ካብ ካሜሮን ንምንጻል ተቓውሞ ዘልዓሉ 8 ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሓይልታት ጸጥታ ካሜሮን ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ ናጽነት ተዛረብቲ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ብዝወልዕዎ ተኹሲ ብውሕዱ 8 ሰባት ቀቲሎም።
ኣብ መበል 56 ዓመት በዓል ዉህደት ክልላት ካሜሮን ሓድነታ ዝተጠናኸረት ሃገር ንምቕጻል ጻዕርታት ተገይሮም ነይሮም'ዮም።
ካብቶም ዝሞቱ እቶም 5 እሱራት ምንባሮምን ባርዕ ሓዊ ምስተላዕለ ከምዝተቐትሉን ከንቲባ ከተማ ኩምቦ ንቢቢሲ ኣብሪሆም።
ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብተኸታታሊ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ዝተኣሰሩ ሰባት ንክፍትሑ ጻዊዒት ኣቕሪቦም ነይሮም'ዮም።
ካሜሮን ድሕሪ ቀዳማይ ኵናት ዓለም ግዝኣት ፈረንሳይን ኢንግሊዝን ተባሂላ ኣብ ክልተ ተመቒላ ነይራ።
ካሜሮን፡ ዋላ እኳ ኣብ 1961 ውህደት እንተፈጠረት ተዛረብቲ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ዝኾኑ፡ እታ ሃገር ግና በብግዚኡ ብኣብዝሓ ቋንቋ ፈረንሳይኛ ተዛረብቲ ይዕብለሉ ከምዘለዉ ተቓውሞኦም ከስምዑ ጸኒሖም'ዮም።
ባንዴራ ምንቕስቓስ ተነጸልቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣደባባያት ተሰቒሉ ከምዝተራእየ 'ውን ከንቲባ ከተማ ኩምቦ ዶናቱስ ጆነግ ሓቢሮም።
ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ካሜሮን ተመሳሳሊ ተቓውሞታት ኣጋጢሞም'ዮም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሰልፈኛታት ኣብ ተቓውሞኦም ንናጽነት ዘንጸባርቕ ኣሐቲሞም ከምዝተረኣዩ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ጸብጺቡ።
ነቶም ሰልፈኛታት ብምቅዋምን ንመንግስቲ እታ ሃገር ብምድግፍን'ውን ካሊእ ሰልፊ ኣብ ከተማ ዶዩላ ተኻይዱ'ዩ።
መንግስቲ ካሜሮን ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ቋንቋ ኢንግሊዝኛ ኣብ ዝዝረበለን ከባቢታት እታ ሃገር ዝኾነ ይኹን ህዝባዊ ኣኼባን ጉዕዞን ንኸይካየድ ኣጊዱ ምንባሩ ዝዝከር'ዩ።
ካሜሮናውያን ተዛረብቲ ቋንቋ ኢንግሊዝኛ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፣ 'ካብ ስራሕቲ ግልጋሎት መንግስቲ ተጓኒና ኢና፡ ቋንቋ ፈረንሳይ'ውን ብዘይ ድላይና ክንጥቀም ንግደድ ኣለና' ብዝብሉ ጥርዓናት ተቓውሞ ከስምዑ ጸኒሖም'ዮም።
ፈለማ መሰል ንምኽባር ኢሉ ዝተበገሰ ተቓውሞ ደሓር ግን ኣንፈቱ ቀይሩ ክሳብ ምንጻል ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ይርከብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







