስዎ፡ ግን ኣይተዓወተን። እቲ ፎረም ኣብ 2018፡ ን 21 መዓልታት ተዓጽዩ ነይሩ።

ድሕሪ እዚ፡ ብዙሓት ሰብ ሞያ ሕጊ ከምዝቖጸሩ ማክሰንስ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ኣብ ኤዲቶሪያል ፖሊሲኦም'ውን ዳግም ምትዕርራይ ገይሮም።

ጽሑፋት'ውን ኣብ መርበብ ቅድሚ ምጥቀዖም ክግምገሙ ይገብሩ።

ማክሰንስ ሜሎ ሰባት ሕዚ'ውን ብናጽነት ክዛረቡ ከምዘይክእሉ ይገልጽ።

ማክሰንስ ኣብ ሽልማት ሲፒጄ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዝሓለፈ ዓመት፡ ትካል ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ኣብ ዘሕተሞ ጸብጻብ ናጽነት ሚድያ ሃገራት ዓለም፡ ታንዛንያ ብ25 ደረጃ ነክያ ኣብ መበል 118 ተሰሪዓ እያ።

ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ዓመታት ዝኾነት ኣፍሪቃዊት ሃገር ክንድዚ ዝኣክል ምንቁልቋል (ምንካይ) ከምዘየርኣየት ኣብ ኣፍሪቃ ተወካሊ ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ኣርኖድ ፍሮገር የረድእ።

ማክሰንስ ሜሎ፡ 2020 ኣብ ታንዛንያ ዝሓሸ ናጽነት ሚድያ ዝረኣየሉ ዓመት ክኸውን ተስፋ ይገብር። እንተኾነ "እዋን መረጻ (ምርጫ) ብምዃኑ ግን፡ ክትትንብዮ ዝከኣል ነገር ኣይኮን" ኢሉ።