ካሜሩን ኣብ ልዕሊ ስምይቲ ጋዜጠኛ ሚሚ መፎ ዝነበረ ክሲ ስኑዕ ዜና ኣቋሪፃ

ካሜሩናዊት ጋዜጠኛ ሚሚ መፎ፡ ስኑዕ ዜና ብምፅብፃብ ተኸሲሳ እኳ እንተነበረት፡ 13 ሕዳር፡ 2018 ግና ዝነበራ ክሲ ብመንግስቲ እታ ሃገር ተቋሪፁ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Equinoxe TV

መግለጺ ስእሊ, ጋዜጠኛ ሚሚ መፎ፡ ኣብ ልዕሊኣ ዝነበረ ክሲ ከምዝተቋረፀ ንምስማዕ ኣብ ቤትፍርዲ ተረኺባ እያ

መንግስቲ ካሜሮን ኣብ ልዕሊ ስምይቲ ናይ ተሌቬዥን ጋዜጠኛ ዝነበረ ክሲ ስኑዕ ዜና ኣቛሪፁ።

ካብ ክልል ኣንግሎፎን ዝኾነት ሚሚ መፎ ታካምቦ፡ ኣብ ሞት ኣሜሪካዊ ልኡኽ፡ ወተሃደራት እታ ሃገር ኢድ ከምዘለዎም፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብምፅብባ ተኣሲራ እያ ፀኒሓ።

ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ግና፡ እቲ ዜና ብትእዛዝ ፕረዚደንት እታ ሃገር ፖል ቢያ ኮነ ተባሂሉ ክፅብፀብ ከምዝተገበረ እዩ ዝገልፅ።

ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ ከባብታት ኣንግሎፎን፡ ብፍላይ ድማ ቋንቋ ፈረንሳይ ኣብ ዝዛረቡ ዓድታት ብናዕቢ ተናዊፀን እየን።

ገለ ተዛረብቲ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ዝኾኑ ጉጅለታት ድማ፡ ኣድልዎ ከምዝበፅሖም ብምግላፅ ተነፂሎም ናይ ባዕሎም መንግስቲ ከቁሙ ፀቕጥታት ይገብሩ።

ብውልቂ ኣብ ዝውነን ተሌቬዥንን ራድዮን ኤክዩኔክስ፡ ላዕለወይቲ ኢዲተር ዜና ቋንቋ ኢንግሊዝ ዝኾነት ወይዘሪት መፎ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ "ንሉኣላውነት ሪፐብሊክ ካሜሮን ዝግህስ ሓበሬታ ብምሕታምን ብምብፃሕን" ብዝብል ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ሕዳር እያ ተኣሲራ።

ኣብ ትዊተር ኣብ ዝለጠፈቶ ሓበሬታ፡ ኣሜሪካዊ ልኡኽ ቻርለስ ትሩማን ዌስኮ፡ ብወተሃደራት ካሜሮን ተተኲስዎ ከምዝተቐተለ ሓቢራ።

ቻርለስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ኣብ ክልል ኣንግሎፎን፡ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣብ ባመንዳ እዩ ተቐቲሉ።

ጠበቕኣ ከምዝሓበሮ፡ ወተሃደራት እታ ሃገር ሕቶ ምግንፃል ንዘልዕሉ ተወለድቲ ኣንግሎፎን እውን፡ ከምዝቐተሉ ኣብ ትዊተራ ገሊፃ እያ።

ሚሚ ቅድሚ ምእሳራ፡ ኢንግሊዘኛ ኣብ ዝዛረቡ ከባብታት ህውከት ከምዘሎ ብእትፅብፅቦም ሓበሬታት፡ ዝተፈላለዩ መፈራርሒ መልእኽትታት ብኢመይላ ይስደደላ ከምዝነበረ ክትገልፅ ፀኒሓ እያ።

ምስተኣሰረት ድማ፡ ጎስጎስቲ ጉጅለታት፡ ጋዜጠኛ ሚሚ መፎ ንክትፍታሕ ክጉስጉሱ ፀኒሖም እዮም።

Presentational grey line

ካሜሮን ክሳብ ሕዚ ብመስመራት ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተኸፋፈለት እያ

Map of Cameroon
  • ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1884 ብጀርመን ተገዚኣ
  • ወተሃደራት ኢንግሊዝን ፈረንሳይን፡ ጀርመናውያን ብ1916 ካብታ ሃገር ንክወፅኡ ኣገዲዶሞም
  • ካሜሮን፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ተኸፋፊላ፡ 80 ሚእታዊት ናብ ፈረንሳይ፡ 20 ሚእታዊት ድማ ናብ ኢንግሊዝ
  • ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ፈረንሳይ ዝነበረት ካሜሮን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 1960 ሉኣላውነት ኣዊጃ
  • ድሕሪ ህዝበ ውሳነ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢንግሊዝ ዝነበሩ ደቡባዊ ካሜሮናውያን፡ ናብ ካሜሮን ተፀምቢሮም፡ ዋላ እኳ ሽዑ ሰሜን ካሜሮናውያን ኢንግሊዘኛ ናብ ዝዛረቡ ናይጄራውያን እንተተፀንበሩ
Presentational grey line