ብረክዚት፡ እቲ ዘይተርፍ ፍትሕ ጥሪ 31 ክፍጸም’ዩ ግን ብኸመይ?

ባንዴራታት ሕብረት ኤውሮጳን ዓዲ እንግሊዝን ኣብ ቅድሚ ቢግ በን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ህዝቢ ብሪጣንያ ንኣባልነት ሕብረት ኤውሮጳ ዝወጽእ ገንዘብ ቅጥዒ የብሉን፤ ምስ ሕብረት-ኤውሮጳ ምህላውና ግዳይ ቀይዲ ኣልቦ ፍልሰትን ዋሕዚ ስደተኛታትን ኮይንና ብዝብል እዩ ብረክዚት መሪጹ።

ህዝቢ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ሰነ 2016 ካብ ሕብረት-ኤውሮጳ ክወጽኡ ወይ ክጸንሑ ዝደልዩ እንተኾይኖም ብረፈረንደም ድምጾም ሂቦም፤ ዋላ እውን ብውሑድ ፍልልይ ይኹን እቶም ክንወጽእ ኢና ዝበሉ ስለዝበዝሑ ብሪጣንያ ካብ ኤውሮጳ ክትፋታሕ ግድን ኮይኑ።

ይኹን እምበር እቲ መስርሕ ፍትሕ ብቐጻሊ ዘየሰማምዕ ዝርርብ እንዳተመጠ ዳርጋ ንሰለስተ ዓመት እኳ እንተጸንሐ፤ ጽባሕ ዓርቢ 31 ጥሪ 2020 ክዛዘም እዩ።

ብረግዚት ከም ዝኾነ ይኹን ማሕበራዊ ፍትሕ ብዙሕ ሻቕሎትን ብደሆን ሒዙ እዩ መጺኡ። ጽባሕ ንግሆ ካልእ ዕድላት ክፈጥር ዝኽእል እንተኾይኑ እውን ዘመላኽት ነገር የሎን።

ካብቲ ንዝተፈላለየ ውዕላት ንግድን ፋይናንስን ዝትንክፍ ረቛሒታት ግን ነቶም ኣብ ጽላል ሕብረት ተዓቚቦም ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ህይወቶም ክመርሑ ዝጸንሑ ዜጋታት እምብዛ ተንኪፉዎም ኣሎ።

ኢጣልያዊ ዜግነት ሒዙ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክነብር ዝጸንሐ ያፌት ኣብርሃም "ንሕና እኳ ኣጋጣሚ ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ተቐሚጥና ኩሉ እቲ ሕጊ ኢሜግሬሺን ዓባይ ብሪጣንያ ዝሓቶ ነገራት ኣማሊእና ቀዋሚ መንበሪ ፈቓድ ሒዝና ስለዝጸናሕና ጸገም የብልናን።

"ግን ብዙሓት መጻኢኦም ዘሻቕሎም ሰባት ከምዘለው ግን ይፈልጥ እየ" ክብል ብረክዚት ዋላ'ኳ ንዕኡን ንስድርኡን ብውልቂ እንተዘይተንከፎም ብዙሓት ዘይቀሰኑ ሰባት ምህላዎም ከምዝስመዖ ይሕብር።

እቲ ቐንዲ ሻቕሎት ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ተፈልየት እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝነብሩ ዜጋታት እቲ ሕብረት እንታይ ክኾኑ እዮም ዝብል እዩ።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት፡ ኣብ ኢንግሊዝ ንቡር ህይወቶም ክቕጽሉ ዝደልዩ ዜጋታት ኤውሮጳዊ ሕብረት ክሻቐሉ ከምዘይብሎም ክነግር ጸኒሑ እዩ።

ስእላዊ መግለጺ ብረክዚት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ይኹን እምበር እቲ ዛዕባ ንውልቀ ጉዳያት ፈላልዩ ዝርእይ ብምዃኑ ኣብ ውሽጡ ብዙሕ ዝርዝራት ክህሉዎ ይኽእል እዩ። በዚ ከኣ እዩ ብዙሕ ዝሻቐል ሰብ ዝህሉ።

ቢቢሲ ቋንቋ እንግሊዝኛ ትማሊ ኣብ ዘሕተሞ ዓንቀጽ ንኣብነት፡ ን27 ዓመታት ኣብ ፈረንሳ ዝተቐመጠን ዝወለደን ማርክ ላውረንስ ዝተባህለ ጸራቢ ዕንጸይቲ፡ ኣብታ ሃገር ንነዊሕ ዓመታት ስለዝተቐመጠ ብሕጊ ናይታ ዓዲ ፈረንሳዊ ዜግነት ክወሃቦ ሓቲቱስ "ኣብ ፈረንሳ ከንብሮ ዝኽእል እኹል ቁጠባዊ ትሕዝቶ የብሉን" ተባሂሉ ከምዝተነጽገ ተጻሒፉ ኣሎ።

ይኹን እምበር ዜግነት እኳ እንተተኸልአ ጽባሕ ዓርቢ 31 ጥሪ 2020 ልክዕ ሰዓት 23፡00 ጉዳይ ብረክዚት ዓባይ ብሪጣንያ ክሳብ ዝፍጸም፡ ማርክ ኣብ ፈረንሳ ነባርነቱ ክቕጽል ክመዝኽእል ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ሓቢሩ።

ነብሲ ወከፍ ሃገር ንውሽጣዊ ጉዳያታ ብዝምልከት ነናይ ገዛእ ርእሳ ሕግን መምርሕን ክህልዋ ግድን እዩ።

ይኹን እምበር ሕቶ ዜግነትን ሻቕሎት መንበርን ምስ ጉዳይ ብረክዚት ዝመጽአ ምዃኑ ንመስርሕ ብረግዚት ብቐረባ ዝከታተሉዎ ዘለው ምሁራት ይገልጹ።

ድሕሪ ብረክዚት'ከ እንታይ ክቕየር እዩ?

መሰል ዜጋታት ኣብ ሕድሕድ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረትን ዓባይ ብሪጣንያ ከምቲ ዝጸንሖ ክቕጽል እዩ። ክሳብ ናይ ምዝዛም ፍትሕ ዓባይ ብሪጣንያን ሕብረት ኤውሮጳን ከኣ ዜጋታት ሓድሕደን ከም ቀደሞም ብናጽነት ክንቀሳቐሱ እዮም። እቲ ሕቶ ድሕሪ ታሕሳስ 31 እንታይ ክኸውን እዩ ዝብል ግን ጸኒሑ ከምዝረአ መግለጺ ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ይሕብር።

ይኹን እምበር እዚ ጉዳይ እዚ ከኣ ንኹሎም እቶም ከካብ ሃገሮም ብስራሕን ብንግድን ኣብ ከተማታት እቲ ሕብረት ክነብሩ ዝጸንሑ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት የሻቕሎም ኣሎ።

ብጀርመናዊ ዜግነት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንልዕሊ 15 ዓመታት ዝነብር ዘሎ ብበረኸት ክጽዋዕ ዝመረጸ ኤርትራዊ ብወገኑ "ኣብዛ ሃገር ሰሪሐን ከቢረን እየ - ብረክዚት ግን ከም ዝኾነ ፍትሕ ስድራ ቤት ሻቕሎት ክፈጥር ባህሪያዊ እዩ" ይብል፡ ንጀርመን ክምለስ ጸገም ከምዘይብሉን ግን ከኣ እቲ ዝኸውን ክሳብ ዝኸውን ቀሲኑ ንኸይነብር ስክፍታ ከምዘለዎ ብምሕባር።

ጉዳይ ብረክዚት ሓባራዊ ስምምዕ ዘይተበጺሑ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝነብሩ ዜጋታት እቲ ሕብረት ኣብ መወዳእታ ዓመተ 2020 ወይ ኣብ ሰነ 2021 ንቐዋሚ ነባርነት ከመልክቱ ከምዝኽእሉ ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ሓቢሩ ኣሎ።

ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንዓሰርተታት ዓመታት ክነብሩ ዝጸንሑ ብዙሓት ዜጋታት እቲ ሕብረት ቀዋሚ መንበሪ ንኸወሃቡ ዘመልከቱዎ ሕቶ ተነጺጉ እዩ።

ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 2.7 ሚልዮን ዜጋታት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ፈቓድ ቀዋሚ መንበሪ ኣመልኪቶም ኣለው። ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር እታ ሃገር ከኣ፡ ኣብቲ ዝተዋህበ ናይ ግዜ ገደብ ዘየመልከተ ዝኾነ ይኹን ሰብ ናብ ሃገሩ ከምዝጥረዝ ሓቢሩ ኣሎ።

ይኹን እምበር መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ንነብሲ ወከፍ ጉዳያት፡ ዓመታዊ £25,600 ወይ €30,000 ወይ ከኣ $33,000 ንዝእቶቱ ሰብ፡ በብውልቂ ክርእዮ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።

እቲ ቅድሚ ዓመት ፈረንሳዊ ዜግነት ንምውሳድ ክማላእ ዝግባእ ቅጥዕታት ኣማሊኡ ናይ ቋንቋን ባህላዊ ፍልጠት ፈተና ሓሊፉ፡ ዝኽፈል ከፊሉ፡ ሕቶ ዜግነት ኣቕሪቡ ዝተነጽገ ብሪጣንያዊ ማርክ "ዜግነት ክረክብ ክጽገም ይኽእል እየ ዝብል እምነት ኣይነበረንን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ግን ከምዝሓሰቦ ኣይሰለጦን - ይግባይ ኢሉ እውን ኣይቀንዖን። ብኡ እዩ እምበኣር ሕጂ፡ ጉዳይ ማርክ ዳግመ ግምት ይገበረሉ ዝብል ናይ ህዝቢ ደገፍ ድምጺ ዝተኣኸኸብ ዘሎ።

ጽባሕ ድሕሪ ውሳነ ዓርቢ ጥሪ 31፡ 2020ከ እንታይ ከመጽእ ይኽእል ጸኒሑ ክረአ እዩ።