ካብ ካሜሮን ንምንጻል ተቓውሞ ዘልዓሉ 8 ሰባት ተቐቲሎም

ሓይልታት ጸጥታ ካሜሮን

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ፖላዊስ ኣብ ኣደባባይ ቡዌ

ሓይልታት ጸጥታ ካሜሮን ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ ናጽነት ተዛረብቲ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ብዝወልዕዎ ተኹሲ ብውሕዱ 8 ሰባት ቀቲሎም።

ኣብ መበል 56 ዓመት በዓል ዉህደት ክልላት ካሜሮን ሓድነታ ዝተጠናኸረት ሃገር ንምቕጻል ጻዕርታት ተገይሮም ነይሮም'ዮም።

ካብቶም ዝሞቱ እቶም 5 እሱራት ምንባሮምን ባርዕ ሓዊ ምስተላዕለ ከምዝተቐትሉን ከንቲባ ከተማ ኩምቦ ንቢቢሲ ኣብሪሆም።

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብተኸታታሊ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ዝተኣሰሩ ሰባት ንክፍትሑ ጻዊዒት ኣቕሪቦም ነይሮም'ዮም።

ካሜሮን ድሕሪ ቀዳማይ ኵናት ዓለም ግዝኣት ፈረንሳይን ኢንግሊዝን ተባሂላ ኣብ ክልተ ተመቒላ ነይራ።

ካሜሮን፡ ዋላ እኳ ኣብ 1961 ውህደት እንተፈጠረት ተዛረብቲ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ዝኾኑ፡ እታ ሃገር ግና በብግዚኡ ብኣብዝሓ ቋንቋ ፈረንሳይኛ ተዛረብቲ ይዕብለሉ ከምዘለዉ ተቓውሞኦም ከስምዑ ጸኒሖም'ዮም።

ባንዴራ ምንቕስቓስ ተነጸልቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣደባባያት ተሰቒሉ ከምዝተራእየ 'ውን ከንቲባ ከተማ ኩምቦ ዶናቱስ ጆነግ ሓቢሮም።

ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ካሜሮን ተመሳሳሊ ተቓውሞታት ኣጋጢሞም'ዮም።

መስከረም 22 ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ዝተሳእለ መንእሰይ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ደጋፊ ሰልፊ ናጽነት ተዛረብቲ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ካሜሮናውያን

ሰልፈኛታት ኣብ ተቓውሞኦም ንናጽነት ዘንጸባርቕ ኣሐቲሞም ከምዝተረኣዩ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ጸብጺቡ።

ነቶም ሰልፈኛታት ብምቅዋምን ንመንግስቲ እታ ሃገር ብምድግፍን'ውን ካሊእ ሰልፊ ኣብ ከተማ ዶዩላ ተኻይዱ'ዩ።

መንግስቲ ካሜሮን ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ቋንቋ ኢንግሊዝኛ ኣብ ዝዝረበለን ከባቢታት እታ ሃገር ዝኾነ ይኹን ህዝባዊ ኣኼባን ጉዕዞን ንኸይካየድ ኣጊዱ ምንባሩ ዝዝከር'ዩ።

ካሜሮናውያን ተዛረብቲ ቋንቋ ኢንግሊዝኛ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፣ 'ካብ ስራሕቲ ግልጋሎት መንግስቲ ተጓኒና ኢና፡ ቋንቋ ፈረንሳይ'ውን ብዘይ ድላይና ክንጥቀም ንግደድ ኣለና' ብዝብሉ ጥርዓናት ተቓውሞ ከስምዑ ጸኒሖም'ዮም።

ፈለማ መሰል ንምኽባር ኢሉ ዝተበገሰ ተቓውሞ ደሓር ግን ኣንፈቱ ቀይሩ ክሳብ ምንጻል ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ይርከብ።