ሰሜናዊን ደቡባውን ምዕራብ ካሜሩን `ብህውከት ተሓሚሳ` ኢሉ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል

ምንጪ ስእሊ, AFP
መንግስቲ ካሜሩንን ገለ ዕጡቓት ተቓወምትን ኣብ ልዕሊ እቶን ቋንቋ እንግሊዝ ዘዘውትራ ከባቢታት ሃስያ ብምውራዶም፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኮኒኑ።
እቶም ዝበዝሑ ቋንቋ ፈረንሳ ዝዛረቡ ካሜሮናዉያን ነቶም ውሑዳት ቋንቋ ኣንግሊዝ ዝዛረቡ ሰባት ከምዘግልልዎም ይግለጽ። እቲ ኣብ ልዕሊ`ቶም ህዝቢ ዝወርድ ሃስያ መዳርግቲ ዘይብሉን ናብ ዘየድሊ ብረታዊ ጎነጽ ከይምዕብል ስግኣት ከምዘሎን ኣምነስቲ ገሊጹ።
"ኣእዳውና ኩሩንኩሪት ብምእሳር፡ ኣፍና ብሽጎማኖ ብምዕባስ፡ ምሉእ ገጽና ኣብ ማይ ብምጥሓል እዮም ዘሰቓዩና ነይሮም" ኢሉ ሓደ ካብቶም 23 ሃስያ ዝወረዶም ተቐማጦ ከተማ ዳዲ፡ ንኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ክሕብር ከሎ።
"ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ኢድ`ቶም ኣባላት ሰራዊት ኣብ ዝነበርናሉ እዋን "ብባዴላ፣ ማርቴሎ፣ ጸፋሕቲ ጣውላን ናይ ኳሬንቲ ገመድን ቀጥቂጦምናን ውዑይ ማይ ደፊኦምልና። ኣነ ምስ ኣእወይኩ ድማ ብሓዊ ናይ ሽጋራ ኣቃጺሎምኒ ኢሉ" ሓደ ካብቶም ሃስያ ዝወረዶ ዜጋ።
ሓደ ኣብ ሰሜናዊ-ምዕራብ ካሜሮን ኣብ መንግስታዊ ቤት ትምህርቲ ዝምህር መምህር ንኣምነስቲ ኢንተርንሽናል ክሕብር ከሎ ዕጡቓት ተፈንጨልቲ ጉጅለታት ነታ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዘጥቅዑሉ እዋን ተኲሶም እግሩ ከምዘቑሰልዎ ገሊጹ።
"እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ነቲ ምምሃር ደው ክብል ዘመሓላልፍዎ ጻውዒት ምቅዋመይ ስለዘቖጠዖም፡ ኣእዳወይ ሓፍ ከብል ሓቲቶምኒ። ጌና ሓፍ ከየበልኩ ከለኹ ድማ ተኲሱለይ፡ ኣብ መሬት ድማ ጻሕ ኢለ ወዲቐ" ኢሉ እቲ መምህር።
እዚ ገለ ካብቲ 150 ፍጻሜታት በቶም ግዳያትን መሰኻኽር ዓይኒ ዝቐረቡ ጭብጢታትን ብኣምኔስቲ ኢንተርንሽናልን ዝተሰነደ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወረደ ሃስያ
ድሕሪ 2016 ገለ ንመሰል ደቂ ሰባት ዝጣበቑ ሰባት ናጽነት ናይቲ ዝበዝሐ ቋንቋ እንግሊዝ ዝዝውተረሉ ካባቢታት ስሜናዉን ደቡባዉን ምዕራብ ካሜሮን ምስ ጠለቡ እቲ ከባቢ ሰላም ሓሪምዎ ጸኒሑ።
እቶም ዝበዝሑ ቋንቋ ፈረንሳ ዝዛረቡ ካሜሮናዉያን ነቶም ውሑዳት ቋንቋ ኣንግሊዝ ዝዛረቡ ሰባት ከምዘግልልዎም ይገልጹ።
"ኣብቲ ቋንቋ እንግሊዝ ዝዝውተረሉ ከባቢታት ብቐጻሊ ህውከት ተጎቢኡ ይርከብ" ኢላ ናይቲ ከባቢ ምክትል ዳይሬክተር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሳሚራ ዳውድ።
"እቲ ናይቲ መንግስቲ ሓይላ ግብረ-መልሲ፡ ነቲ ህውከት ንምህዳእ ኣይፈየደን፡ በንጻሩ ነቶም ህዝቢ ካብቲ ሃገር ክንጽሎምን ኣብቲ ከባቢ ድማ ሰላም ክዘርግን እንተዘይኮይኑ ካልእ ፋይዳ ኣይነበሮን" ኢላ ሳሚራ።
"ናይ ጸጥታ ሓይልታትታ ብቲ ከባቢ ኣብ ዘካየድዎ ወፍሪ፡ ብዘይኣፈላላይ ነቲ ህዝቢ ብምቕታሎምን ምእሳሮምን ምቕጥቓቶምን ኣሽሓት ተቐማጦ እቲ ከባቢ ካብ መረቤቶም ኣመዛቢሎምዎም" ኢላ ሳሚራ።
ምቅጻል ኣብያተ ትምህርቲ
እቲ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ ኣባላት ሰራዊት ነተን ቁሸታት ከምዝደምሰስወን ይሕብር። እቶም እሱራት ዓይኖም ብጨርቂ ብምሽፋን በባትርን ሽቦን ብሰደፍ ጠብናጁን ከምዝተሃርከሙን "ብኳሬንቲ ከምዝተቐትሉን ብማይ ውዑይ ከምዝተለብለቡን" እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
እንተኾነ፡ ኣፈኛ ሰራዊት ዲድየር ባጂክ ነቲ ናይ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸብጻብ "ቤላ ቤሎው" ኢዩ ኢልዎ።
እቶም ዕጡቓት ተፈንጨልቲ ጉጅለታት`ውን 44 ናይ ጸጥታ ሓይልታት ብምቕታሎምን ብርክት ዝበላ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ካብ ለካቲት 2017 ስጋብ ግንቦት 2018 ዘሎ እዋን ብምጥቅዖምን "ኣብቲ ህዝቢ ፍርሒ ንኽነግስ ብምግባሮምን" ኣምኔስቲ ኢንተርናሽናል ወንጂላቶም።
እቶም ዕጡቓት ኣብ ርእሲ "ኣብያተ ትምህርት ምንዳዶም ነቶም መማህራን ድማ ምምሃር ደው ከብሉ ጸቕጢ ይፈጥሩሎም" ከምዘለው ሳሚራ ገሊጻ።
ገለ ጭቃ ዓዲ ምስ መንግስቲ ብምውጋኖም ኣብ ልዕሊኦም ሓሙሽተ መጥቃዕትታት ከምዝተፈጸመም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ጸብጻቡ ገሊጹ።
ገለ ንመሰል ደቂሰባት ዝጣበቑ መንግስቲ ድሕነት ህዝቢ ከላኸልን "በቶም ናይ ጸጥታ ሓይልታትን ዕጡቓት ተፈንጨልትን ዝተፈጸመ ገበናት ተሓታትነቶም ንህዝቢ ኪገልጹን" ሓቢሮም።
"ብቕጽበት ዘይሕጋውን ዘየድልን ኣመና ሓይሊ ምጥቃም ደው ከብሉን ድሕነት ህዝቢ ድማ ክሕሎን ጸዊዖም" ኢሉ እቲ ጸብጻብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







