'ነቲ ጉባኤ ክጨውይዎ ዝደለዩ ላዕለዎት መራሕቲ ኣለዉ' - ኣቦመንበር ኮሚሽን ቍጽጽር ህወሓት

ኣቶ ተኽለብርሃን

ምንጪ ስእሊ, TPLF

ማእከላይ ኮሚሽን ቍጽጽር ህወሓት ዕላማን ኣካይዳን ናይቲ ኣብ ቀረባ እዋን ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት “ልዕልነት ኣለና” ብዝብሉ መሪሕነት እቲ ውድብ ከምዝተጨወየ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ምድላው ጉባኤ ካብ ሚያዝያ ጀሚሩ ክስርሓሉ ከምዝጸንሐ ብምዝኽኻር “ኣብ ውሽጢ ማእከላይ ኮሚቴ ዝበቘላ” ዝበለን ጕጅለታት ዕንቅፋት ከምዝዀናኦ ሓቢሩ።

ኣብ ሓያል ምክፍፋልን ምጥቕቓዕን ላዕለዎት መሪሕነት ተሸሚሙ ከም ዘሎ ዝዝረበሉ ውድብ ህወሓት ነቲ ‘ብቦርድ መረጻ ቅድሚ ምምዝጋቡ ክካይዶ ኣይክእልን ዝበሃል ዘሎ ጉባኤኡ ንምስላጥ ኣብ ምድላው ከምዘሎ ይፍለጥ።

ዕላማ ናይቲ ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ጉባኤ ‘ብዝተጐጀሉ ላዕለዎት መራሕቲ ተጨውዩ’ ዝበለ ኮሚሽን ቍጽጽር እቲ ውድብ፡ ኣባላቱ ካብ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ከምዝሰሓበ ኣብቲ ናይ ትማሊ መግለጺኡ ወግዓዊ ገይሩ’ሎ።

ኣቦ መንበር ማእከላይ ኮሚሽን ቍጽጽር ህወሓት ኣቶ ተኽለብርሃን ኣርኣያ “እቲ ጉባኤ ግድን ክካየድ ክኽእል ኣለዎ። ግን ከኣ ዲሞክራሲያውን ግልጽን ክኸውን ይግባእ። ኮሚሽን ቍጽጽር ኣብዚ ዝረኣዩ ጸገማት ክእረሙ ክሓትት ጸኒሑ’ሎ፤ ክእረሙ ግን ኣይከኣሉን” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“ብግጕይ መገዲ ክኸይድ ዝደሊ ሓይሊ ስለዘሎ ነዚ ንምዅናን ኢና መግለጺ ኣውጺእና። ምድላው እቲ ጉባኤ ግልጽነት ይጐድሎ ኣሎ። ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ነጻ ኰይኑ ክሰርሕ ኣይከኣለን። እቲ ኮሚቴ ነቲ ጉባኤ ክመርሖ እናተገብአ ግን ከኣ ክመርሖ ኣይከኣለን” ኢሉ።

ትሸዓተ ኣባላት ዘለውዎ ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ንኣካይዳ እቲ ጉባኤ ክመርሕን ከካይድን ሓላፍነት ዝወስድ ኣካል'ኳ እንተዀነ፡ “እቲ ዘሎ ኣካይዳ ግን ከምኡ ኣይኰነን ዘሎ። ብድሕሪ መጋረጃ እዩ ዝፍጸም ዘሎ። ብፍላይ እቲ ውድብ ኣብ ዓቢይ ናይ ዘይምትእምማን ሽግር ኣብ ዝርከበሉ እዚ እዋን ግልጽነት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ” ይብል ኣቶ ተኽለብርሃን።

‘ውሽጣዊ ሕመቕ. . .’

ኣብ ውሽጢ ላዕለዎት መሪሕነት ህወሓት ከቢድ ምክፍፋል ተፈጢሩ ምህላዉ ዘመልከተ ኣቦ መንበር ማእከላይ ኮሚሽን ቍጽጽር ህወሓት ኣቶ ተኽለብርሃን “ናይ ኵሉ መንቀሊኡ ውሽጣዊ ሕመቕ እምበር ደጋዊ ጸገም ኣይኰነን” ይብል።

“ዝጸንሐ ሕመቕ ኣሎ፤ እዚ ከኣ ስርዓታዊ ሕመቕ እዩ። ኣመራርሓ ካብ ዕላማ ክርሕቕ ከሎ ነቲ ውድብ ይጽይቖ። ኣመራርሓ ማእከሉ ጥቕምን ስልጣንን ገይሩ’ሎ። ኣብ ውሽጢ ውድብ ርኡይ ዝዀነ ክልተ ናይ ኔትወርክ ምትእስሳር ተፈጢሩ’ሎ። እዚ እዩ ንዅሉ ዘሪግዎ” ክብል ኣረዲኡ።

ኣብ ውሽጢ ላዕለዎት መሪሕነት ህወሓት ተፈጢሩ ኣብ ዘሎ ምክፍፋል ሓደ ነቲ ካልእ ናይ ምጥቃዕ ወፍሪ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ተሰንዩ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዚ እዋን፡ ኣቶ ተኽለብርሃን እውን መሪሕነት እቲ ውድብ “ኣብ ክልተ ተመቒሉ” እንተበለ’ኳ በዓል መን ኣብ ዝምርሕዎ ጕጅለታት ከምዝተኸፋፈለ ካብ ምዝራብ ተዓቂቡ።

እቲ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ መበል 14 ጉባኤ እውን በዚ ምክፍፋልን ምጥቕቓዕን ዝተሰነየ ምዃኑ ዘመልከተ መግለጺ ኮሚሽን ቍጽጽር ህወሓት “እቲ ጉባኤ ካብ ስምምዕነትን ኣፍልጦን ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ወጻኢ ክምራሕ ይግበር ኣሎ። ልዕልና ኣለኒ ብዝብል ሓይሊ ተጨውዩ ናብ ሓደገኛ ኵነታት የምርሕ ኣሎ” ክብል ይኸስስ።

ነዚ ስዒቡ ኣብ ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ተወኪሎም ዝነበሩ ኣባላት እቲ ኮሚሽን ካብ ምልዓል ብተወሳኺ፡ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ነቲ ሕጂ ዘሎ 'ሓደጋ ዘኸትል ኣካይዳ' ደው ከብሎ ጸዊዑ'ሎ።

ንሕቶታትን መርገጺታትን እቲ ኮሚሽን ናብ ጐድኒ ብምግዳፍ መስርሕ ምድላው ጉባኤ እንተቐጺሉ ግን "ንዝበጽሕ ዝዀነ ይዅን ሳዕቤን ሓላፍነት ዝወስድ ባዕሉ መሪሕነት [ህወሓት] ይኸውን" ይብል ኣብ መግለጺኡ።

ህወሓት - ግዝያዊ መንግስቲ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ልዑል ተሳትፎ ዝነበሮ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ - ህወሓት፡ ኣብ ታሪኽ 50 ዓመታት ርእይዎ ዘይፈልጥ፡ ናብ ኣፍደገ ምብትታን ዘብጽሐ ከቢድ ፈተና ከምዘጋጠሞ ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣፍሊጡ ነይሩ።

ህወሓት፡ ኣብ መቐለ ብቐጻልነት ከካይዶ ዝጸንሐ ተደጋጋሚ ኣኼባታት ላዕለዎት ካድራቱ ምስዛዘመ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ውልቀ ረብሓኻ ምቕዳም ንህልውና እቲ ውድብ ናብ ሓደጋ ከምዘእተዎ ኣስሚሩሉ።

እቲ ውድብ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ኣብ ማእከላይ ኮሚቴ ውድብና ዘጋጠመ ካብ ህዝባዊ ውግንና ምውጻእን ንውልቃዊ ረብሓኻ ምትእኽኻብን እቲ ውድብ መድረኻዊ ተልእኾኡ ከይፍጽምን ተወዲቡ ከይመርሕን ካብኡ ሓሊፉ'ውን ባህግን ድሌትን ህዝቢ ትግራይ ከየዐውት ተሓሊኹ ጸኒሑ እዩ” ክብል ኣምሪሩ ኣስፊሩ'ሎ።

መግለጺ ህወሓት፡ ቀንዲ ምንጪ ናይቲ ጸገም፡ ኣብ ካድራት፡ ሰፊሕ ኣባል ህዝቢን በብደረጅኡ ብፍላይ ከኣ ኣብ መሪሕነት እቲ ውድብ ዝርአ ዘሎ “ጕጅላዊነት፡ ከባቢያውነት፡ ጸረ-ዲሞክራሲ፡ ህዝበኝነትን ብልሽውናን” እዩ ኢሉ።

ንፖለቲካ ትግራይ ብቐረባ ዝዕዘቡ ኣካላት ግን፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ተፈጢሩ ዝበሃል ምክፍፋል ብቐንዱ ኣብ ሞንጎ ነባራት መራሕቲ እቲ ውድብን ሹመኛታት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ዝተወደበ ከምዝኾነ ይገልጹ።

ኣብ ማህበራዊ መራኸቢታት ዝዝርግሑ ሓበሬታታት እውን ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ኣካላት ዘሎ ፍልልይ ዘመልክቱ ከምኡ’ውን ሓደ ነቲ ካልእ ብምውጋን ወፍርታት የካይዱ ከምዘለዉ ዘርእዩ ይመስሉ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ኣቶ ተኽለብርሃን እውን እቲ ኣብ ሞንጎ ገለ መራሕቲ ህወሓትን ሹመኛታት ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይን ኣሎ ዝበሃል ኣፈላላይ ዝቃወም መርገጺ የብሉን።

“ልዕልነት ኣለኒ፤ ኣብዚ ጉባኤ ስዒረ ክወጽእ እየ ዝብል ኣካል እዩ ዝሕምሰና ዘሎ። ንዅሉ ኣብታ ውድብ ዝረአ ዘሎ ጸገማት መንቀሊኡ ከኣ ውሽጣዊ እምበር ደጋዊ ምኽንያታት ኣይኰነን። ስልጣንን ረብሓን ማእኸል ዝገበሩ ውልቀሰባት ኣለዉ” ይብል።

“እቲ ኔትወርክ ምስ ግዚያዊ ምምሕዳር ጥራሕ ዝተሓሓዝ ዘይኰነስ ምስ ማሕበረሰብ ንግዲ፣ ‘ኤሊት’ ይዅን ካልእ እውን ዝረአ እዩ። ኣብ ውሽጢ ዘሎ ሕመቕ እምበር ደጋዊ ኣይኰነን። ሽዑ እቲ ናይ ደገ ኣካል ነዚ ይብለጸሉ ኣሎ” ክብል የረድእ።

ሕጋውነት ጉባኤ ህወሓት?

ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ድሕሪ ዝተኻየደ ኲናት፡ ሕጋዊ ሰብነቱ ዝተሰረዘ ህወሓት ቦርድ መረጻ እንተዘይመዝጊቡዎ ኣብ ሃገራዊ መረጻን ፖለቲካዊ መድረኻትን ክሳተፍ ከም ዘይክእል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብዚ ቕነ ምግላጹ ይዝከር።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ምስ ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐሱ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብ ብርክት ዝበሉ ሃገራዊ ጕዳያት ክዘራረብ ከሎ “ህወሓት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰለስተ ሰሙን ካብኡ ትጽቢት ዝግበሩ ሰነዳት ኣማሊኡ ናብ ቦርድ መረጻ ብምኻድ ብሕጋዊ መገዲ ተመዝጊቡ ወይ ሕጋዊ ፍቓዱ ክምለስ ብምግባር እዩ ጉባኤ ከካይድ ዘለዎ” ምባሉ ይዝከር።

ህወሓት ብወገኑ፡ እቲ ብፖለቲካዊ ውሳነ ዝስኣኖ ሕጋዊ ሰብነት ንኽምለስ እምበር ከም ብሓድሽ ንኽምዝገብ ከም ዘይደሊ እዩ ዝገልጽ።

“ሕጋዊ ኣፍልጦና ካብ ህዝብናን ኣባልናን እዩ” ዝብል ኣቦመንበር ኮሚሽን ቍጽጽር ህወሓት ኣቶ ተኽለብርሃን እቲ ጉባኤ ካብ ምክያድ ዝእግዶ ነገር ክህሉ ከምዘይክእል ተዛሪቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዘሕለፎ መልእኽቲ ንውሽጣዊ ምክፍፋላት ህወሓት ከም ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ዘሕለፎ መልእኽቲ ከምዝዀነ ብምሕባር “ጉባኤ ምክያድ ናብ ኲናት ዘምርሕ ተግባር እዩ” ንዝብል ርእይቶ ይቃወም።

ንሱ ዝመርሖ ኮሚሽን ቍጽጽር ኣብ ምክያድ እቲ ጉባኤ ዝዀነ ተቓውሞ ከምዘይብሉ ብምርግጋጽ “ግልጽነትን ዲሞክራሲያውነትን ኣብ ዘይብሉ ኵነታት እንተተኻይዱ ግን ከምቲ ኣብ መግለጺና ዝሓበርናዮ ሳዕቤን ክህልዎ እዩ” ኢሉ።