ህወሓት፡ ገጢሙኒ ዝበሎ ኣብ ታሪኹ 'ርእይዎ ዘይፈልጥ ከቢድ ፈተና' እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, TPLF
ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ልዑል ተሳትፎ ዝነበሮ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ - ህወሓት፡ ኣብ ታሪኽ 50 ዓመታት ርእይዎ ዘይፈልጥ፡ ናብ ኣፍደገ ምብትታን ዘብጽሐ ከቢድ ፈተና ከምዘጋጠሞ ኣፍሊጡ።
ህወሓት፡ ኣብ መቐለ ብቐጻልነት ከካይዶ ዝጸንሐ ተደጋጋሚ ኣኼባታት ላዕለዎት ካድራቱ ምስዛዘመ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ውልቀ ረብሓኻ ምቕዳም ንህልውና እቲ ውድብ ናብ ሓደጋ ከምዘእተዎ ኣስሚሩሉ።
እቲ ውድብ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ኣብ ማእከላይ ኮሚቴ ውድብና ዘጋጠመ ካብ ህዝባዊ ውግንና ምውጻእን ንውልቃዊ ረብሓኻ ምትእኽኻብን እቲ ውድብ መድረኻዊ ተልእኾኡ ከይፍጽምን ተወዲቡ ከይመርሕን ካብኡ ሓሊፉ'ውን ባህግን ድሌትን ህዝቢ ትግራይ ከየዐውት ተሓሊኹ ጸኒሑ እዩ” ክብል ኣምሪሩ ኣስፊሩ'ሎ።
መግለጺ ህወሓት፡ ቀንዲ ምንጪ ናይቲ ጸገም፡ ኣብ ካድራት፡ ሰፊሕ ኣባል ህዝቢን በብደረጅኡ ብፍላይ ከኣ ኣብ መሪሕነት እቲ ውድብ ዝርአ ዘሎ “ጕጅላዊነት፡ ከባቢያውነት፡ ጸረ-ዲሞክራሲ፡ ህዝበኝነትን ብልሽውናን” እዩ ኢሉ።
እዚ ድማ ናብ ዝለዓለ ደረጃኡ በጺሑ እቲ ውድብ "ምዕይ ከይብል ቈሪኑ ሒዝዎ ጥራይ ዘይኰነስ ናብ ኣፍደገ ምብትታን" ኣብጺሕዎ ከምዝጸንሐ፡ እቲ መግለጺ ኣመልኪቱ።
ህወሓት ምስ መንግስቲ ፈደራል ናብ ኲናት ድሕሪ ምእታዉ፡ ብኣባላት ወከልቲ ህዝቢ “ኣሸባሪ ጕጅለ” ተባሂሉ ተሰይሙ ከምዝነበረ ዝዝከር’ዩ።
ድሕሪ ውሳነ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ድማ ብስሙ ዝፍለጥ ንብረት ተወሪሱ ኣብ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ሕጋዊ ሰብነት ስለዝተሰረዘ ህልውና ህወሓት "ኣብቂዑ እዩ" ተባሂሉ ተገሚቱ ነይሩ።
እንተዀነ ድሕሪ'ቲ ክልተ ዓመታት ዝወሰደ ኲናት፡ ህወሓት ምስ መንግስቲ ፈደራል ብዝኣተዎ ውዕል ፕሪቶርያ መሰረት ንትግራይ ኣብ ምምሕዳር’ዩ ዝርከብ።
እቲ ውድብ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተዋሂብዎ ዝነበረ "ኣሸባሪ ጕጅለ" ዝብል ስያመ’ውን ተላዒሉ፡ ብቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ውድብ ኰይኑ ንኽምዝገብ ብሚኒስትሪ ፍትሒ እታ ሃገር ሕቶ ቀሪቡ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ህወሓት ኣብቲ እዋናዊ መግለጺኡ’ውን እንተዀነ መንግስቲ ፈደራል ሕጋዊ ፍቓድ እቲ ውድብ ንኽምለስ ጸዊዑ’ሎ።
“ኣብ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ብዝተፈጠረ ጸገም ምኽንያት ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ሰከም ክስከም ተገዲዱ ጸኒሑ’ዩ” ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ዓመተ 2016 [ግእዝ] ቅድሚ ምውድኡ ውድባዊ ጉባኤ ህወሓት ከካይድ ከም ዝተወሰነ ኣነጺሩ።
ይዅን እምበር ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ጉባኤ ክካየድ ዘይደልዩ ኣባላት መሪሕነት ከምዘለዉ ዝጠቐሰ እቲ መግለጺ፡ “ጉባኤ ንዘይምክያድ ዝዕንቅፍ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የለን” ኢሉ።
ህወሓት ኣብ ምሕደራን ኣጠቓቕማን ማዕድናት ትግራይ ጸገማት ከምዘሎ ብምግምጋም፡ እቲ ውድብ ኣብ ማዕድናት ይዅን ካልኦት ሃብትታት ጥቡቕ ምቍጽጻር ክግበር ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ።
ህወሓት፡ ኣብቲ ንኢትዮጵያ ንኣስታት 27 ዓመታት ዝመርሐ ኢህወደግ ዝተበሃለ ግንባር መስራትን ቀላስን ኰይኑ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኰይኑ ኣብታ ሃገር ብዝተፈጠረ ህዝባዊ ተቓውሞታት ማእከሉ ናብ ትግራይ ገይሩ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ውድብ እዩ።
ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ከካይዶ ይሓስቦ ኣብ ዘሎ ውድባዊ ጉባኤ ገጢሞምኒ ንዝበሎም ጸገማት ክፈትሕ ድዩ ወይ ናብ ዝገደደ ፖለቲካዊ ቍርቍስ ይኣቱ ዝብሉ ሕቶታት ብዙሓት እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







