ሕርሲ ኣሜሪካዊት ጋዜጠኛ ሬድዮ ብቀጥታዊ ፈነወ ናብ ሰማዕቲ በፂሑ

ምንጪ ስእሊ, @radiocassiday/Instagram
ኣሜሪካዊት ኣቕራቢት ፕሮግራም ሬድዮ መደባ ኣብ ዝቐርበሉ እዋን ሓሪሳ። ብቐጥታ ፈነወ ድማ ናብ ሰማዕቲ በፂሑ።
ኣብ ከተማ ቅዱስ ሉዊስ እትነበር ጋዜጠኛ ካሲደይ ኩልግዜ ኣብ ወጋሕታ ዝፍኖ መደብ ሬድዮ ኣለዋ።
እዚ መደባ ኣብ ዝቐርበሉ መዓልቲ እያ ብመጥባሕቲ ተሓጊዛ ወሊዳ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ሕማም ሕርሲ ዝጀመራ እንትኸውን፡ መደባ ኣብ ዝፍነወሉ ሰሉስ መዓልቲ'ያ ወሊዳ::
ንሳ ኣብ እትሕርሰሉ እዋን ብቐጥታ ናብ ሰማዕቲ ንኽፍኖ፡ ካሲደይ እትሰርሓሉ ጣብያ ሬድዮ ምስቲ ዝሓረሰትሉ ሆስፒታል ተዘራሪቡ ነይሩ።
ካሲደይ "ኣብ ህይወተይ ከምዚ ዝበለ መዓልቲ ንሰማዕቲ ምክፋለይ ብጣዕሚ ዝገርም ነይሩ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ሰማዕቲ ሬድዮ፡ ነቲ ብሰሉስ ዝተወለደ ህፃን ጀምሰን ክብሉ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ስም ኣውፂኦምሉ'ዮም።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







